ር. ሊ. ጳ. ልዮን፣ ናይ መጀመርታ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ካብ 7-8 ጥሪ ከካይዱ መዲቦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ወንጌል ሃሴትን ሚስዮናዊ ባህርይ ቤተ-ክርስትያንን፤ ሓዋርያዊ ቅዋም ስብኩ ወንጌለ፣ ተራ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ምስተ ዞባውያን ኣብያተ-ክርስትያናናት ዘለዎ ርክብን፣ ሲኖዳውነትን፣ ከምኡ ውን ሥርዓተ ሊጡርጊያ ዝብሉ ኣርእስትታት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝጸውዖ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ዘተኩረሉ ነጥብታት ክኸውን እዩ።
ኣብዘን ክልተ መዓልትታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት ኪራኸቡ እዮም—መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ኣብ ጽምብል ምዕጻው ቅዱስ ኣፍደገን፣ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ጥምቀት ላቲያውያንን፣ ትማሊ ንግሆ ዕለት 6 ጥሪ ተሳቲፎም—ሓባራዊ ምስትውዕሎት ንምምዕባልን ንቅዱስ ኣቦና ኣብ ምምሕዳር ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን ዘለዎ ሓላፍነት ኣብ ምፍጻም ደገፍን ምኽርን ንምሃብ ድማ ነዚ ጉባኤ ከካይዱ ኢዮም።
እዚ ጉባኤ ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 4 00 ኣብ ኣዳራሽ ሲኖዶስ ቫቲካን ኪኽፈት እዩ። እቲ መስርሕ ጉባኤ ድማ ብድሕሪ ዕጹው ማዕጾ እዩ ክካየድ።
ጽባሕ ዕለት 8 ጥሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ምስ እዞም ካርዲናላት መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ኢዮም። ሰዓት 9፡ 30 ቅ.ቀ. እቲ ናይ ንግሆ ክፍለግዜ ዘካየድዎ ኣኼባ ክጅምር ኢዩ፣ ክሳዕ ሰዓት 12፡45 ድሕሪ ቐትሪ ድማ እንደገና ኣብ ኣዳራሽ ሲኖዶስ ክቕጽል ኢዩ ። ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ካርዲናላትን ድሕሪ ቐትሪ ካብ ሰዓት 3፡15 ድሕሪ ቐትሪ፣ ክሳዕ ሰዓት 7፡00 ድ.ቀ. እንደገና ኺእከቡ እዮም፣ እዚ ድማ ነቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባ መዛዘሚ ክኸውን ኢዩ።
