2025.10.30 Studenti partecipanti al Giubileo del mondo educativo 2025.10.30 Studenti partecipanti al Giubileo del mondo educativo  (@Vatican Media)

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንመዓልቲ ሕሙማን፦ ንስቓይ ካልኦት ብምክፋል ነፍቅር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መበል፣ ኣብ መበል 34 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሕሙማን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ ምእመናን ብዛዕባ ርሕራሐ ሕያዋይ ሳምራዊ ብምሕሳብን ከምኡውን ንሕና እውን ንስቓይ ካልኦት ሰባት ብምጻር ከመይ ጌርና ፍቕሪ ክንልግስ ከም እንኽእል ከስተንትኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ነቲ ኣብ ዕለት 11 ለካቲት ዝዕል ናብ 2026 ዓ.ም. ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሕሙማን ኣመልኪቶም ምእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ ኣብ መልእኽቶም ቅዱስ ኣቦና "ርሕራሐ ሳምራዊ ስቓይ ካልኦት ብምጽዋር ምፍቃር" ዝብል ኣሚቕ ኣስተንትኖ እውን የካፍሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ብዕለት 13 ጥሪ ዝኸተምዎን ትማሊ ሰሉስ ዝወጸ መልእኽቶም፣ ቅድሚ እታ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ቺክለዮ ፔሩ ብወግዒ እትኽበር መዓልቲ ሕሙማን፣ ብዛዕባ ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ ሓድሽ ኣስተንትኖ ክግበር ኣተባብዑ።

ምሉእ ትሕዝቶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ኣንብብ

እዚ ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ እዚ "ጽባቐ ግብረ ሰናይን ማሕበራዊ ስፍሓት ርሕራሐን እንደገና ንምርዳእ፣ ኵሉ ሳዕ ኣገዳሲ እዩ" ከምኡውን "ኣቓልቦና ናብ ጽጉማትን ኵሎም እቶም ዝሳቐዩ ዘለዉን፣ ብፍላይ ከኣ ሕሙማት ንኸነተኵር" ከም ዝሕግዝ እውን ገለጹ።

ኣብ ወንጌል ሉቃስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓደ ምሁር ሕጊ ነዚ ዛንታ እዚ ብምዝንታውን፣ ከፍቅሮ ዘለዎ ብጻዩ መን ምዃኑ ንዝሓተቶ ሕቶ መለሰሉ። ሓደ ኻብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብኣይ፣ ብሰረቕቲ መጥቃዕቲ ወሪድዎ ኣብ መንገዲ ወዲቑ ነበረ። ሓደ ካህንን ሓደ ሌዋውን ጐስዮምዎ ክሓልፉ ከለዉ፣ ሓደ ሳምራዊ ግና ደንገጸሉ፣ ቍስሉ ብዝናን ድማ ናብ መሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነዚ ቅዱስ መጽሓፋዊ ጥቕሲ እዚ፣ በቲ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ 2020 ዓ.ም. ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነትን ማሕበራዊ ዕርክነትን ኣብ ዝጸሓፍዎ ዓዋዲ መልእኽቲ “ኣሓው ኩልነ” (Fratelli tutti ) ብዛዕባኡ ከስተንትኑ ከም ዝመረጹ ገሊጾም።  

ኣብኡ ድማ ርሕራሐን ምሕረትን እቶም እተሸገሩ ኣብ ውልቃዊ ጻዕሪ ጥራይ ኣይሕጽርን እዩ፣ የግዳስ ብርክባት እዩ ዚፍጸም፣ ምስ እተሸገሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምስቶም ዚከናኸንዎምን ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ምስቲ ፍቕሩ ዚህበና ኣምላኽ ኣብ ዝግበር ርክብ ኢዩ ዝፍጸም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመልእኽቶም ውህበት ተሳትፎ ብምርኳር ኣብ ሰለስተ መንገዲ ከፋፊሎም ኣቕረብዎ፦ "ሓጐስ ምቅርራብን ህላወን"፣ "ሓባራዊ ተልእኾ ክንክን ሕሙማን"፤ "ምስ ገዛእ ርእስናን ምስ ብጻይናን ክንራኸብ ኵሉ ሳዕ ብፍቕሪ ኣምላኽ ይድርኸና" ብዝብሉ ኣርእስትታት እውን ኣቕረብዎ።

ሓጐስ ናይ ቅርበት ምውፋይ

ኣብቲ ምሳሌ፣ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ነቲ ዝቘሰለ ምስ ረኣዮ 'ኣይሓለፈን' በሉ። ኣብ ክንዳኡስ ብግልጽን ብጥንቃቐን ጠመቶ – ብዓይኒ ኢየሱስ ድማ ጠመቶ – እዚ ድማ ስጕምቲ ንኽወስድ ደረኾ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ፍቕሪ ዘይንቀሳቐስ ዘይኰነስ፣ ነቲ ካልእ ንምርኻብ ከም እትወጽእ እውን ኣጕልሕ። ብጻይ ምዃን ብኣካላዊ ወይ ብማሕበራዊ ምቅርራብ ዘይኰነስ ብፍቕሪ ኣብ እትገብሮ ውሳነ እዩ ዝፍጸም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዮም ክርስትያን ምእመናን ኣብነት እቲ ናብቲ ዝቘሰለ ሰብ ዝቐረበ፣ ሓቀይና መለኮታዊ ሳምራዊ ዝዀነ ክርስቶስ ብምስዓብ ነቶም ዚሳቐዩ ቀረባ ዚዀኑ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "ውህበት ምርኻብ ካብቲ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ሓድነት ዝምንጩ እዩ" ብምባል እውን ኣጕልሑ፣ "እቲ ዘለኣለማዊ ድሕነት ዘምጽኣልና ሕያዋይ ሳምራዊ ንሱ ምዃኑ ኣፍልጦ እንህበሉ መንገዲ፣ ናብቲ ዝቘሰለ ሓው ወይ ሓብቲ ክንመጣጠር ከሎና ኣብ እንገብሮ ምስክርነት ኢና" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም "ኣብቲ ኣብ መገዲ ደው ኢልና ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ድሌትን ስቓይን ኣፍልጦ ንኸይንህብ ዚዓግተና ናይ ምግዳስን ዘይምግዳስን ባህሊ" ከም እንነብር ዘለና ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃቡሉ፣ ኣብዚ ሃታሃታ ዝመልኦ ዅነታት ጥራይ ኢና ንኻልኦት ብምሕጋዝ ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል ክብሉ ኣረጋገጹ።

ንሕሙማት ንምክንኻን ዘሎና ሓባራዊ ተልእኾ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ርሕራሐ ስጕምቲ ንኽንወስድ ዜገድደና ዓሚቝ ስምዒት ከም ዝዀነ ብምግላጽ፣ "ካብ ውሽጢ ዝምንጭን ንስቓይ ካልእ ሰብ ብቈራጽነት ምላሽ ዚህብን" ከም ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።

"ኣብ ፔሩ ወንጌላዊ ልኡኽን ጳጳስን ኰይነ ኣብ ዘሕለፍክዎ ተመክሮ፣ ብዙሓት ብመንፈስ ሕያዋይ ሳምራዊን እቲ ሓላው መሕደር ኣጋይሽን ምሕረትን ዝገብርዎ ርሕራሐ ዝመስከሩ ብዙሓት ሰባት ርእየ እየ" በሉ።  ነቶም እተሸገሩ ድማ ሓገዞምን ርሕራሔኦምን ኣካፈልዎም።

"ነቲ ዘለዎም ብምክፋል ንማሕበራዊ ስፍሓት ርሕራሔ ይምስክሩ፣ እዚ ተመክሮ እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ርክባት ዚፍጸም ተመክሮ ኮይኑ፣ ካብ ውልቃዊ ተጸምዶ ንላዕሊ እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ ማዕዳን “ኣነ ኣፍቀርኩነ” (Dilexi Te)፣ ንሕሙማት ምክንኻን ከም "ኣገዳሲ ኽፍሊ" ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ጥራይ ዘይኰነስ ከም ሓቀኛ "ናይ ቤተ-ክርስትያን ተግባር" ገይሮም ኸም ዝጠቐስዎ ገሊጾም።

ኣብ ርእሲ እዚውን ቅዱስ ኣቦና "እዚ ስፍሓት እዚ ብኸመይ ንጥዕና ሕብረተሰብ ከም መለክዒ ዀይኑ የገልግል" ክብሉ ንቅዱስ ሳይፕሪያን ጠቒሶም ኸም ዝነበሩ እውን ዘኪሮም።

"ኣብቲ ሓደ፣ ኣባኡ ሓደ ምዃን" ማለት ኣባላት ሓደ ኣካል ምዃንና ኣፍልጦ ምሃብ ማለትን፣ ንመከራ ዅሎም ሰባት ምሕረት ኣምላኽ ዜምጽእ፣ ነፍሲ ወከፎና ከከም ኩነታትና ዘሎና ጸዋዕታ ዘመልክት ኢዩ።

ምስ ገዛእ ርእስናን ብጻይናን ክንራኸብ፣ ብፍቕሪ ኣምላኽ ይድርኸና

"ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ። ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር" (ሉቃ 10፡27) ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ቀዳምነት ከም ዝወሃባን፣ ኣብ ኵሉ መዳያት ሰብኣዊ ፍቕርን ርክባትን ቀጥታዊ ሳዕቤናት ከም ዝለዋን ድማ ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና ክብሉ ውን መስከሩ። 

"ንብጻይና ምፍቃር ንሓቅነት እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ጭቡጥ መርትዖ እያ" ውን በሉ፣ ወሲኾም ድማ፣ "ንብጻይካ ምግልጋል ንኣምላኽ ብግብሪ ምፍቃር ማለት እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብዚ መዳይ እዚ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ዝበልዎ ቃላት ብምዝካር፣ " ሰብ ከም መንፈሳዊ ፍጡር መጠን፣ ኣብ መንጎ ሰባት ብዘለዎ ርክባት እዩ ዝግለጽ" ከምኡውን "ሰብ ዘለዎ ክቡር ዋጋ ብተነጽሎ ዘኮነስ ዜረጋግጽ፣  ንገዛእ ርእሱ ምስ ካልኦትን ምስ ኣምላኽን ብምትሕብባር እዩ" ቢሎም ከም ዘስተምሃሩ ኣስተንተኑ።

ምእንቲ መንፈሳውነት 'ሕያዋይ ሳምራዊ' ንጸሊ

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም "እቲ ሓቀይና ፈውሲ ቝስሊ ደቂ ሰባት፣ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽን ሕውነታዊ ፍቕሪን እተመስረተ ኣነባብራ እዩ" ብምባል ኣትሪሮም መስከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ምእመናን ምስ ቅዱስነቶም ሓቢሮም ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም እታ ጥዕና ሕሙማን ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ንዅሎም ዝሳቐዩን ዘድልዮምን ርሕራሐን ምጽንናዕን ምስማዕን ዝብህጉ ንምሕጋዝ፣ ነዚ ዝስዕብ ጥንታዊ ጸሎት ብተደጋጋሚ ኣብ ስድራቤታትን ነቶም ምስ ሕማምን ስቓይን ዝነብሩ ሰባትን ክጽለ ይዕድሙ።

"ኦ ጥዕምቲ ኣደይ ካባይ ኣይትፍለይ።
ኣዒንትኺ ኻባይ ኣይትምለሲ።
ኵሉ ሳዕ ምሳይ ተጕዓዚ፣
በይነይ እውን ኣይትሕደገኒ።
ከም ሓቀይና ኣደ መጠን፣ ከምታ ኩሉ ሳእ እትሕልወኒ፣
ቡራኬ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኣማልድለይ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዅሎም ሕሙማንን ንስድራ ቤቶምን፣ ነቶም ዚከናኸንዎምን ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣገልገልቲ ሓዋርያዊ ጕስነትን ከምኡውን ንዅሎም እቶም ኣብዚ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሕሙማን ዚሳተፉ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምክፋል መልእኽቶም ደምደሙ።

21 Jan 2026, 12:26