ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ምርኢት ናይ ልደት መዝሙር ቤተ ጸሎት ሲስቲና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ብዘይ መዝሙር ልደት የለን” ብዝብላ ቃላት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነቲ ዕለት 3 ጥሪ ምሸት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ናይቲ ጳጳሳዊ ቤተ ጸሎት መዘምራን ዘቕረብዎ ናይ ልደት ምርኢት መዝሙር ተኸታቲሎም ኣብ ምዝዛሙ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘበገሱ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ቋንቋ ሙዚቃ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኹሎም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰላምታ ብምቕራብ፡ መዘምራን ንሰማዕቲ “ንኣእምሮ ጥራይ ዘይኮነስ ንልቢ እውን ክዛረብ ብዝኽእል ቋንቋ፡ ብቋንቋ ሙዚቃን መዝሙርን ኣቢሎም” ናብ ምስጢር ልደት ዝመርሑ ብምዃኖም ኣመስጊኖም፡ ሙዚቃ፡ ኣብ በዓል ልደት ዝውሰኽ ጌጽ ዘይኮነስ፡ ብመሰረቱ ኣካል ናይቲ ኵነት ምዃኑ ገሊጾም፡ "ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም፡ ብኹሉ ቋንቋን ብሄርን፡ ፍጻሜ ቤተልሔም ብሙዚቃን መዝሙርን ይበዓል። ብኻልኦት ድራኼታት ዘይኮነስ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም መድሓኒና ምስ ወለደት ኣብ ሰማይ ዝነበሩ መላእኽቲ ‘ክብሪ ንኣምላኽ ሰላም እውን ኣብ ምድሪ’ እናበሉ ከም ዝዘመሩ ወንጌል ባዕሉ ስለ ዝነግረና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነታ ቀዳመይቲ “ናይ ልደት ናይ መዝሙር ምርኢት” ብምዝካር ናብ ምስሊ ናይቶም ንኣምላኽ እናኽበሩን እናመስገኑን ዝተመልሱ “ብቐረባ ንዝተወልደ ኢየሱስ ዝረኣዩን መሰኻኽርን” ናይታ ለይቲ እቲኣ ጓሶት ቤተልሔም እናሓሰቡ፡ “ከምኡውን ብመዝሙር፡ በቲ ኣብቲ እዋን ጓሶት ዝጥቀሙሉ ብዝነበረ ተራ ናይ ሙዚቃ መሳርሕታት ብምህራም ከም ዝዘመሩ ክግምት ድማ ደስ እበሊ። እንተኾነ ግን፡ ካልእ ሰማያዊ ሙዚቃ ዝድመጸሉ ቦታ ነይሩ - ኣዝዩ ዝያዳ ቅርበት ዘለዎ ቦታ። “ስቕ ዝበለ፡ ዝዝከር፡ ኣዝዩ ተሃዋሲ ቦታ፡ ንሱ ድማ ልቢ ማርያም እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ካብኣ ቤተ ክርስቲያን ብጽሞና ምስማዕ ትመሃር፡ በዚ ኸምዚ ድማ "ነቲ ጐይታ ንነፍሲ ወከፍና ኣብ ህይወት ሕድሪ ዝሃበና ግደ ብተኣማንነት ክንስዕቦ መታን።
እዚ ድማ ንዅሎም እቶም ጸሎቱ ክዝምሩ ዝሰምዕዎ ሰባት ብንጹር ተራእዩ ኢዩ - ቢሎም - ቅዱስነቶም ንዅሎም እቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ምስኦም ሓቢሮም ኣቡነ ዘበሰማያት ብቛንቋ ላቲን ኪዝምሩ ዓዲሞም፡ ድሕሪ ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት፡ ንመራሒ ጉጅለ መዘምራንን ሙዚቀይናታትን ቤተ ጸሎት ሲስቲና የኔታ ማርኮስ ፓቫንን ንሚሸል ማሪነሊ መምህር መዘምራን ንጹሓን ሕጻናት - ከምኡውን ንብምሉኡ ስለ እቲ ዳርጋ 1,500 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ኣብ ናይ ሮማ ጳጳስ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሕጻናት ኣብ ኣልቦ - ሰላም ኩነት በዓለ ልደት የብዕሉ ኣለዉ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ኣብቲ ዝቕረበ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ዘስምዕዎ መደረ ምስ ገለ ካብ ህጹጽ ጻውዒታት ዓለም ብምህሃድ፡ እቲ ዝቐረበ ናይ መዝሙር ምርኢት ንሓንቲ ንመከራ ዓለም እትሰምዕ፡ ገና ግን ንጽባቐ ከም ጸሎት ቦታ እትህብ ቤተ ክርስቲያን ዘንጸባርቕ እዩ ዝነበረ፡ ከምቲ ኣብ መወዳእታ መደረኦም፡ “እዚ ናይ መዝሙር ምርኢት እዚ ነቶም ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም፡ ነዚ በዓል ልደት ብዘይ መብራህቲ፡ ብዘይ መዝሙር፡ ዋላ’ውን ክብሪ ሰብ ክኽበር ኣብ ዝሓትት ሃዋሁ፡ ብዘይ ሰላም ዝሓለፉ ህጻናት ክውፈይ እደሊ” እንክብሉ ከም ዘስመሩሉን፡ “ሎሚ ምሸት ናይ ምስጋና መዝሙርና ናብ ሰማይ ልዕል ብምባል እነቕርበሉ ጎይታ፡ ኣብ ጽሞና ኣውያት እዞም ንኣሽቱ ክሰምዕ፡ ንዓለም - ብኣማላድነት ድንግል ኣደ - ፍትሕን ሰላምን ይጸግዋ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
