ር. ሊ. ጳ.፣ ምእንቲ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን፣ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃን ጋጠመ ባሕርያዊ ሓደጋ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ትማሊ ሰንብት ዕለት 18 ጥሪ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ሰምታን ምሕጽንታን፣ ናብቲ ኣብ ምብራቓዊ ኽፋል ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከብ ማሕበረሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ስቓይ ብምዝካር፣ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ይቕጽል ከም ዘሎ ገለጹ። እቲ ቐጻሊ ዓመጻ ማእለያ ዘይብሎም ስድራ ቤታት ካብ ኣባይቶም ኪሃድሙን ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብሎምን ኣመልኪቶም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ስእነት ሰላምን ዕጥቃዊ ግጭትን፣ ንብዙሓት ሰባት ካብ ዶባት እታ ሃገር ወጺኦም ብፍላይ ከኣ ኣብ ጐረባቢቲ ሃገረራት ከም ቡሩንዲን ካልኦትን ዑቝባ ክደልዩ ከም እተገደዱ ገለጹ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ "ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ዝርርብ ወትሩ ክግበረን ናብ ዕርቅን ሰላምን መገዲ ክኸፍት ንጸሊ" በሉ።
ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ስቓይ ብዓመጽ ጥራይ ዘይኰነስ ብሰንኪ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጽንኩር ኵነታት ኣየር እውን እዩ ዝጋደድ ዘሎ ክብሉ ውን ኣመልከቱ። ዝሓለፈ ሰኑይ ምሸት ኣብ ምብራቓዊ ኽፋል እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ብርቱዕ ዝናም ድሕሪ ምዝናሙ እንተ ወሓደ 18 ሰባት ሞይቶም ይርከቡ ኣለዉ፣ እዚ ድማ ነቲ ድሮ ተነቃፊ ዝነበረ ሰብኣዊ ዅነታት ኣጋዲድዎ ይርከብ።
እቶም ካብቲ ኲናት ዝሃደሙ ሰባት ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዅነታት እዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ኣብ ሓያሎ መዓስከራት ስደተኛታት ቀረብ ምግብን ጽሩይ ማይን ሕክምናዊ ክንክንን ኣዝዩ ድሩት እኳ እንተ ዀነ፣ ናይ ሕማም ሓደጋታት እውን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ከም ሸሮኽ ዝኣመሰሉ ሕማማት ኣብቶም ድሮ ብጥሜትን ድኻምን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምግዓዝን ዝደኸሙ ሰባት ክላባዕ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ጽንኩር ኵነታት ኣየር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ሓሳቦቶም ናብቲ ኣብ ቀረባ መዓልትታት ብምኽንያት ብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ሕይወቶም ዝሰኣኑሉ ባሕርያዊ ሓደጋ ደቡባዊ ኣፍሪቃ እውን ምልስ ብምባል ቃል ምሕጽንታ ኣካፈሉ። ብምሉኡ እቲ ማሕበረሰብ ብምዕልቕላቕ ማይ ተዋሒጡ፣ ኣባይቲ ዓንዩ ኣድላዪ ህንጻታት ድማ ከቢድ ጕድኣት ወሪድዎም ይርከብ ኣሎ። ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሞዛምቢክን ዚምባብወን ካብተን ብብዝሒ እተጐድኣ ሃገራት እየን።
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብቲ ከባቢታት ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዘለዎም ቅርበት ብምግላጽ፣ ቤተ-ክርስትያን ምስኦም ከም ዘላ ኣረጋገጹሎም፣ ምእንቲ ዅሎም እቶም እተጐድኡን - ዝሞቱን ተመዛበልትን ከምኡውን ምእንቲ እቶም ኣብ ናይ ህይወት ምድሓን ጻዕርታት ዘገልግሉ ዘለዉ ሰባትን ጸልዮም።
