ኤሌትራ ማርኮኒ፡ ሬድዮ እቲ ዝያዳ ዘተኣማምን መራኸቢ ብዙሓን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ልእልቲ ኤሌትራ ማርኮኒ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 95 ዓመት ምጅማር ፈነወ ራዲዮ ቫቲካን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፡ ምስረታ ራዲዮ ቫቲካን ምስ ታሪኽ ወላዲኣ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ብምዝካር፡ ንዓኣን ቤተ ሰባን እዚ ዝኽሪ እዚ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎን ብፍላይ ድማ ምስ ታሪኽ ወላዲኣ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ ራዲዮ ቫቲካን ክፍሊ ታሪኽ ስድራ ቤተይ እውን እዩ እዚ ድማ “ዓቢይ ሓጎስ ይፈጥረለይ” ትብል።
ልእልቲ ኤሌትራ፡ ወትሩ ብርቱዕ ደጋፊት ራድዮ ቫቲካን ኢኺ። ዝኽሪ መበል 95 ዓመት ምጅማር ፈነወ ራዲዮ ቫቲካን ንዓኺ እንታይ ትርጉም ኣለዎ?
ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕለት እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ህይወት ኣቦይ ኣዝዩ ጽቡቕን ዓሚቕ ልቢ ዝትንክፍ ህሞት እዩ ነይሩ። ኣብ እግዚኣብሔር ዓቢ እምነት ከምኡ’ውን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11 ዓቢ ኣኽብሮትን ዕርክነትን ከም ዝነበሮን፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ኢጣሊያ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይድገፍ ከም ዝነበረን ባዕሎም እውን ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ናይ ሓደ ተመራማሪ ኣእምሮ ዝነበሮም ብምዃኖም፡ ንምህዞታት ብቐረባ ይከታተሉ ከም ዝነበሩን፣ ናይቲ ኣቦይ ዘካይዶ ዝነበረ ስነ ምርምር ዝርዝር ሓበሬታ ንኽፈልጡ ስለ ዝደልዩ ዝንበሩ ድማ ብዙሕ ግዜ ናብ ገዛና ይድውሉን ምስ ኣቦይ ይዘራረቡን ከም ዝነበሩ እዝክር። ራዲዮ ቫቲካን ንዓይ ዘለዎ ትርጉም ካብዚ ክስትውዓል ዝከኣል እዩ።”
ጉግሊኤልሞ ማርኮኒ ባዕሉ ራዲዮ ቫቲካን ከም ዝሰረሖን ኣብ 1931 ድማ ከም እተመረቐን ዝዝከር ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ተመኩሮ እንታይ ተዘክሮ ኣሎኪ?
ኵሉ ነገር ኣብ ኣገዳስነት ረድዮ ቫቲካን ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ይመስገን ኣብቲ እዋን ብተቕዋም ብርሃን እተዳለወ ባህ ዘብል ሰነዳዊ ፊልም ኣሎ፣ እዛ ፊልም እዚኣ ኣቦይ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ሓያል መደበር ሬድዮ እዚ ናብ መላእ ዓለም ፈነወኡ ንኸብጽሕ ብምስምማዕ ነታ ራዲዮ ክበግሳ እንክሎ ዜርኢ እዩ። ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ዓለም ከቕርቦም ዓቢይ ድላይ እውን ነይርዎ። ኣብቲ ናይ ምስማዐ ርእየት ሰነድ ኣቦይ ክሳዕ ክንደይ በቲ ኩነት ከም እተተንከፈን ዝስምዖ ዝነበር ባህታን ክትርኢ ትኽእል። እቲ ናንይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11 ጻውዒት ዝሃቦ ምላሽ ማለት ቃላትን ተግባራቱን ዘደንቕን ኣዝዩ ምስትውዓል እውን ከም ዝገበረ ዘረጋግጽ እዩ ነይሩ።
ኣቦይ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ውጥን ተውፊዩ፡ ንሓያሎ ተኸታታሊ ኣዋርሕ ኣብ ሮማ ካብ ዝጸንሓሉ እዋን እቲ ዝነውሐ እዩ ነይሩ። ኵሉ ሳዕ ይጐዓዝ ነይሩ - ለንደን ኒው ዮርክ - እዚ ግን ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ።
ክንምለስ እንኮለና ኣብ ሮማ እቲ ዝነውሐ ግዜ ዝጸንሓሉ እዋን ኣማእኪልና እውን ንዘራረብ ከም ዝነበርና ይዝክረኒ። መዓልቲ መዓልቲ ናብ ቫቲካን ይኸይድ ነይሩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ ነቲ ዕዮ ንምዕባለ መዓልታዊ ብቐረባ ይከታተሉ ነይሮም፡ ነዚ ዘርኢ ዘደንቕ ስእልታትን ሰነዳዊ ፊልምታትን ተዘርጊሑ ኣሎ። ከም እንፈልጦ ድሒሩ ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ነቦይ ዝተወፈነ ጐደና "ቪያ ጉግሊልሞ ማርኮኒ" ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ምስ ኣቦይ ብሓባር እናተጓዕዙ እንከለዉ ዜርኢ ስእሊ ኣሎ።
ልእልቲ ኤሌትራ፡ ሕድሪ ኣቦኺ ንምልላይ ሂወትኪ ዘወፈኺ ኢኺ፡ እዚ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ?
ንዓይ ግዴታዊ ሓላፍነት እዩ ነይሩ፣ እዚ ንዓይ ዓብይ ሓጎስ እዩ። ሰባት ስለቲ ዝገበርዎ ኣቀባብላ፡ ነቲ ዘደንቕ ቃላቶም፡ ከምኡ’ውን ንምህዞ ኣቦይ ዘርኣይዎ ምስጋና ንምምስጋን ናብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ተጓዒዘ እየ፡
ናብ ብራዚል ጥራይ ዘይኮነስ-ብዙሕ ግዜ፡ ትሽዓተ ግዜ ናብ ኣውስትራልያ ከይደ፤ ኣቦይ ንኣትላንቲክ 87 ግዜ ብባሕሪ ስለ ዝሰገረ፡ ማእለያ ዘይብሉ ግዜ ናብ ኣመሪካ ተጓዒዙ እዩ፡ ሎሚ ነፈርቲ ኣለዋና! ኣብ ቻይና፡ ጃፓን፡ ታይዋን እውን ተጓዒዘ።
ዕለት 12 ለካቲት ራዲዮ ቫቲካን መበል 95 ዓመት ምምስረታኡ ከተብዕል እዩ፡ 13 ለካቲት ድማ ትካል ትምህርት፡ ስነ ፍልየትን ባህልን ውድብ - UNESCO ዓለምለኸ መዓልቲ ሬድዮ የብዕል። ናይ ሎሚ ዓመት ናይዚ በዓል እዚ መርሕ ቃል “ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ መጋበርያ እምበር ድምጺ ኣይኮነን” ዝብል እዩ፡ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እንታይ ትብሊ?
እወታዊ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ግን ክንቆጻጸሮ ይግባእ። እዞም መራኸቢ መገድታት ብግቡእ ምጥቃን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።
ሎሚ ኣብዚ ዓቢ ናይ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ዝረእኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ነቶም ኣብ ራድዮ ቫቲካን ዝሰርሑ ኵሎም እንታይ መልእኽቲ ከተመሓላልፊ ትደልዪ?
ኩሉ ፍቕረይን ምስጋናይን ከመሓላልፍ እደሊ። ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ዝነበርኩ - ንኣቦይ ንምዝካርን ንምኽባርን ድማ ክሰርሑ ተስፋ እገብር።
ኣብ ዝክሪ መበል 95 ዓመት ራዲዮ ቫቲካን ዘሎኪ ትምኒት?
ትሚተይ ሰባት ብዛዕባኡ ክዛረቡ እዩ። እዚ ብኣካል ተራኺበ ከመሓላልፎ ደስ ምበለኒ፡ ምናልባት ግን እዚ ብራዲዮ ከመሓላልፍ ትርጉም ይህልዎ። ብፍላይ ድማ እቶም መንእሰያት - ብኣብነት ኣቦይ ተደሪኾም ክዓብዩ፡ ኣቦይ ንኤሌክትሮማግኔታው ማዕበላት ንኹሉ ክበጽሕ ኣብ ዝገብር ስነ ፍልጠታዊ ብልሓት ዓቢ ፍቕሪ ነይርዎ።
ሬድዮ ክእመን ይኽእል ዶ?
እወ - ካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ዜና ብቐጥታ ብእኡ ኣቢሉ እዩ ዝመጽእ። ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ናይ መወዳእታ ውልቃዊ ከተመሓላልፍዮ ኣትድልዮ መልእኽቲ እንተሎ?
ኣብ ኣምላኽ ዓብይ እምነት ኣሎኒ፡ ንብጻየይ ድማ የፍቅር። ኩሉ ሰብ ኣብ ሕልናኡ ሰላም ክረክብ ተስፋ እገብር። ንኹሉ ’ ውን ጽቡቕ ትምኒተይ አመሓላልፍ ቢላ ንራዲዮ ቫቲካን ዝሃብውቶ መግለጺ ትዛዝም።
