ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር፦ ኣብዛ ውግእን ምክፍፋልን ዝጸልመተት ዓለም ምትእምማን እንደገና ኺህነጽ ኣለዎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ዓለምና ውግእን ግጭትን ምክፍፋልን ብዘስዓቦ ከቢድ መዋጥር ጸልሚታ ኢያ ዘላ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋሁ ተስፋ ርሑቕ ዘሎን ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ክብጻሕ ዘይከኣል ክመስል ይኽእል ኢዩ።" ይኹን እምበር እዚ ተስፋ እዚ ክኹስኰስ ዝኽእል ነፍሲ ወከፍ ሰብ "ኣብቲ ቀሲሉ ዘሎ ቦታታት ምትእምማን እንደገና ንምህናጽ ዘገምተይናን ኣድካምን ኣብ ዝዀነሉ እዋን እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ዘተ ክጸንዑን ከምኡውን ነቲ ናብ ሰላም ዝመርሕ መገድታት ክፉት ኪገብርዎን" ዘለዎም፣ ስለዚ ድማ ተስፋ ካብ ከምዚ ሓላፍነት ጥራይ እዩ ክምገብ ዝኽል ክብሉ ኣመልከቱ።
እዞም ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር፣ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 1 ለካቲት ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ማርቲን ኣብ ብራቲስላቫ ኣብ እተኻየደ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሪፓብሊካዊት ሃገረ ስሎቫክያን እተገብረ ዲፕሎማሲያዊ ስምምዕ፣ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣማልኽ እዩ ዝነበረ።
ዓንቀጽ ብፁዓንን ኣመክንዮ እምነትን
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ኣብ እምባ ተቐሚጡ ዝለገሶ ትምህርቲ፣ ማለት ነቲ ካብ ወንጌል ማቴዎስ እተወስደ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ምርኩስ ብምግባር፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ከም ዘተኣታተወ ኣመልከቱ። ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ከም ዝገለጽዎ ኢየሱስ "ትእዛዛት ቅድሚ ምሃቡ፣ ካባና ገለ ነገር ቅድሚ ምሕታቱ ጐይታ ሓደ በረኸት ይእውጅ" ብምባል ኣጕልሑ፣ ክርስቶስ ልዕሊ ዅሉ "ንድኻታትን፡ ትሑታትን፡ መሓርትን፡ ገበርቲ ሰላምን፡ ፍትሒ ንዝጠምዩን ከም ዝጥምትን ደጊሙ ድማ "ንስኻትኩም ብጹኣን ኢኹም" ከም ዝበሎም ንዕዘብ።
እዚ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ኣብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን፣ ኣብቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገራትን ንገጽታ ናይ ታሪኽ ከም ዝቕይር እውን ገለጹ። ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ኣስዒቦም ከምዚ በሉ፦ "ኣብዛ ንህይወት ብዓወት ናይ ምልካዕ ዝለመደት ዓለም፣ ብድሕንነትን ውሕስነትን ክርስቶስ ካልእ ኣረኣእያ ይኸፍተልና ኣሎ። ብዓብላልነት ዘይኰነስ ብምትእምማን እተመስረተ ኣነባብራ ድማ የርእየና። ብርእሰ-ምትእምማን ዘይኰነስ ብኅብረት፣ ብፍርሒ ዘይኮነስ ብተስፋ ኣምላኽ ኢዩ" ውን በሉ።
ውዕላት ምክፍፋል ዝፍውስ ድልድል ደኣ እምበር፣ መሰላት ንምሕላው ዝቐውም መንደቕ ኣይኰነን!
ስለዚ እዚ ዓንቀስ ብፁዓን "ካብ ክውንነት እተፈልየ ግጥሚ" ሕልሚ ፍጹም ናብራ ዘይኰነስ፣ "ኣብ ታሪኽ ዘሎ ተግባረ ጸጋ" እዩ ዝገልጽ፣ "ኣምላኽ ኣብቲ ሰብኣዊ ርእሰ-ምትእምማን ዘብቅዓሉ እዋን እዩ ዝዓዪ" ዚብል መምርሒ ዝሓዘ ድማ እዩ።
እዞም ናይ ሃገረ ቫቲካን በዓል መዚ ቀጺሎም፣ "ኣምላኽ፣ ዓለም ክትሃንጸሉ እትኽእል ብዙሕ ኣብ ዘይትርእዮ ቦታ እዩ ዝሃንጽ። ናይ ክርስቶስ ምዃን ማለት ትሕትና ቦታ ሓርነት፣ ምሕረት ድማ ሓደ ዓይነት ብርታዐን፣ ጽንዓት ከኣ ስቕ ዝበለ ኣዋጅ ተስፋ ምእንቲ ኽትከውን፣ እዚ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እዚ ኺቐርጸና ምፍቃድ ማለት እዩ።"
ጸዋዕታ ተስፋ
ስለዚ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝበልዎ ተስፋ ስምዒት ዘይኰነስ "ክንበር ዘለዎ ጽውዓ" ኢዩ፣ ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ወሲኾም፣ ኣብቲ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም ዘመሓላለፍዎ ናይ መጀመርታ መልእኽቶም ቅዱስነቶም ንዘቕረብዎ ጻውዒት እውን ኣዘኻኺሮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ "ንተስፋ ህያው ዝገብር ዝዀነ ይኹን መንፈሳውን ባህላውን ፖለቲካውን ተበግሶ ከነተባብዕን ክንድግፎን ኣሎና" ብምባል እውን ኣጕልሑ።
ታሪኽ ሃገረ ስሎቫክያ ንባዕሉ፣ ነዚ "ጽኑዕ ተስፋ" ዘረጋግጽ ምዃኑ እዞ ሊቀ ጳጳሳት ኣመልከቱ። ብፁዕ ኣቡነ ጋለገር ተዘክሮኦም እንክገልጹ "እምነት ስሎቫክያ ብትዕግስቲ ወንጌላውነት ዘይነቓነቕ ተኣማንነት ከምኡውን ስቕ ዝበለ ጽንዓት እዩ ተወሊሱ" ብምባል እውን ኣዘኻኸሩ። ካብቶም ጠበቓታት ህዝቢ ስላቭ ዝነበሩ ቅዱሳን ሲሪልን ሜቶዲየስን ከምኡውን ቅዱስ ጎራዝድ ጳጳስን፣ ፕራግን ሰማእትን ጀሚሮም ነዚ ሓድሽ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዓንቀስ ብፁዓን ዝመስከሩ ኢዮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ "ኣብነት ናይዚ ጕዕዞ" ስለ ዝዀኑ "ኣብ ሓይሊ ወይ ኣብ ፍሉይ መሰል ኣይኰኑን ዝምርኰሱ ዝነበሩኢ፣ የግዳስ ኣብቲ ብትዕግስቲ ዚዓዪ ቓል ማለት ኣብ ምቕራጽ ቋንቋ እዮም ዝምርኰሱ ነይሮም። ንባህሊ ምቕራጽን ንወንጌል ልቢ ምኽፋትን" ድማ ኢዩ ዝንበረ ዕላማኦም።
መበል 25 ዓመት ስምምዕ ኣብ መንጎ ስሎቫክያን ቅድስቲ መንበርን
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣስዒቦም ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ስሎቫክያን ዘሎ ርክብ ምስቲ ዓንቀስ ብፁዓን ዘተምህሮ "ምትእምማን" ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣስተንተኑ።
ብፁዕነቶም ወሲኾም "ብተመሳሳሊ ኣረኣእያ ነቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ስሎቫክያን እተገብረ መብል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ውዕል ከምዚ ቢልና ከነቐምጦ ንኽእል ኢና። ካብ ዘተን ሓባራዊ ውህደትን እተወልደ ዀይኑ፣ ኣብ ኵሉ ሕልኽላኻት ዘመናዊ ህይወት፣ ንደቂ ሰባት ንምግልጋል ሓባራዊ ቘራጽነት ዜንጸባርቕ እዩ። ኣብ መንጎ መንፈሳውን ግዝያውን ስርዓት ዘሎ ግቡእ ፍልልይ ብምኽባርን ንረብሓ ሓባራዊ ሓድነት ብምትብባዕን፣ ሕልና ዚኽበረሉን ስድራ ቤታትን ማሕበረሰባትን ዚድገፉሉ፣ ከምኡውን ሃይማኖታዊ ናጽነትን ንስነ-ምግባራውን ባህላውን ህይወት ሕብረተሰብ ዚምገበሉ ቦታታት ዘዕቍብ ኢዩ" በሉ።
ኣብ እዘን ክልተ ሃገራት ዘሎ ርክብ "ሰብኣዊ ኽብሪ ክዕቀብ፣ ዘተ ክዕምብብ ከምኡውን ኣብ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ልግስን ፍትሕን እተመስረተ ተስፋ ብህድኣት ሱር ዝሰደሉን ዝዓብየሉን መድረኽ" ከም ዘምጽእ እውን ኣጕልሑ።
