ር. ሊ. ጳ.፦ ምእንቲ ምሉእ ሓድነት ክርስትና ኣበርቲዕና ንጸሊ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ደድሕሪ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ትማሊ ሰንበት ዕለት 18 ጥሪ ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ንመበቈል እቲ ካብ ክልተ ዘመን ይገብር ክካየድ ዝጸንሐን፣ ትማሊ ሰንበት ዝጀመረ ሰምንቲ ጸሎት ምሕንቲ ሓድነት ዘኪሮም። እዚ ተበግሶ እዚ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 13 "ኣጸቢቑ ተተባቢዑ" ከም ዝነበረን፣ ልክዕ ሚእቲ ዓመት ይገብር ንመጀመርታ ግዜ፣ በቲ ንሓድነት ክርስትና ዝግበር ሳምንቲ ጸሎት ዝቐረበ ሓሳባት ከም ዝሃብተመ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍረ ነገር ናይዚ ዓመት እዚ ሳምንቲ ጸሎት፣ ካብቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፎ መልእኽቲ እተወስደ ምዃኑ እውን ዘኪሮም፣ "ከምቲ ናብ ሓንቲ ተስፋ እተጸዋዕኩም፣ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን ኣሎ" (ኤፌ 4፡4) ዝብል ድማ ኢዪ። እቲ ነዚ ሰሙን እዚ ዝኸውን ጸሎታትን ኣስተንትኖታትን በቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሓድነት ክርስትና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትን፣ በቲ ምስ ናይ ኣርመንያ ሓዋርያዊት ቤተ-ክርስትያን ብምትሕብባር እተዳለወ ኢቁመናዊ ጕጅለን ከም እተዳለወ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ፣ "ስለዚ ኩሎም ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብዘን መዓልትታት እዚኣተን፣ ምሉእን ዝርአን ሓድነት ኵሎም ክርስትያን ንኽብጻሕ ጸሎቶም ከጽዕቑ እዕድሞም ኣለኹ" በሉ።
ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም እዚ ጻውዒት ንሓድነት ኣብ ብምሉኡ እቲ ዝመጽዕ ሰንበት ዕለት 25 ጥሪ ዝዛዘም ሳምትንቲ ጸሎት ብዝግበር ኣስተንትኖ ከም ዘሰንይዎም እውን ገለጸ። ከምቲ ልሙድ ኣብ ክብረ በዓል ጸዋዕታ ቅዱስ ጳውሎስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ልክዕ ሰዓት 5፡30 ድሕሪ ቐትሪ፣ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ስግር መናድቕ ሮማ ኣብ ዝካየድ ጽሎተ ዘሰርክ ተረኺቦም ክመርሑ ኢዮም።
