ሓድሽ ሕጊ ጳጳሳዊ ዓለም ለኻዊ ስነ ማርያማዊ ተቕዋም
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ምስ ሊቀ ጳጳሳት ኤድጋር ፔና ፓራ ትኩእ ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ጕዳያት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ነቲ ሓድሽ ሕጊ ጳጳሳዊ ዓለም ለኻዊ ማርያማዊ ስነ ትምህርታዊ ተቕዋም ኣጽዲቆም።
ብመሰረት እቲ ብዕለት 7 ለካቲት ብቤት ጽሕፈት ዜናን ማሕተምን ቅድስቲ መንበር እተሓትመ ጽሑፍ፡ እዚ ሓድሽ ሕግታት እዚ ምስቲ እና ዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ተልእኾ ናይቲ ተቕዋምን፡ ምስቲ ህሉው ቅርጺ መምርሒታት ተቅዋማት ኩርያ ሮማናን፡ ብዝሓሸ መገዲ ንምስምማዕ፡ ምምሕያሽ መምርሒታት እቲ ተቕዋም ኣድላዪ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።
ታሪኽ ዓለም ለኻዊ ጳጳሳዊ ማርያማዊ ትምህርታዊ ተቕዋም
ክሳዕ ሕጂ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዕለት 4 ታሕሳስ 2019 ናብ ጳጳሳዊ ስነ ትምህርታዊ ተቕዋማት ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቶም ከም ዝገለጽዎ፣ ጳጳሳዊ ዓለም ለኻዊ ማርያማዊ ስነ ትምህርታዊ ተቕዋም "ንትምህርቲ ኵላዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ኣብ ምርምርን፡ ምውህሃድ ማርያማዊ መጽናዕትታት ኣሰንይዎ። ነዚ ከኣ ኣብ መንጎ እተፈላለያ ስነ ትምህርታዊ ተቕዋማት ብምትሕብባር" "ስነ ማርያም ኣብ መንጎ ባህልታት ንምዝታይ ኣገዳሲ መድረኽ ምዃኑን፡ ሕውነትን ሰላምን ንምዕባይ ተኽእሎ ከም ዘለዎን ንጹር ምስክርነት ክህብ ጸኒሑ።"
እቲ ስነ ትምህርታዊ ተቕዋም ብ1946 ብማኅበር ንኡሳን ኣሕዋት ካፑቺኒ ምስ ፍራንቸስካዊ ማርያማዊ ኮሚሽን ብሓባር ብምዃን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ማኅበር፡ መጽናዕትን፡ ማርያማዊ መንፈሳውነትን ንምውዳብ ተመስረተ።
ክልቲአን ተቕዋማት ከኣ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ንምምስራተን ዓቢ ተራ ዝነበሮም ኣባ ካርሎ ባሊች እየን ነይረን፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣባ ካርሎ፡ ሓላፊ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኣንቶንያኑምን፡ ሓላፊ ክፍሊ ስነ ማርያምን ነበሩ።
ካብ 1950 ኣትሒዛ ቅድስቲ መንበር ነቲ ተቕዋም ብዛዕባ ስነ ማርያም ዝርኢ ኣህጉራዊ ጉባኤ ንምውህሃድ ሕድሪ ሂባቶ። ብዕለት 8 ታሕሳስ 1959 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 "ዓበይቲ ነገራት" ብዝብል ኣዋጅ፡ ነቲ ተቕዋም ኣብ ምዕባለ ማርያማዊ ዓንቀጸ-እምነትን፡ ማርያማዊ መንፈሳውነትን ንዝገበሮ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብቲ ስሙ "ጳጳሳዊ" ዚብል መዓርግ ወሰኹሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተወሳኺ፡ እቲ ተቕዋም ስነ ማርያማዊ ኣህጉራዊ ጉባኤ ናይ ምውዳብን፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ምሁራት ስነ ማርያም፡ ኣኼባታት ናይ ምውህሃድን፡ ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝግበር መጽናዕትታት ብዝበለጸ ክዓብን፡ ሓቀይና ማርያማዊ መንፈሳውነት ንምድንፋዕን ሓላፍነት ሃብዎ። በዚ ኸምዚ ከኣ ጳጳሳዊ ዓለም ለኻዊ ማርያማዊ ስነ ትምህርታዊ ተቕዋም ተወልደ።
ምስ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኣንቶንያኑም ምውህሃድ
እቲ ተቕዋም ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ቅዱስ ማኅበር ላዕለዋይ ቅዱስ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር (ሕጂ ብዛዕባ ዓንቀጸ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር) ተዋህበ። ብመሰረት ሕግታት ናይ 1997 ንንጥፈታት እቲ ተቕዋም፡ ምስ ካልኦት ጳጳሳዊ ተቕዋማት ናይ ምውህሃድ ሓላፍነት ናብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር፡ ንጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ባህሊ ተዋህበ።
ወንጌል ኣበስሩ ብዝብል ሓዋርያዊ ኣዋጅ ከኣ፡ እዚ ሓላፍነት እዚ ናብቲ ብዛዕባ ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ተመሓላለፈ። ብዕለት 18 ግንቦት 1972 ጳጳሳዊ ዓለም ለኻዊ ማርያማዊ ስነ ትምህርታዊ ተቕዋም፡ ኣብ ዓውዲ ስነ ማርያም ፍሉይ ኣካል ኰይኑ ብወግዒ ምስ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኣንቶንያኑም ተጸምበረ። ብዕለት 4 ታሕሳስ 2012 ጳጳሳዊ ዓለም ለኻዊ ማርያማዊ ስነ ትምህርታዊ ተቕዋም፡ ንጳጳሳዊ ቀቕዋም ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ኣብ ማኅበሩ ተቐቢልዎ።
