2026.01.21 south korea seoul archdiocese world youth day symbols 2026.01.21 south korea seoul archdiocese world youth day symbols  (Committee for Communications, Archdiocese of Seoul)

ርእሰ ሰበኻታት ሰውል ኣብ ምላእ እታ ሃገር ንዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት መንፈሳዊ ንግደት ኣዊጃ

ርእሰ ሰበኻታት ከተማ ሰውል ሃገረ ደቡብ ኮርያ ኣብ ካቴድራል ሚዮንግዶንግ 15 ጥቅስታት ዝሓዘ ቅርጽታት ብምብራኽ፡ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ናይ ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ምልክታት (WYD) ብወግዒ ጀሚራ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ነፍሲ ወከፍ 15 ቅርጽታት ንሓንቲ ኻብተን ኣብ ኮርያ ዝርከባ ሰበኻታት ዘመልክት ኰይኑ፡ ስም ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2025 ናብ ኮርያ ድሕሪ ምምላሶም፡ ናይ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ሰውል 2027 ምልክታት ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝግበር መንፈሳዊ ንግደት ከም ዝጀመረ ዘመልክት እዩ።

መስቀል ናይ ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት፡ ስእሊ ናይ እግዚእትነ ማርያም  ጠበቓ ሮማውያን፡ ኣብ 2025 ከም ዓለም ለኻዊ ንግደት ኣብ ትሽዓተ ሃገራትን፡ ከምኡውን ኣብ ሮማ በጺሑ። እዚ ከኣ ኣብ ጊዜ ኢዮቤል መንእሰያት፡ ንጸሎትን ተስፋን መንእሰያት ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ተሰኪሞም ንምብጻሕ እዩ።

ሊቀ ጳጳሳት ፒተር ሶን-ታይክ ቹንግ ብዕለት 20 ጥሪ ነቲ ናይ ቡራኬ ጸሎት ኣብ ዝመርሑሉ ጊዜ፡   ንዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ምድላዋትና እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እዚ ቅርጽታት እዚ ምልክት ናይ ሓባራዊ ተልእኾን ጸጋን ኰይኑ ዝርአ መዘኻኸሪ ምዃኑ ገሊጾም።

ሊቀ ጳጳሳት ቹንግ "ስም ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ዝሓዘ ቅርጺ ንነፍሲ ወከፍ ነዚ ፍጻመ እዚ ዝሰናዶ ሰብ ብዛዕባ ጸዋዕትኦምን፡ ብዛዕባ እቲ እተቐበልዎ ጸጋን ኬዘኻኽሮም እዩ" ኢሎም።

ነቶም ምእመናን ድማ "እቲ በዓል ናይ መንእሰያት ነቶም ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ መንእሰያት ብሓጐስ ዚቕበል ምእንቲ ክኸውን" ምሉእ ብምሉእ ኪውፍዩ ተማሕጸኖም።  እቶም ነቲ ቕርጽታት ዚርእዩ ኸኣ ንወልደ እግዚአብሔር ብምምሳል ብዝያዳ ምእንቲ ኺዓብዩ ጸልዮም።

ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ስነ-ኣካባቢያዊ ሓላፍነት ዘተኰረ ምዃኑ ንከንጸባርቕ፡ እቲ ቕርጽታት ምሉእ ብምሉእ እንደገና ክዕየየሉ ዝኽእል ወረቐት ብምጥቃም፡ ኣብ ስፈ-ንህቢ ከም ሰሌዳ ዝተሰርሐ ኢዩ።

ናይ ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ሰውል 2027 ጥቅስታት ዝሓዘ ቅርስታት ኣስማት ናይተን 15 ሰበኻታት ኮርያ ዘርኢ ቅድሚ ናብ መላእ ሃገር ምዝርግሑ ዝተገብረ ምርኢት፣ ስእሊ (ኮሚቴ ህዝባዊ ርክባት ርእሰ ሰበኻታት ሰውል_
ናይ ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ሰውል 2027 ጥቅስታት ዝሓዘ ቅርስታት ኣስማት ናይተን 15 ሰበኻታት ኮርያ ዘርኢ ቅድሚ ናብ መላእ ሃገር ምዝርግሑ ዝተገብረ ምርኢት፣ ስእሊ (ኮሚቴ ህዝባዊ ርክባት ርእሰ ሰበኻታት ሰውል_   (Committee for Communications, Archdiocese of Seoul)

እቲ ንድፊ ብጁንግ-ሁን ቾ ዝስሙ ወለንተኛ መንእሰይ ዝተሰርሐ እዩ። እቲ ስፍሓት ካብ ሰበኻ ናብ ሰበኻ ቍሩብ ዚፈላለ እኳ እንተ ዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ቅርጺ 1,500 ሚሊ ሜተር ዝግፍሑን፡ 800 ሚሊ ሜተር ዝቍመቱን እዩ።

እቲ 15 ቅርጽታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ናብ ዝርከባ ሰበኻታት ክዝርጋሕ ኢዩ፣ ኣብ እዋን ንግደት ድማ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ኮርያ ከም ምልክት ሓድነትን ሕብረትን ኰይኑ ከገልግል እዩ።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ዚግበር ንግደት ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት (WYD) ናይ መስቀልን፡ ናይ እግዚእትነ ማርያም ኣይቆናን ድማ ብዕለት 21 ጥሪ ኣብ ሰበኻ ዎንጁ ኪጅምር ተመዲቡ ኣሎ። እዞም ምልክታት ኣብ ወርሒ ሰነ 2027 ናብ ርእሰ ሰበኻ ከተማ ሰውል ቅድሚ ምምላሶም፡ ናብ ኵለን 15 ሰበኻታት ክበጽሕ እዩ።

22 Jan 2026, 11:55