ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ሓባር ረብሓ ንምህናጽ ዘኽእል ናይ ዘተ ቦታ ክኸውን ኣለዎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ምስ ኣንበብቲ ዘየቋርጽ ርክብ፣ ሓርነት ከም መዐቀኒ ናይ ሓምሳ ዓመት ታሪኽ ኢጣልያ ዓለምን ቤተ-ክርስትያንን ንምዝካር ምይይጥ ሰላም ንምህናጽ ፍሉይ ዕድል ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ እዋን እዚ ዚኽበር ዘሎ መበል 50 ዓመት ምስረታ ላ ረፑብሊካ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ምኽንያት ዕለት 15 ጥሪ ናብቲ ናይቲ ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ማሪዮ ኦርፊዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምዝኽኻር፡ እቲ ብኤውጀኒዮ ስካልፋሪ እተመሰረተ ላ ረፑብሊካ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ዕለት 14 ጥሪ 1976 ናይ መጀመርታ ሕታሙ ከም ዝዘርገሐን፣ እቲ ጋዜጣ ክሳብ 1996 ዓ.ም. ድማ ስካልፋሪ ብዋና ኣሰናዳእነት ከም ዝመረሖን ክሳብ ዕለተ ሞቱ ድማ ኣዳላዊ ዓምዲ ዀይኑ ከም ዘገልገለ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ፍሉይ ዕድል ትዕዝብቲ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ንፍርቂ ዘመን ታሪኽ ዝሸፈኑ ጋዜጠይናታት ዕለታዊ ጋዜጣ ላ ረፕቡሊካ ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾም፣ "እቲ ምስ ኣንበብትኹም ዘራኽበኩም እናማዕበለ ዝኸይድ ዝምድና ክሳብ ኣብዚ ኣብጺሕኩም፥
እቲ ናትኩም ጋዜጣ ዋና መንበሩ ኣብ ሮማ ሃገረ ስብከት ር.ሊ.ጳ. ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ሱር ዘለዎ ንጉዳይ ኢጣልያን ዓለምን ንትዕዝብቲ ፍሉይ ዕድል ድማ እዩ። ገጻት ናይ ሓምሳ ዓመት ብናጽነት ዘንበብኩም ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዘዘንተኹም!
ናይ ሕትመት ናጽነት
ናጽነት፣ ዛንታ ምቕራብ ከምኡውን ብዛዕባ ዓለም ዘሎ ኣረኣእያ ሕመረት ናይ ሕትመት ናጽነት እዩ ዜመልክት "እዚ ድማ እተፈላለየ ኣረኣእያታትን ባህላዊ ኣረኣእያታት እኳ እንተ ሃለወ ወትሩ ብግልጽነትን ብፍትሓውን መገዲ ኺዓዪ ኣለዎ።"
ከምኡ’ውን ምንጽጻር ተጻባኢ ኣብ ዘይኮነሉ እዋን ንሓባራዊ ረብሓን ሓድነት ዘርኢ ሰብን ኣበርክቶ ዝገብር ናይ ዘተ ዕድል ምቕራብ። በዚ ድማ ዘተ ግርጭት ሰጊሩ ሰላም ይሃንጽ! ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብ ዘተ ዘተመርኮሰን ናጻን ርክብ
“ሓቂ ካብ ምድላይ ዝተደፋፍአን ብዘይ ጽልእን ወትሩ ነጻን ዘተን ርክብ ክትሃንጹ ተስፋ እገብር” “ርሑስ መበል ሓምሳ ዓመት!” ድማ ይግበረልኩም እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍጻመታት
ንመበል ሓምሳ ዓመት ዝኽሪ እታ ጋዜጣ ንምጽንባል፡ ክሳብ ኦለት 15 መጋቢት ዝቕጽል ካብ ዕለት 15 ጥሪ ጀሚሩ፡ “ላ ሪፓብሊካ፡ ዛንታ መጻኢ" ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ምዕባለ ናይቲ ጋዜጣ ዝሕብር ኣሳእልን ናይ ምስማዐ ርእየት፡ ዓበይቲ ታሪኻዊ ህሞታት ዘዘንትዉ ገጻት፡ ቃለ መሕትታትን ዘጠቓልል ምርኢት ብወግዒ ከም እተኸፈተ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
