ታሽዓይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ በርናርዶዶስ "መልኣኽ ዝገብሮ ክንርእን ከምኡ ክንገብርን" ይምዕደና: "ወሪድካ ንብጻይካ ምሕረት ግበር፤ ከም ብሓድሽ ድማ ብተመሳሳሊ መልኣኽ ድሌታትካ ኣልዒልካ ምስ ኩሉ ድሌታት ነፍስኻ ናብቲ ዝለዓለን ዘለኣለማውን ሓቂ ክትበርኽ ጽዓር።" ኩሉ ተፈጥሮኣዊ ድሌታት ደቂ ሰባት፡ ብሓቂ "ናብ ፍጻመ ኣምላኽ ይማርኽ፡ ስለዚ ናብኡ ክምራሕ ኣለዎ።" ተራ መላእኽቲ ድማ "ናይ ሓልዮት ኣምላኽ መንጎይና ምዃን እዩ” እንክብሉ ጳጳስ ኤሪክ ቫርደን ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡ (ጳጳስ ኤሪክ ቫርደን ናይ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጽማሬ)።
መላእኽትን ሰይጣን ንኢየሱስ ዘቕረበሉ ፈተናታትን
ጳጳሳ ኤሪክ ቫርደን ኣብ መዝሙር ዳዊት 91 "ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሓድር ኣብ ጽላል እቲ ኹሉ ዝኽእል ይነብር” ኣብ ዝብል ፍቕዲ ቅዱስ በርናርዶስ ዘቕረቦ ስብከት ተወኪሶም፡ ሰይጣን ንኢየሱስ ናብ ጫፍ ቤተ መቕደስ ወሲዱ ንርእሱ ክድርቢ ክፈታተኖ እንከሎ እውን ነዚ ምዕራፍ መዝሙረ ዳዊት እዩ ዝጠቅስ፡ "እግዚኣብሔር መላእኽቱ ክሕልውኻ ክእዝዞም እዩ። ከምቲ ኣእጋርካ ድማ ከይዕንቀፋ ቢድካ ክሕዙኻ እዮም” ከም ዝብሎ፡ ንኽፍትነና ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ጥራይ እዩ፡ ስለዚ እቲ እግዚኣብሔር ዘቕርበልና ፈተና ናብ ሑቕፉ ገዛእ ርእስና ክንሓድግ እምበር ገዛእ ርእስና ዘደርብይ ኣይኮነን።
ሓላዊ መልእኽ የብርህን ይከላኸልን
መላእኽቲ ዝገብርዎ ምትእትታው "ኩሉ ግዜ ዘረጋግእ ከምዘይኮነ" ከምኡ'ውን መላእኽቲ "ንፍቓድና ወይ ድማ ትምኒትና ንኸማልኡ ዝተጸውዑ ኣይኮኑ። ኣብቲ ንሬጂናልድ ብዓል ካንተርበርይ ዝተባህለ ኣብ ዘመን ቅዱስ በርናርዶስ ዝነበረ ዝደረሶ ተባሂሉ ኣብ ዝግነረሉ ህቡብ ጸሎት፡ ሓላዊ መልኣኽና "ክብርሃልና፡ ክሕልወና፡ ክድግፈናን ከመሓድረናን" ዝምህለል ጸሎት ኣሎ። እዚኦም ሓያላት ግሲታት እዮም፡ "መልኣኽ ቅድም ቀዳድም ሓላዊ ቅድስና" ምዃኑ እዮም ዘረጋግጹልና፡ ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ገዳማዊ ህይወት ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ "ዕላማኡ ከም መላእኽቲ ውዳሴን ኣምልኾን ምንባር እዩ፣ ምኽንያቱ ፈላሲ ብፍቕሪ ኣምላኽ ክነድድን ንኻልኦት ልኡኽ ኪኸውንን ስለ እተጸውዐ እዩ። ብእግዚአብሔር ንተኣመን ደኣ እምበር ናይ እግዚአብሔር መላእኽትስ ክረድኡና ወትሩ ኣብ ዙርያና እዮም። መላእኽቲ ኣብቲ ናብ እግዚኣብሔር እንድይበሉ መሳልል ይወርዱን ይድይቡን ክፉእን ሰናይን ግብርታትና ይጽብጽቡ፡ ከምኡ’ውን ዝኾነ ይኹን ሓቀይና ጸሎት ከይተስተውዓለ ዝተርፍ ዘይኮነስ ናብ እግዚብሔር ልዕል ዝብል ምዃኑ የረጋግጹልና።
ልኡካንን መንጎምናታትን ምሕረት ኣምላኽ
ቅዱስ በርናርዶስ ተራ መላእኽቲ "ናይ ሓልዮትን ምሕረትን ኣምላኽ መንጎይናታት ምዃኖም የጒልሕ። እዚ ሽምግልና ወይ መንጎይናነት እዚ "ኩሉ ግዜ ኣድላዪ ኣይኮነን"፣ ምኽንያቱ ኣምላኽ ብዘይ መንጎይናታት ክበጽሓና ዝኽእል ብምዃኑ፣ ግን "ፍጡራቱ ንሓድሕዶም ናይ ጸጋ መስመራት ክኾኑ ምፍቃዱ ባህ የብሎ"። ቅዱስ ሲታዊ መነኮስ በርናርዶስ መላእኽቲ ፍጹም መንፈሳውያን ፍጡራት ብተፈጥሮኦም ንላዕሊ ከም ዝግዕዙ ወይ ዝንቀሳቐሱ ምዃኖም የዘኻኽረና። ምውራዶም ግን ንረብሓና ዝፍጸም፡ ምሕረት ኣምላኽ ብልክዕ ኣብ ዘለናዮ ቦታ ምእንቲ ክረኽበና፡ ዋላ ኣብ ገለ ዘፍርሕ ጸልማት፡ ካብቲ ዘለናዮ ናብ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከልዕሉና፡ ከም መንጎይናታት ይልኣኹ። መላእኽቲ ነቲ ከገልግል እምንበር ክግልገል ዘይመጸ ይመስልዎ: እዚ ዝገብርዎ ካብ ንጹሕ ፍቕሪ ተበጊሶም እዮም። እቲ ናይ መወዳእታን ወሳንን ተግባር ፍቕሪ መላእኽቲ፡ ስብከታት ቅዱስ በርናርዶስ ጠቒሶም ጳጳስ ቫርደን፡ "ኣብ ሰዓት ሞትና ክኽወን እዩ፡ ንሳቶም ድማ ካብ መጋረጃ እዛ ዓለም እዚኣ ናብ ዘለኣለም ክወስዱና እዮም። ድሕሪኡ ባህርያቶም ክገልጹ እዮም: "ክስዓሩ ወይ ክታለሉ ኣይክእሉን እዮም: ንዓና እውን ከታልሉና ኣይክእሉን እዮም" ይብሉ።
ቅዱስ ኒውማንን "መልኣኽታዊ" ኣገልግሎት ካህናትን
በርናርዶስ ኣብ 1139 ብዛዕባ እዞም እርእስታት እዚኣቶም ሰቢኹ እዩ፣ ድሕሪ 726 ዓመታት ድማ ዝተፈላለየ ባህሪ ዘለዎ ግን ከኣ ተመሳሳሊ ብሊሕ ኣእምሮ ዘለዎ ሊቕ ጆን ሄንሪ ኒውማን ቅድሚ ካርዲናል ምሽያሙ "ብዛዕባ ሞት ብዝምልከት ብሉጽ ግጥሚ" ደሪሱ እዩ። እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ቅዱስ ደሓር ድማ ሊቕ ቤተ ክርስቲያን ቢላ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝኣወጀቶ ቅዱስን ጆን ሄንር ነውማን፡ "ብዛዕባ መላእኽቲ ብዙሕ የስተንትን። ንኣገልግሎት ክህነት ከም መላእኽቲ እዩ ዝሓስቦ። ብርግጽ እቲ ካህን ኣብዛ ዓለም ኣብ ገዝኡ እዩ ዘሎ፣ ንዝጠፍአ ንምድላይ ናብ ጸልማትን ዱርን ክኣቱ ኣይፈርሐን። ክብሪ እግዚኣብሔር ንኹሉ ህሉው ክውንነት ከብርህ ድማ ኣዒንቲ ኣእምሮኡ ወትሩ ናብ ገጽ ኣቦ ዘልዕል እዩ። ብርሃን ኩሉ ግዜ ክልተኣዊ እዩ እዩ: ብርሃን ምሁራውን ኣገዳስን፡ ምስጢራውን ትምህርታውን እዩ።
መምህራን "መላእኽቲ መብራህቲ" ክኾኑ እውን ይኽእሉ እዮም።
ኒውማን፡ እቲ ሕጂ ሊቅ ቤተክርስትያን ዝኾነ ኖርቨጃዊ ሰባኺ፡ "ንትምህርቲ ከም ብርሃን መላእኽቲ ጌርና እንደገና ከነስተዕሎን ክንረኽቦን" ጻውዒት የቕርበልና። "ትንቢታውን ጽቡቕን" ብድሆ ምዃኑ ሕጂ ስነ ህንጸት ወይ ትምህርቲ ንብስነ ኣሃዝ እተራቀ መራኸቢ ብዙሓንን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ብሓላፍነት ዝተወሃበ እንተመሰለ "መንእሰያትን በጽሕታትን ቈልዑን ክእለት ጥራይ ዘይኰነስ ጥበብ እውን ከመሓላልፉ ዚኽእሉ እሙናት መምህራን ኪረኽቡ ሃረር ይብሉ። ምስ መላእኽቲ ዚግበር ምርኻብ "ብሕታዊ እዩ። ጉጅም ምባል ወይ ድማ ብጉጅም መበሃሃሊ ክትካእ ኣይክእልን እዩ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ታሽዓይ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
