ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፦ መንእሰያት ንጠለባት ዓለም ቀጻሊ ኣማለድቲ ኵኑ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 30 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንመሪሕነትን ኣባላትን ዓለማዊ መርበብ ጸሎት ንናይ ር.ሊ.ጳ. ተቐቢሎም ኣብ ስለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ “ብፍላይ ንመንእሰያት ክሳተፉ ምዕዳም ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ተላብዮም፡ ስለ ኣገልግሎቶም ብምምስጋን፡ መንእሰይ ወለዶ ናብ እግዚኣብሔር ክቐርብ መታን ንመንእሰያት ክስሕቡ ብምትብባዕ፡ ብዙሓት መንእሰያት “ምስቲ ካብ ሞት ዝተንስአ ኢየሱስ ዝያዳ ዓሚቝን ውልቃውን ዝምድና ዝደልዩ ብምዃኖም፡ እቲ ምንቅስቓስ ቅዱስ ቁርባን መንእሰያት ብፍላይ ምስ ጐይታና ብዝዓሞቐ ቅርበት ንኽዓብዩ ዝሕግዞም ፍረ ዘለዎ መንገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ እቶም ተሳተፍቲ "ኣብዚ ዝተፈላለዩ ባህልታት፡ ቋንቋታትን ህያባት መንፈስ ቅዱስን ኣብቲ ናይ ሓባር ተልእኾ ዘወሃህድ መርበብ ዝያዳ ተሳትፎ ከዕብዩ" ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓለማዊ መርበብ ንናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸሎት ንማሕበር ኢየሱሱሳውያን ብሓላፍነት ዝተዋህቦ ጳጳሳዊ ተግባር ኮይኑ፡ እቲ መርበብ ወርሓዊ ነቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ጸሎት ሓሳብ ይዝርግሕ፣ እዚ ድማ ንደቂ ሰባትን ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ዘጋጥሞም ብድሆታት ዘተኮረ እዩ። እቲ መርበብ ኣብ መንፈሳውነት ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ብፍላይ ድማ ብመገዲ ቀጻሊ ህንጸት ኣብ “ፍኖት ልቢ” ዝተሰረተ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሓቂ እዚ መንፈሳውነት እዚ ነቲ መርበብን ኣባላቱን “ንጐይታና ብዝያዳ ብቐረባ ክፈልጥዎን ዝያዳ ርህሩሃትን ቦቕባቓትን ክኾኑን ንዝተጸገሙ ብጸሎት ደገፍ ዘቕርቡ” ክኾኑ ከም ዘኽእሎም ኣጉሊሖም፣ “ብሓዋርያነትኩም ኣቢልኩም ነቶም ዝተጠመቑ ኣዕሩኽን ሃዋርያት ክርስቶስ ምዃኖም ንኽርድኡ ክትሕግዝዎም ተስፋይ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጸሎት ዘይነጻጸል ኣካል ቤተ ክርስቲያን እዩ
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም እቶም ኣብቲ ርክብ ንዝተሳተፉ፡ “ነቶም ኣብዚ ዓለምለኻዊ መርበብ ሓበሬታ ዘለዉ ዓሰርተታት ሚልዮናት ሰባት ናይ ተኽታሊ ቅድስ ጴጥሮስ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከቕርቡን ከስፍሑን” ዝገበርዎ “ጻዕሪ” ኣመስጊኖም፡ “ከምዚ ዝበለ ጸሎት ካብ ወንጌላዊ ስራሕ ኣካል ክርስቶስ ግዳማዊ ዘይኮነስ ዘይነጻጸል ናቱ ኣካል እዩ” ብምባል፡ ብፍላይ ድማ ንኣህጉራዊ ሓላፊ ናይቲ መርበብ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ክሪስቶባል ፎነስ ከምኡ’ውን ምኽትሎም ቤቲና ራድን ኣባ ሚግኤል ሜሎን ከምኡ’ውን ንኹሎም ነዚ ተልእኾ ዝድግፉ ኣባላትን መሻርኽትን ብምምስጋን መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
