US-ABORTION-DEMONSTRATION US-ABORTION-DEMONSTRATION  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ.፦ ጥዑይ ሕብረተሰብ ንህይወት ደቂ ሰባት የዕቍቡ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንተሳተፍቲ ናይቲ ኣብ 2026 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ሰልፊ ምእንቲ ህይወት መልእኽቲ ብምምሕልላፍ፣ መንእሰያት “ህይወት ኣብ ኩሉ መድረኻቱ ክኽበር ንምርግጋጽ ጻዕሪ ክቕጽሉ” ኣተባብዑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቶም ኣብ 2026 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዚግበር ሰልፊ ምእንቲ ህይወት ክሳተፉ ንዝመደቡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ምዉቕ ሰላምታ ብምራብ፣ ምስ ኩላቶም መንፈሳዊ ቅርበት ከም ዘለዎም ኣረጋገጹሎም።

ዜና ቫቲካን - መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ሰልፊ ምእንቲ ሕይወት 2026 ኣመሪካ

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን ነዚ "'መሰል ህይወት ምሕላው፣’ ኣድላዪ መሰረት ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ መሰላት' ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝገብርዎ ተበግሶ” ዘለዎም ልባዊ ምስጋና ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ እዚ፣ ንኣባላት ናይቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ተቐባልነት ዝረኸቡ ዲፕሎማስያውያን ኣካላት ዘቕረብዎ መደረ ብምጥቃስ ጥዑይን ብሓቂ ዕቤት ዝገብርን ሕብረተሰብ እንታይ ከም ዝመስል ዘርዚሮም ይርከቡ - ኣባኡ ድማ ጥዑይ ማሕበረሰብ "ንቕድስና ህይወት ደቂ ሰብ ዘዕቍብን ነዚ ንምድንፋዕ ድማ ብንጥፈት ዝዓዪን ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላርጥነት ዝረኸቡ ዲፕሎማሲያውያን ኣካላት ዝገበርዎ ርክብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላርጥነት ዝረኸቡ ዲፕሎማሲያውያን ኣካላት ዝገበርዎ ርክብ   (@Vatican Media)

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብፍላይ መንእሰያት "ኣብ ኵሉ ደረጃታት ሕብረተሰብ ግቡእ ጻዕርታት ክገብሩን፣ እንተላይ ምስ ሲቪላውያንን ፖለቲካውያንን መራሕቲ ብምምይያጥ" ህይወት ኣብ ኵሉ ደረጃታት ከም ዝኽበርን ንምዕቃቡን ኪዓዪ ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኽቶም፣  ንዅሎም እቶም ኣብ ክንዲ ዘይተወልዱ ናጽላታት ብሰላማዊ መንገዲ ሰልፊ ምእንቲ ህይወት ዘካይዱ ሰባት፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከሰንዮም ጸልዮም። ኣስዒቦም ድማ ቅዱስነትም "በጃኹም! ምእንታኦም ብምጥባቕ ነቲ ኣብ ነኣሽቱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንዓኡ ከተገልግሉ ዝተዋህበኩም ትእዛዝ ጐይታ ትፍጽም ከም ዘለኹም ፍለጡ" ክብሉ ውን ተላበውዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቶም ኣብ ምዝዛም፣ ንዅሎም ተሳተፍትን ኵሎም እቶም ብጸሎትን ምስክርነትን ዝድግፍዎም ሰባትን፣ ናብ ጠበቓ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንጹሕ ጽንሰታ ብሕሪ ኣወፈይዎም።

52 ዓመት ሰልፊ ምእንቲ ሕይወት

እቲ ናይ መጀመርታ ሰልፎ ምእንቲ ሕይወት ኣብ ጥሪ 1974 ዓ.ም. እዩ ተኻይዱ፣ እዚ ኸኣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ንምግባር ካብ ዝገበሮ ውሳነ፤ መበል ሓደ ዓመት ንዝካር ዝረኻየደ ኢዩ ዝንበረ። ዕላማኡ ንመሪሕነት ኮንግረስ ነቲ ዝገዝእ ዝነበረ ሮ ቪ. ዋድ ሕጋዊ መፍትሒ ንምጽዳቕን ንምስዓብን ጸቕቲ ንምፍጣር ኢዩ ዝንበረ።

ድሕሪ 50 ዓመት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ  ነቲ ሮይ ቪ ዋድ ብታሪኻዊ መዳር ንጕዳይ ዶብስ ቪ. ጃክሰን ማሕበር ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ሰረዞ። እዚ ድማ ንሃገራት ንህይወት ዘዕቁብ ሕግታት ንምውጻእ ዝያዳ ናጽነት ሂብወን እዩ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ ምእንቲ ህይወት ዝግበር ሰልፊ ኣትኵሮኡ ተቐዪሩ ይርከብ። ብመሰረት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሰንፊ ምእንቲ ሕይወት፣ "ዕላማ ሃገራዊ ሰልፊ ምእንቲ ሕይወት፣ ኣብ መንግስትን ፈደራላዊ ደረጃን ሕግታት ምቕያር ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መወዳእታኡ ንምንጻል ጥንሲ ዘይሕሰብ ንምግባር ዘተባብዕ ባህሊ ንምጽዳቕ ዝዓለመ እዩ" ይብል።

23 Jan 2026, 14:45