ድለ

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ጸሎት ክርስትያዊ ሓድነ፦ ንሕና ኩልና ሓደ ኢና፣ ነዚ ድማ ርኡይ ንግበሮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ልዮን መበል 14፣ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ክርስትያናዊ ሓድነት፣ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ስግር መናድቕ ሮማ ኣብ ዘካየድዎ ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት፣ ንክርስትያን ምእመናን ንወንጌል ናብ ኵሉ ናይ ምብጻሕ ዘለዎም ሓባራዊ ተልእኾኦም ክቕጽሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ምስ ተወከልቲ እተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ዘካየድዎ ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት፣ ክርስትና ሓደ ዓይነት እምነት ከም ዘለዎ ኣጕሊሖም፣ ትማሊ ሰንበት ዕለት 25 ጥሪ 2026 ኣብ መደምደምታ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ክርስትያናዊ ሓድነት፣ ወንጌል ኣብ መላእ ዓለም ናይ ምስባኽ ተልእኾ ብሓባር ክቕጽሉ እውን ኣተባብዕዎም

"ንሕና ኩልና ሓደ ኢና!  ድሮ ውን ሓደ ኮይና ኣሎና!  ነዚ ኣፍልጦ ንሃበሉ፣ ንለማመዶ፣ ርኡይ እውን ንግበሮ!" ክብሉ ኣብ ስብከቶም ኣብ መዛዘሚ መደብ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ኣብ ዝተኸብረሉ እዋን፣ ኣብ በዓለ ጸዋዕታ  ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዝለግስዎ ኣስተንትኖ ተላብዮም።

እዚ ዓመታዊ በዓል እዚ ንክርስትያን ምእመናን ንተልእኾ ወንጌል ንምኻድ ዘለዎም ቈራጽነት ከም ዜዘኻኽሮም እውን ኣመልከቱ፣ "እቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ምክፍፋል ንብርሃን ክርስቶስ ንኸይበርህ እኳ እንተ ዘይዓግቶ ነቲ ንዓለም እነርእዮ ገጽ ግን ከም ዜንጸባርቕ ይገብሮ" በሉ።

እቲ መደብ ጸሎት ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮሜ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ስግር መናዳቕ ሮማ ኣብ ዝርከብ እዩ ተኻይዱ። ቅነ ጸሎት ክርስትያናዊ ሓድነት፣ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ኽቢ ዓመታዊ ካብ ዕለት 18 ክሳዕ 25 ጥሪ ኢዩ ዝካየድ።

ብዙሓት ተወከልቲ እተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያን እንተላይ ሜትሮፖሊሳዊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖሊካርፖስ ንኢቁመናዊ ፓትርያርክ ቍስጥንጥያ ወኪሎም፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ካጃግ ባርሳሚያን ካብ ሃዋርያዊት ቤተ-ክርስትያን ኣርመንያ ከምኡውን ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒ ቦል ናይ ኣንግሊካውያን ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን ተረኺቦም ንበሩ። ብተወሳኺውን ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮች ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሕብረት ኣብያተ ክርስትያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምስ ካልኦት ኢዉመናውያን ጕጅለታትን ናብቲ መደብ ጸሎት ንግደት ኣካየዱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኢቁመናዊ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኢቁመናዊ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትና   (@VATICAN MEDIA)

ቅዱስ ጳውሎስ፣ ኣብነት ኵሎም ክርስትያን ኣብ ተልእኾኦም ኢዩ

ኣብ ፍረ ነገር ናይዚ ዓመት ቅነ ጸሎት ክኸውን እተመርጸ መልእኽቲ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን "ሓደ ኣካል ሓደ መንፈስ ሓደ ተስፋ ሓደ ጐይታ ሓንቲ እምነት ሓደ ጥምቀት ሓደ ኣምላኽ" ዝብል ሓረጋር ደጋጊሙ ክምስክር ንሰምዖ ኢና" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ኣስተንቲኖም።

"ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን እዚ ብኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ እተጽሕፈ ቓላት እዚ፣ ብዕምቈት ክትንክፈና ዘይከኣለ ብኸመይ እዩ?  ክንሰምዖ ኸለና ልብና ኣብ ብውሽጢ ብኸመይ ክነደና ዘይክእል?" ክብሉ ውን ሓተቱ፣ ኣብ ኣምላኽን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ዓይነት እምነት ከም ዘሎና ድማ ኣጕልሕ።

ቅዱስ ጳውሎስ ካብ መሳደዲ ቤተ-ክርስትያን ናብ ሓደ "ብቅንኣተ ፍቕሪ" ንኢየሱስ ዝሰብኸ ሰብ ከም እተለወጠ ድማ ኣብነቱ ጠቒሶም። እቶም ተሳተፍቲ እቲ መደብ ጸሎት ዘሰርክ፣ ኣብ ቅድሚ መቓብር እዚ ሓዋርያ እዚ ክርከቡ ኸለዉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ተልእኾኡ ምስ ናይ ኵሎም ንክርስቲያናዊ ሓድነት ዝጽዕሩ ሰባት ሓደ ዓይነት ምዃኑን ከም መዘኻኸሪ ዀይኑ ኸም ዘገልግልን ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝወጸ ቅዋም፣ ብርሃን ኣሕዛብ (Lumen Gentium) ጠቒሶም፣ ኣብኡ ድማ ቤተ-ክርስትያን "ወንጌል ንዅሎም ፍጥረት ክትሰብኽ ዘለዋ ሓያል ባህጊ ኣመልኪቶም" በዚ ኸምዚ ድማ "ነቲ ኣብ ገጽ ቤተ-ክርስትያን ዜንጸባርቕ ብርሃን ክርስቶስ ንዅሎም ደቂ ሰብ ከተብጽሓሎም" ተጸዊዓ ኣላ በሉ።

"እዚ ሓባራዊ ተልእኾ ኩሎም ክርስትያን ኮይኑ፣ ንዓለም ብትሕትናን ብሓጐስን ዝፍጽምዎ ኢዩ፣ ስለዚ 'ናብ ክርስቶስ ንጠምት!  ናብኡ ውን ንቅረብ!  ነቲ ዜብርህን ዜጸናንዕን ቃሉ ድማ ሃንጐፋይ ኢልና ንቀበሎ!” ክብሉ ውን ተላበዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኢቁመናዊ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኢቁመናዊ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትና   (@VATICAN MEDIA)

ዝኽሪ ኒቅያን ኣገዳስነት ሲኖዳውነትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2025፣ መበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ ንምኽባር ምስ ካልኦት መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ኢዝኒክ ቱርኪ ሓቢሮም ዘካየድዎ ኢቁመናዊ ጸሎት ዘኪሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም "ንናይ ኒቅያ እምነት ኣብቲ እተኻየደሉ ቦታ ብሓባር ምዝካር ዓሚቝን ዘይርሳዕን ምስክርነት ናይቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ሓድነት እዩ" በሉ።

"ነቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን እምነት ብሓደ ድምጺ ምእንቲ ኽንሰብኽ ከስ መንፈስ ቅዱስ ሎሚ እውን ልኡማት ኣእምሮ ይገብረና ኣሎ” በሉ።

ወሲኾም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ብዛዕባ መበል 2000 ዓመት ሕማምን ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ፣ ኣብ ዓመተ 2033 ክኽበር ምዃኑ እውን ጠቒሶም። ነዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ተወከልቲ እተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያን፣ "ንኢቁመናዊ ሲኖዶዊ ልምድታት ብዝያዳ ንምምዕባልን መንነትና እንታይ ከም እንገብርን እንታይ ከም እንምህርን ንሓድሕድና ንምክፋልን” ቈራጽነት ክገብሩ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብምጥቃስ ድማ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሲኖዶዊ ጕዕዞ ብኸመይ ኢኩመናዊ ምዃኑን ብኣንጻሩን ገሊጾም ኣብ 2023ን 2024ን ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤታት ሲኖዶስ  ብዙሓት ሕውነታውያን ተወከልቲ ኣብያተ ክርስቲያን እተሳተፉ ድማ ኣዘኻኺሮም።

"እዚ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስና መዋቕርን ልምድታትናን ሓባራዊ ፍልጠት ብሓባር ክንዓቢ መገዲ ዝጸርግ ኢዩ ኢለ ኢየ ዝኣምን" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣትሪሮም መስከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኢቁመናዊ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኢቁመናዊ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትና   (@VATICAN MEDIA)

ምስክርነት ህዝቢ ኣርመንያ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ዓመት እዚ ንቅነ ጸሎት ምእትንቲ ክርስትያናዊ ሓድነት ብኸመይ ከም እተዳለወን ብሓዋርያዊት ቤተ-ክርስትያን ኣርመንያ ምስ ኣብያተ-ክርስትያን እታ ሃገርን ብኸመይ ከም እተዳለወ ጠቒሶም።

"ነቲ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ህዝቢ ኣርመንያ ዝሃብዎ ትብዓት ዝመልኦ ክርስትያናዊ ምስክርነት ብዓሚቝ ሞሳ ኢና እንዝክሮ፣ ሰማእትነት ቀጻሊ መለለዪ ዝዀነሉ ታሪኽ ኢዩ" ድማ በሉ።

ነቲ ኣብ መበል 12 ዘመን ንሓድነት ቤተ-ክርስትያን ዝዓየየን ኣብ ኢኩመኒካዊ ተጸምዶ ድማ ካብ ግዜኡ ሓለፍ ዝበለ ቅዱስ ካቶሊኮስ "ቅዱስ ኔርሴስ ሽኖርሃሊ" ዝግበሮ ናይ ጸጋ ምስክርነት ድማ ኣጕልሕ።

"ከምቲ እቶም ቅድመይ ዝንበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝዘክሮ ቅዱስ ኔርሴስ ኣብ ኢቁመናዊ ጕዕዞና ክንሕዞ ዘሎና ኣተሓሳስባ እውን ይምህረና - 'ክርስትያናዊ ሓድነት ንስትራተጅያዊ ረብሓ ወይ ፖለቲካዊ ረብሓ ዘይኰነስ ወንጌል ንምስባኽ ኣድላዪ ምዃኑ ዓሚቝ ውሽጣዊ እምነት ክህልዎም ኣለዎ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ስብከቶም ኣብ ምዝዛም "ንጉስ ቲሪዳተስ ብ301 ብቅዱስ ግሪጎሪ እቲ ብርሃናዊ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝንበረ ምስ ተጠምቀ" ኣርመንያ ናይ መጀመርታ ክርስትያናዊት ሃገር ከም ዝዀነት ብምጕላሕ፣ "ነቶም ኣብ መላእ ምብራቕን ምዕራባውን ኣውሮጳ እምነት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘስፋሕፍሑ ተባዓት ሰበኽቲ ወንጌል ናይ ምድሓን ቃል ዘኪሮም" ኣመስገኑ።

"ዘርኢ ወንጌል ኣብዛ ኣህጉር እዚኣ ብሓድነትን ፍትሕን ቅድስናን ንረብሓ ህዝብታትን ብሄራትን መላእ ዓለም ሰላም ክፈሪ ንጸሊ" ብምባል እውን ስብከቶም ዛዘሙ።

26 Jan 2026, 17:39