ድለ

2026.01.10 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት፦ ንሓቂ እምበር ንምናባዊ ምትእስሳር ኣይኮናን ዝተፈጠርና! 2026.01.10 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት፦ ንሓቂ እምበር ንምናባዊ ምትእስሳር ኣይኮናን ዝተፈጠርና!  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት፦ ንሓቂ እምበር ንምናባዊ ምትእስሳር ኣይኮናን ዝተፈጠርና!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዕለት 10 ጥሪ ምሸት ካብ ከተማ ሮማ ምስ ዝተዋጽኡ መንሰያት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ብደጋዊ ዝምድናታት ከይዓገቡ፡ እንታይ ደኣ ነቲ ምስ እግዚኣብሔርን ብጻይካን ካብ ምርኻብ ዝፍጠር ሓቅን ሰናይን ሕብረትን ክደልዩ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ መንእሰያት ሃገረ ስብከት ሮማ ኣብ ዕለት 10 ጥሪ ድሕሪ ምዝዛም ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ሒደት መዓልታት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት - ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን መምሃራንን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ምስ ዝተሰነዩ ከም እተራኸቡን፡ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣዳራሽን ካብቲ ኣዳራሽ ወጻእን ካብ ዝርከቡ መንእሰያት ድሕሪ ዝተገበረሎም ምዉቕ ኣቀባብላ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ቅዱስነቶም ቅድሚ እቲ ኣኼባ ቁሩብ ቅድሚ ምጅማሩ ካብ ጓል ሓዎም መልእኽቲ ከምዝበጽሖም ገሊጾም፡ ከመይ ጌርካ ንብዙሕ ጸገማት ዓለም ክገጥም ትኽእል? በይንኻ ኮይናንካ ይስምዓካ ዶ? ዝብል ዘቕረበትሎም ሕቶ ዝሓዘ መልእኽታ ከም ዝበጸሖም ብምዝካር ኣበጊሶም፡ እቲ መልሲ - ይብሉ - ቅዱሰንቶም እቶም ኣብ ቅድሚኦም ዝተረኽቡ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት እዩ - ንስኻትኩም መንእሰያት ኢኻትኩም እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕቡእ ጽምዋ ኣብ ምናባዊ ዓለም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ብዙሓት መንእሰያት ዜጋጥሞም ጭንቀት ዕሽሽ ከይበሉ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ብዙሓት ሰባትን ዘየቋርጽ ምንቕቓሕን እውን ከይተረፈ ዘጋጥም ጽምዋን ምድንጋርን ዜሰልኪን እዩ።

"እዚ ጨላይ ወይ ፋሕሻው ኩነታት እዚ ንሕብሪ ህይወት ኬዳኽሞ እንከሎ ኣብ መንጎ ብዙሓት ሰባት እውን እተሃለኻ ተገሊልካ ምንባር እውን ዝከኣል ምዃኑ ንርእይ . . . ጽምዋ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ጫውጫውታ ርእይቶታት ስለ ዝጠሓለ ምስ ዘይስማዕ - ሰማዒ ካብ ዘይብሉ ምስ ዘስተውዕል" ከምኡውን "ብእተኸፋፈለ ምስልታት ስለ ዝፈዝዝ ዋላ ሓንቲ ምስ ዘይርእይ" ኣብ ገጹ እዩ ዜንጸባርቖ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፈጺሙ ዘይጠፍእ መብራህቲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ጽምዋ ደቂ ሰባት ዝዛረቡ ገለ ገጣምያን ዝብልዎ እውን ጠቒሶም፣ ንኣብነት ሳልቫቶር ኳሲሞዶ፣ ብዛዕባ ሰብኣዊ ጽምዋን ዝብሎ ግን ከኣ ብመንጽር እምነት ዝትርጒሞ፡ እቲ ንልቢ ዝወግእ “ጩራ” ሓላፊ ብርሃን ከም ዘይኰነ ይዛረብ: “ከም ብሓድሽ ክዓርብ ጥራይ ዝትንስእ ብልጭ ዝብል ብርሃን ዘይኰነስ: ጸሓይ ፍትሒ ዝኾነ ክርቶስ እዩ፡ እዚ ብርሃን እዚ - ክርስቶስ ድማ “ንልብና የማሙቕ፡ ብፍቕሩ ድማ የጓሃህሮ - ይብል - ካብዚ ምስ ኢየሱስ ዝገብሮ ርክብ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሕይወት ንምቕያርን ሕብረተሰብ ንምልዋጥን ዝሕግዝ ሓይሊ ይመጽእ - ቢሎም - “ብርሃን ወንጌል ንርክባትና የብርህ”፣ ብመዓልታዊ ቃላትን ተግባራትናን እናተዘርግሐ፣ ክሳብ ፋሕሻውን ስሙ ዘይተገልጸን ዓለም  ናብ ተቐባሊ ቦታ፣ ንሰብኣውነት ናብ ዝተቐርጸ ዝኸውን እዚ ድማ እግዚኣብሔር ስለ ዝነበረሉ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ጣቕዒት ከይደለኻ ምስክርነት ምሃብ

መንእሰይ ኣብ ሰበኻታትን ኣብ ናይ ቁምስናታት ናይ መንእሰያት ናይ መራኸቢ መደባትን ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ስለ ዝነብርዎ ሓቀይና ተመክሮታት ሓጎሶም ገሊጾም እንተኾኑ ግን ጣቕዒትን ቀሊል ኣፍልጦ ከይጽበዩ ኣጠንቂቖም። “ዓለም ብኽፉት ኣእዳዋ ክትቅበለኩም ኣይትጸበዩ፡ እቲ ዝሃልኽ ነገር ክሸይጥ ዝግበር መወዓውዒ፡ ካብ ምስክርነት ንላዕሊ ኣቓልቦ ከም ዝስሕብ ኣዘኻኺሮም፡ እተቕርብዎ ምስክርነት ቅንዕና ዘለዎ ዕርክነት ንምህናጽ ዝጽዕር ክከውን ኣለዎ። ስለዚ ሕብረተሰብ ንምቕያር ቅድም ገዛኣ ርስና ክንቅይር ከምዘለና ፈሊጥና ብሓጎስን ብጽንዓትን ክንዋሳእ ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጸሎት ነቲ ቀያዲ ሰንሰለት ይሰብር

ቅዱስነቶም እቶም መንእሰያት ነቲ ዝኣስሮም “ሰንሰለት” ንምስባርን ብጭቡጥ እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ንምፍላጥ ዘለዎም ድሌት ምላሽ ክህቡ መታን፡ “ቅድሚ ዅሉ ጸሎት” መሰረታዊ ምዃኑ ገሊጾም፡ ጸሎት ዓሚቝ ክውንነትን ለውጢ ዘምጽእን ተግባር እዩ - ቢሎም - ሓደ ክርስትያን ንጽቡቕ ናይቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉን ንገዛእ ርእሶምን ንብዘላ ዓለምን ዝፍጽሞ ዝያዳ ጭቡጥ ተግባር እዩ፡ ጸሎት “ናይ ትህኪትን ትዕቢትን ዘይምግዳስን ሰንሰለት ዝሰብር ናይ ሓርነት ተግባር እዩ” ክብሉ ድማ ኣብሪሆም፡ ብፍላይ ክርስትያን ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ኣብ ወንጌልን ኣብ መንፈሳዊ መዛሙራትን ክረኽብዎ እንከለዉ፡ “ብርሃን ዓለምን ጨው ምድርን” ክኾኑ ዘኽእሎም ግን  እግዚኣብሔር እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Jan 2026, 16:52