ር. ሊ. ጳ.፦ እዚ ጾም እዚ ንህይወትና ፍሉይን ብሉጽን ይግበሮ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቀዳመይቲ ሰንበት ናይ ዘመነ ዓቢይ ጾም፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝካፈልዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ንምእመናን ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣካፊሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ምድረ በዳ ብምኻድ ብዲያብሎስ ከም እተፈተነ ዘዘንቱ ክፍሊ ወንጌል፣ ማለት ናይ ዕለቱ ንባብ፣ እንካብ ወንጌል ማቴዎስ (4 1-11) ብምጥቃስ ሓሳባቶም ኣካፈሉ። ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተንትኖኦም ነርብዓ መዓልቲ ድሕሪ ምጻሙ፣ ብኣካላዊ ጥሜትን ብስነ-ምግባራዊ ብፈተናታት ድያብሎስ ክብድ ሰብኣውነትና ኸም ዝተሰምዖ ድማ ኣስተብሃሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ "ኣብ ጕዕዞና ንዅላትና ዘጋጥመና እዚ ቓልሲ እዚ እዩ" ድማ በሉ።
ይኹን እምበር፣ "ነቲ ኽፉእ ብምቅዋም ንጥበራን መፈንጠራታት ድያብሎስን ብኸመይ ክንስዕሮ ከም እንኽእል ዘርእየና ኢዩ" ብምባል ኣስተምሃሩ።
ንህይወት ንምንጻሕን ንምዕምባብን ዘኽእል ብሩህ መገዲ ጾም
ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ጐይታ ኣብዚ ኽፍሊ ሕይወቱ እዚ ዘሕለፎ ብሕታዊ ተመክሮ ብምስትንታን ናይ መዕለቱ ንባብ ወንጌል፣ "ንጾም ከም ብርሃናዊ መገዲ ጌርና ኽንርእዮ ይዕድመና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ "ብጸሎትን ብጾምን ምጽዋትን ኣቢልና ምስ ጐይታ ዘሎና ምትሕብባር ንህይወትና ከም ፍሉይን ብሉጽን ዕዪ ጌርና ኸነሐድሶ ንኽእል ኢና" እውን በሉ።
"እዚ ኸኣ ነቲ ርስሓትና ኬጽርዮን፣ ንቍስሊ ሓጢኣትና ኬሕውዮን ምፍቃድ ዜጠቓልል እዩ፣ ከመይሲ ህይወትና ናብ ምልኣት እታ እንኮ ምንጪ ናይ ሓቀይና ሓጐስ ዝዀነት ፍቕሪ ኽሳዕ እትበጽሕ ብጽባቐ ኽትዕምብብ ክንፈቕደላ ኣሎና" ክብሉ ድማ ተላበው።
ካልእ ዜዕግብ ነገር የልቦን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ እዚ ብርግጽ ከቢድ ጕዕዞ ብምዃኑን ተስፋ ብምቝራጽ ወይ ናብ ተራ ዝኾነ ዕግበት ናይ ምውራድ ሓደጋ ወትሩ ኸም ዘለዎ ኣፍልጦ ሂቦምሉ እዮም።
እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንባዕሉ ዘጋጠሞ ፈተናታት፣ "ነቲ እተፈጠርናሉ ሓጐስ ድኹም መተካእታ ጥራይ እዩ" ብምባል "ኣብ መወዳእታኡ ዘየዕግበናን ህርፋንን ባዶነትን ዘስዕበልና እዩ" በሉ።
ንስሓ መንጽሒ ኢዩ
"በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፣ ንስሓ ንሰብነትና ኣብ ክንዲ ዘድክዮ፣ ናብ ኣምላኽ ፍቕሪ ኢድካ ናብ ምሃብ ዘኽእል ኣድማስ ክንከይድ ከሎና ከም ዜበልጽገናን ከም ዜጽርየን ልዕሊ ኹሉ ድማ ከም ዘበርትዓናን ምሂሮም" በሉ።
“ብርግጽ ንስሓ” ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፣ “ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ንኽንግንዘብ ዝገብረና እኳ እንተ ዀነ፣ ነዚ ክንፍጽሞ እንኽእል ብሓገዝ ኣምላኽን ምስኡን ንሓድሕድናን ዓሚቝ ሕብረት ብምምስራት ክነብር እንከሎና ኢዩ ብርታዐ ዝህበና” ክብሉ ኣስመሩሉ።
ንኤለክሮኒካዊ መሰራሒታት ብምዕጻው፣ ብዛዕባ ኣምላኽ ነስተንትን ምስ ካልኦት ድማ ንራኸብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣስዒቦም፣ "ኣብዚ ግዜ ጸጋ እዚ፣ ኣብ ጐኒ ጐኒ ጸሎትን ግብርታት ምሕረትን ንስሓን ተግባረ ልግሲ እውን ንለማመድ" በሉ።
"ንእተወሰነ እዋን ተለቪዥን፡ ረድዮ፡ ከምኡ ውን ናይ ኢድ ተሌፎናትና ብምዕጻው ንጽሞና ዝኸውን ቦታ ንፈጥር" ብምባል ኣጕልሑ፣ ኣብ ክንዳኡስ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ "ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ከነስተንትን፡ ናብ ቅዱስ ቁርባን ክንቀርብ ከምኡውን ድምጺ እቲ ኣብ ብሽቲ ልብና ንዝዛረበና መንፈስ ቅዱስ ክንሰምዕ" ለበዋ ኣቕረቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ኣብ ስድራቤትናን ኣብ ስራሕናን ማሕበረሰብናን ንሓድሕድና ክንሰምዕ ከም ዘሎና ብምግላጽ፣ ብፍላይ ከኣ ንኣረጋውያንን ድኻታትን ሕሙማትን ፍሉይ ቈላሕታ ክገብረሎም ተማሕጸኑ።
ነዚ ናይ ዘመነ ጾም ጐዕዞና ናብ ቅድስቲ እኖና ማርያም ምውፋይ
ብተወሳኺውን ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ነቲ ዘየድሊ ነገራት ብምሕዳግ፣ ነቲ ዘዋህለልናዮ ድማ ምስቶም ዘጐደሎም ክንካፈል ከም እንኽእል ገሊጾም።
ከምቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዘስተምሃሮ ነዚ ብምግባር እንጽልዮ ጸሎት ናብ ሰማይ ክበጽሕን ሰላም ከውርደልናን እዩ ክብሉ ተራበው።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ፣ እታ "ኣብ ግዜ ፈተና ኵሉ ሳዕ ንደቃ እትድግፍ" እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ናይ ጾም ጕዕዞና ኽትሕግዘና ብምሕጻን ጸልዮም።
