ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ግዜ ዓቢይ ጾም ኣብ ሮማ ንዝርከባ ሓሙሽተ ሰበኻታት ክበጽሑ እዮም ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ግዜ ዓቢይ ጾም ኣብ ሮማ ንዝርከባ ሓሙሽተ ሰበኻታት ክበጽሑ እዮም  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ግዜ ዓቢይ ጾም ኣብ ሮማ ንዝርከባ ሓሙሽተ ሰበኻታት ክበጽሑ እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ኣብ ሓሙሽተ ቍምስናታት መንበሮም ርእሰ ሰበኻታት ሮማ ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ኣባላት ቁምስናታት ክራኸቡን መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ከዕርጉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ዕለት 18 ለካቲት ረቡዕ ጸም ኣርብዓ ናይ መበገሲ ሊጡርጊያ፡ ሓሙስ ዕለት 19 ለካቲት ምስ ካህናት ሃገረ ስብከት ሮማ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ክራኸቡ ምዃኖም ሓዋርያዊ መስተናብር ሮማ ዕለት 23 ጥሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ፡ በዚ ከምዚ ድማ ኣብ ናይ ርእሰ ሰበኻታት ሮማ ካብ ዝርከባ ቁምስናታት ኣብ ሓሙሽተ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ባልዶ ረይና ሓዋርያዊ መስተናብር ርእሰ ሰበኻታት ሮማ፥ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሰበኻታት ሮማ ክራኸቡ እዮም፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘገልግሉን መንእሰያትን ኣባላት ቁምስናን ከም ዝኾኑን፡ ብድሕሪ እዚ ቅዱስነቶም ኣብተን ምብጻሕ ዘካይዱለን ቁምስናታት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እውን ምዃኖም ገሊጾም፡ እተን ቁምስናታት ድማ፡ ቅድስቲ ማርያም ንግስተ ሰላም ኣብ ኦስቲያ (ዞባ ደቡብ ከተማ ሮማ) ዕለት 15 ለካቲት፤ ቁምስና ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ኣብ ማእከላይ ዞባ ከተማ ሮማ ዕለት 22 ለካቲት፤ ቁምስና ዕርገት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ከተማ ሮማ ዕለት 1 መጋቢት፤ ቅምስና እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዞባ ምዕራብ ከተማ ሮማ ዕለት 8 መጋቢት፤ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ቁምስና ቅድስ ልቢ ኢየሱስ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ከተማ ሮማ ዕለት 15 መጋቢት ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

“ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ጳጳስ ርእሰ ሰበኻታት ሮማ - ኣብ ሰበኻኦም ዘካይድዎ ሓውጸተ ኖልዎ ኣሰር ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ብምስዓብ እዩ” እንክብሉ ካርዲናል ረይና ገሊጾም፡ “እዚ ንኹላትና ዓቢ ሓጎስ ዝፈጥርን ምስ ጳጳስና ሓቢርና ናይ ሓዋርያዊ ጉስነት መደብና ከነማዕብል ዕድል ዝፈጥርን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 Jan 2026, 16:09