ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ኣብ ኢዮቤል ናይ መንእሰያት ክጽልዩ እንከለዉ ሮማ 3 ነሓሰ 2025 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ኣብ ኢዮቤል ናይ መንእሰያት ክጽልዩ እንከለዉ ሮማ 3 ነሓሰ 2025  (@Vatican Media)

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቲ ዓቢይ ጾም፦ ካብ ጐዳኢ ቃላትን ህዉኽ ፍርድን ንርሓቕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ቅድሚ ምጅማር ናይ ጾም ንኵልና ካቶሊካውያን ንምስማዕን ንጾምን ንማሕበረሰብን ክፉታት ክንከውን ጻውዒት ኣቕሪቦም። ንናይ ተስፋን ሰላምን ቃላት ቦታ ምእንቲ ኽንረክብ ከኣ ካብ ናይ ጽልኢ ቃላት ክንርሕቕ ተማሕጺኖም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

"ናብቲ ኣዝዩ ግብራውን ብዙሕ ጊዜ ኣቃልቦ ዘይወሃበሉን ዓይነት ገዛእ ርእስኻ ምግታእ ክዕድመኩም እደሊ ኣሎኹ፣ እዚ ከኣ ንብጻይና ኻብ ዜጕህን ዚጐድእን ቃላት ምርሓቕ እዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ነዚ ጻውዒት እዚ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝወጸ ናይ ጾም ኣርባዓ 2026 መልእኽቶም ኣቕሪቦም።

ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡  ኣብ መግለጺኦም፡ እዚ ቅዱስ ሊጡርግያዊ ዘመን ናይ ጾም፡ ንዓና ንክርስትያናን  ንምስጢር ኣምላኽ፡ ደጊምና ማእከል ሕይወትና ንኽንገብሮ ዓቢይ ዕድል ዝፈጠረልና ኣጋጣሚ ኢዩ።

ነፍሲ ወከፍ ናይ ንስሓ ጕዕዞ ከኣ፡ ቃል ኣምላኽ ንልብና ክትንክፎ ፍቃደኛታት ምስ እንኸውን ኢዩ ዚጅምር፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንክርስቶስ ኣብ ምስጢረ ድሕነት ናይ ሕማማቱን፡ ሞቱን፡ ትንሣኤኡን ንኽንስዕቦ ብሓዲሽ መንፈስ እንብገሰሉ ጊዜ ኢዩ ይብሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ንኣምላኽን ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባትን ክንሰምዕ ልብና ምስ ከፈተና ሽዑ ኢና ሓቀይና ርክብ ክንምስርት እንኽል ኣብ ዝብል ዝያዳ ኣተኲሮም ድማ፥

"ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ውልቃዊ ሕይወትናን ኣብ ሕብረተሰብን ዘሎ ብዙሕ ድምጽታት፡” “ቅዱስ መጽሓፍ ንኣውያት እቶም ዚጭነቑን ዚሳቐዩን ሰባት ከነለልዮን፡ ምላሽ ንኽንህብን ይሕግዘና እዩ" ኢሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ዘለናዮ ጊዜ፡ ድኻታትን፡ ቍጠባዊ ስርዓትን፡ ቤት-ክርስትያንን ኣብ ሕይወትና ብድሆታትና ምዃኖም ብንቅሓት ብምግንዛብ፡ ከምቲ ኣምላኽ ሰማዒ ዝኾነ፡  ክርስትያን ውን ከምኡ ንምስማዕ ውሳጣዊ ኽፉትነት ከዕብዩ ይኽእሉ ኢዮም።

ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14፡ ጾም ምእንቲ ፍትሒ ዓሚቝ ባህጊ ክህልወና ፍቃደናታት ክንከውን ክፉታት ይገብረና፣ ካብ ሸለልትነት ከኣ ሓራ የውጽኣና።

"ጾም ንኣካላትና ስለ ዚትንክፍ እቲ እንጠምዮ እንታይ ከም ዝኾነ ብቀሊሉ ከነለልዮን፡  ኣብ መነባብሮና ከኣ እቲ ዘድልየና ኣገዳሲ ነገር እንታይ ምዃኑ ንኽንፈልጦን ይሕግዘና"። "ኣብ ርእሲ እዚውን፡ ጥሜትናን ጽምእናን ፍትሒ ክኸውን ምእንቲ፡  'ንሸውሃትና' ከነለልዮን፡ ክንመልኮን ይሕግዘና ኢዩ።"

ኣስዒቦም ድማ፡  ጾም፡ ንባህግና ንጹሕ ክንገብሮን፡ ካብ ክፍኣት ሓራ ከነውጽኦን፡ ከነስፍሖን እሞ፡  ናብ ኣምላኽን ናብ ሰናይ ግብርን ምእንቲ ከተኵር፡  ንባህግና ክንቈጻጸሮ ይምህረና።

ግና ናብ ትዕቢት ብዚመርሕ መገዲ ዘይኰነስ፡ ብእምነትን ትሕትናን ምስ ጐይታ ብሕብረት ክንጸውም ከም ዘሎና ቅዱስነቶም ገሊጾም። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ካልእ ዓይነት ርእሰ-ምኽሓድ እንተ ወሲኽና ከኣ ዝያዳ ናብ ጥንቃቐ ዝመልኦ ኣነባብራ ከም ዚመርሓና ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና፡  ኣስዒቦም፡ ነቲ ካብ ጐዳኢ ቃላት ከም እትርሕቕ ዝገብር፡ ግና ብዙሕ ግምት ዘይወሃቦ፡ ብዛዕባ ነፍስኻ ምግታእ ጠቒሶም።

"ቛንቋና ነመዓራሪ፡ ጐዳኢ ዝኾነ ተሪር ቃላትን፡ ብታህዋኽ ንሰባት ምፍራድን ነወግዶ፡ ብዛዕባ እቶም ምሳና ዘየለዉን፡ ገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ዘይክእሉን ካብ ምጽራፍን፡ ብዛዕብኦም ሕማቕ ካብ ምዝራብን ንርሓቕ።  "ኣብ ክንዳኡ ንቓላትና ንገምግሞም እሞ፡ ኣብ ስድራ ቤትና፡ ኣብ መንጎ ኣዕሩኽትና፡ ኣብ ስራሕና፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ክትዕ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን፡ ኣብ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብን ሕያውነትን ኣኽብሮትን ከነማዕብል ንጽዓር።"

ከምኡ እንተ ጌርና ንናይ ጽልኢ ቃላት  ናብ 'ናይ ተስፋን ሰላምን ቃላት ክንልውጦም' ኢና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣቐጺሎም ነቲ ኣብ ሰበኻታትናን፡ ስድራ ቤታትናን፡ መንፈሳውያን ማሕበራትናን ኪነብሮ ዘሎና ሓባራዊ መዳይ ዝኾነ ብዛዕባ ሓድሕድ ናይ ምስማዕን፡ ናይ ጾምን መብርሂ ሂቦም።

ኣውያት ድኻታት ብምስማዕን፡ ልብና ብንሰሓ ናብ ክርስቶስ ገጹ ንኽልወጥ መገዲ ብምፍጣርን፡ ንሕልናና ክንኵስኵሶን፡ ንሕይወትናን፡ ርክባትናን ከኣ ከነመሓይሾም ከም እንኽእል ገሊጾም። እዚ ከኣ "ንገዛእ ርእስና ብህሉው ኩነታት ክንብድሆን፡ ኣብ ውሽጢ ማኅበር ቤተ-ክርስትያናን፡ ብዛዕባ ንፍትሕን ዕርቕን ዘሎና ሰብኣዊ ጽምእን  ነቲ ውሽጣዊ ድልየታትና እንታይ ይርመሖ ከም ዘሎ ምፍላጥ ማለት ኢዩ።"

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ፡ ኣብ ናይ 2026 ናይ ጾም መልእኽቶም፡ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ነቶም ዝሳቐዩ ወገናት መዕቆቢ ዝረኽቡሉ ቦታ ክህልዎም ጻውዒት ብምቕራብ "ንጐዳኢ ቃላት ምእንቲ ከነጕድሎምን፡ ንድምጺ ካልኦት ሰባት ድማ ዝያዳ ቦታ ምእንቲ ክንህቦን፡ ሓይሊ ክህበና ንለምን" ብምባል መልእኽቶም ዛዚሞም። 

 

14 Feb 2026, 12:10