ር. ሊ. ጳ. ኣብ ናይጀርያ ንዘጋጠመ ህይወት ብዙሓት ዝቐዘፈ መጥቃዕትታት ኰኒኖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንሃገረ ናይጀርያ ብምጥቃስ ምእንቲ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን፣ ኣጋጢምዋ ዘሎ ሓድሽ ቀታሊ መጥቃዕትታት ምእመና ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
"ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ሃገረ ናይጄሪያ ኣብ ልዕሊ እተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዝወረደ መጥቃዕትታት ህይወት ብዙሓት ከም ዝቐዘፈ ምስ ፈለጥኩ ብጓህን ሻቕሎትን ኢየ ዘሎኹ" ክብሉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሰንበት ቀትሪ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚብሔር ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ገሊጾም።
ዕለት 3 ለካቲት ምሸት፣ ኣብ ማእከላይን ምዕራባውን ክፋል እታ ሃገር እትርከቡ ቍሸታት ዎሮ እንተ ወሓደ 160 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "ንዅሎም ግዳያት ዓመጽን ግብረ-ሽበራን ብጸሎት ምስኣታቶም ከም ዘሎኹ እገልጽ ኣሎኹ" በሉ። "ብተመሳሳሊ መንገዲ እቶም ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ንድሕንነትን ዕቝባን ህይወት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ንምርግጋጽ ብቘራጽነት ክሰርሑ ተስፋ እገብር" ክብሉ እውን ተማሕጸኑ
ምሉእ ትሕዝቶ መደረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ኣንብብ
ሓድሽ ዓይነት ጭውያ
ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ኣርባዕተ እተፈላለያ ኣቝሻት ኣብ ግዝኣት ካዱና ዝርከባ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ፣ እንተ ወሓደ 51 ሰባት ተጨውዮም ሽዱሽተ ድማ ተቐቲሎም ኣለዉ። ብመሰረት እቲ ኤኤፍፒ ኣገልግሎት ዜና ዘውጽኦ መግለጺ፣ ምንጭታት ጸጥታ ሃገረ ናይጄሪያ ከም ዝሓበርዎ፣ እቲ መጥቃዕትታት ኣብ ደቡባዊ ኽፋል ግዝኣት ካዱና እዩ ተፈጺሙ፣ ኣብ ወርሒ ጥሪ እውን ልዕሊ 180 ዝኾኑ ሰባት ተጨውዮም ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልትታት ተፈቲሖም ኣለዉ።
ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ማሕበረሰብ ካርኩ ዝወረደ መጥቃዕቲ
ዕጡቓት ወተሓደራት ንሓደ ካህን ዝርከብዎም ን11 ሰባት ጨውዮም ንሰለስተ ካልኦት ድማ ኣብ ካጁሩ ቀቲሎም ይርከቡ። ካቶሊካዊ ርእሰ ሰበኻታት ካፋንቻን ከም ዝሓብሮ ኣብ ከባቢ ካጁሩ ኣብ ካርኩ ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ዝነበሩ ካህን ክቡር ኣባ ናትናኤል ኣሱዋይ ከም እተጨውዩ ድማ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ብመሰረት እቲ በቲ ሰበኻ እተዋህበ መግለጺ እቲ መጥቃዕቲ ዝሓለፈ ቀዳም ንግሆ ከባቢ ሰዓት 3 ናይ ንግሆ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ከም እተፈጸመን ኣባኡ ድማ ሰለስተ ሰባት ከም እተቐትሉ ተፈሊጡ ኣሎ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዘመልከትዎ ከአ "ብጕጅለ ግብረ-ሽበራውያን እተፈጸመ ወራር" ክብሉ ገሊጾምዎ ኣለዉ።
ፌደራላዊ መንግስቲ ነቲ ኸም ቦኮ ሓራም ዝኣመሰሉ ጅሃዳውያን ጕጅለታት ዝፈጸምዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ወሲኹ ኽሳዕ እቲ ዕጡቓት ሸፋቱ ዘውርድዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ንምክልኻል፣ ብትእዛዝ ርእሰ ብሔር እታ ሃገር ቦላ ቲኑቡ ናብ ኣውራጃ ካይያማ ሓደ ሰራዊት ተላኢኹ ኣሎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ብዘይካ እዚ ጉዳያ ሃገረ ናይጀርያ፣ ብዛዕባ እቲ ምእንቲ እቶም ግዳያት ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂሰባትን ንዝኾኑን፣ ምእንቲ እቶም ኣብ ስጳኛ፣ ሞሮኮ፣ ፖርቱጋልን ሲቺያን ብምዕልቕላቕ ማይን ምህማም ምድርን እተጐድኡ ሰባት ጸልዮም።
