ድለ

ሰብኣዊ ሓገዝ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ዩክረይን ሰብኣዊ ሓገዝ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ዩክረይን  (cardinale Krajewski)

ሰብኣዊ ሓገዝ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ዩክረይን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰማንያ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን መድሃኒትን ቀረብ መግብን ናብ ዩክረይንን ዝለእኽ ክሰናደው ከም ዝገበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 4 ለካቲት ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ርክስቶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ “ነቶም ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ በቲ ኣብ ናይ ጸዓት ትሕተ ቅርጺ ዝወረደ ደብዳብ ቦምባታት ዘስዓቦ ከቢድ ሓደጋ ኣጸቢቖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ብጸሎት ክትድግፍዎም እምሕጸነኩም - ቢሎም - ካብ ዙሓት ሰበኻታት ብፍላይ ድማ ካብ ፖላንድ ዝግበር ዘሎ ናይ ሓገዝን ቅርበትን ተበግሶታት ድማ ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ሕጂ ብመንገዲ ናይ ቅድስድቲ መንበር ጉዳያት ግብረ ሰናይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣቢሎም ነቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ጭቡጥ ብምግባር ሰማንያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ መመንጨውን መድሃኒትን ቀረብ መግብን ዝጸዓና ሰለስተ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ዩክረይን ከም ዝለኣኹ ኣፍሊጡ።

መመንጨዊ ጸዓትን መድሃኒታትን

እተን መካይን ካብቲ ኣብ ሮማ ካብ ዝርከብ ናይ ስደተይናታት ዩክረይናውያን ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ሶፊያ ከም ዝነቐላን፡ ድሮ ናብተን ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብፍላይ ዝተሃስያ ከባቢታት ፋስቲቭን ኪየቭን ዘቕንዓ ከም ዝኾናን፡ ጎኒ ጎኒ እቶም መመንጨዊ ሓይሊ ኤለትሪክ፡ ጸረ-ነፍሳት፡ ጸረ-ነድሪ፡ ሓዊሱ ብኣሽሓት ዝቑጸር ዝተፈላለየ መድሃኒታት ናብ ዩክሬን ክበጽሕ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስጋና ነቶም ቀጻሊ ሓገዝ ዝገብሩ

እቲ ብካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪ ዝምራሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ግብረ ሰናይ እውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ጸረ-ነፍሳት፡ ጸረ-ነድሪ፡ ጸረ ጸቕጢ ደምን ዝተፈላለየ ቀረብ መግቢን ዝጸዓነት ካልእ ዓባይ ማኪና እውን ከም እተዳለወት ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ እቲ ሓገዝ ኣብ ዩክሬይን ምስ በጽሐ ብናይ ዝተፈላለዩ ናይ ሰበኻታት ጨንፈር ኣባይቲ ጽሕፈት ግብረ ሰናይ - ካሪታስ ከም ዝዕድ ኣፍሊጦም፡ ኩለን ኣብዚ ሓገዝ እዚ ዝተሓባበራ ትካላትን ንኹሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን እውን ብስም ር.ሊ.ጳ. ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 Feb 2026, 16:11