ድለ

2026.01.26 ሓላፊ ትካል ስደተይናታት ሕ. ሃ.፡ ቤተክርስትያን ኣብ ምእላይ ስደተይናታት ኣገዳሲት መሻርኽቲ እያ 2026.01.26 ሓላፊ ትካል ስደተይናታት ሕ. ሃ.፡ ቤተክርስትያን ኣብ ምእላይ ስደተይናታት ኣገዳሲት መሻርኽቲ እያ  (@Vatican Media)

ሓላፊ ትካል ስደተይናታት ሕ. ሃ.፡ ቤተክርስትያን ኣብ ምእላይ ስደተይናታት ኣገዳሲት መሻርኽቲ እያ

ሓላፊ ላዕለዋይ ሽማግለ ጉዳያት ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት ባርሃም ሳሊሕ ብዛዕባ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝገበሮ ርክብን እቲ ትካል ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ስደተይናታት ኣብ ምሕጋዝ ዘጋጥሞ ብድሆታትን ንዜና ቫቲካን ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ትካል ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት - UNHCR ክሳብ መፋርቕ 2025፡ ብደረጃ ዓለም 117.3 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ግጭት፡ ዓመጽ፡ ኣድልዎ ወይ ካልእ ኣሉታዊ ፍጻመታት ካብ ቤቶም ክመዛበሉ ከምዝተገደዱን ካብዚኦም ድማ ኣስታት 42.5 ሚልዮን ስደተይናታት ከምዝኾኑ ዘረጋግጽ ጸብጻብ ተወኪሱ እንክሕብር፡

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 – ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ - ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትንን ዘለዋ ሓልዮት ደጊሞም ብምርግጋጽ ዓለም ኣብ ቅድሚ እዚ ህጹጽ ጉዳይ እዚ ዘይንጡፍ ኮይኑ ከይተርፍ ጻውዒት ተቕርብ።

ሰኑይ ዕለት 26 ጥሪ 2026 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ላዕለዋይ ሓላፊ ጉዳይ ስደተይናታት ዝከታተል ላዕለዋይ ሽማግለ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ፕረዚደንት ዒራቕ ነበር (2018 - 2022) ባርሃም ሳሊሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከም እተራኸቡን፡ ሳሊህ ንባዕሉ ተመክሮ ስደት ዘለዎ ኮይኑ፣ ካብ 1 ጥሪ 2026 ጀሚሩ ድማ ናዚ ላዕለዋይ ትካል ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ከም ዝኾነን፡ ድሕሪ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየዶ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ብዛዕባ እቲ ርክብን ከምኡ’ውን ብዙሓት ስደተይናታት ካብ ኵነታት ምዝብልና ንምውጻእ ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ እዋንን ሰብኣዊ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዘጋጥመን ዘሎ ሕጽረት ጸጋታትን እቲ ትካል ኣብ ዘሳልጦ ሰብኣዊ ዕዮ ዝፈጥሮ ምድብሆታት በስፊሕ የጒልሕ።

ዕለት 26 ጥሪ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ርክብኩም ከመይ ነይሩ?

ብሓቂ ምስ ቅድስነቶም ምርኻበይ ዓቢ ክብሪ እዩ። እቲ ዝተወሃበኒ ሓድሽ መዝነት ካብ ዝርከብ ኣርባዕተ ሰሙን ኣብ ዘይመልአ ግዜ ድማ ምስኦት ተራኺበ ብዛዕባ ጸገም ስደተይናታት ክዛረብ ዓቢ ዕድል እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ስደተይናታት ዝገብርዎ ዘይሕለል ጻዕሪ ሓጎስ ድማ ይፈጠለይ፡ ግብረ ገባዊ ስልጣኖም ድማ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ። ንናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራ ትካል ስደተይናታትን ተመዛበልትን - UNHCR ዝገብርዎ ደገፍ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ንስደተይናታት ናይ ምሕጋዝ ዕማምና ክንፍጽም ኣብ እንፍትነሉ እዋን ምስ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ኣብ እምነት ዝተመርኮሳ ትካላትን ምሕዝነትና ኣድላይነቱ ድማ ከም ዘስመሩሉን፡ ድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ግብረ ገባዊ ስልጣኖምን ሳዕቤን ኣለዎ። እዚ ኣብ መላእ ዓለም ስደተይናታት ኣብ ምሕጋዝ ዘሎና ሓላፍነት ንምፍጻም ኣብ እንዓየሉ ዘሎና እዋን፡ እንውከሎምን ኣገዳሲ ሽርክነትን ጸጋን ጌርና ኢና እንርእዮም።

ዕለት 1 ጥሪ እቲ ትካል ናይ ምምራሕ ስልጣንካ ብወግዒ ጀሚርካ፡ ቀዳምነታት ዕማምካ እንታይ እዮም?

ነዚ ሓላፍነት እዚ ዝተረከብክዎ ኣብ እዋን ዘይተኣደነ ብድሆ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ: ተራእዩ ዘይፈልጥ ደረጃታት ምምዝባል: ኣብዚ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝወሃብ ኣቃልቦ ኣብ ዝንክየሎ ዘሎ እዋን: ከምኡውን ንዓቐን ናይቲ ዘሎና ጸገም ንምግጣም ዘሎ ድሩት ጸጋታት በስፊሕ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን።

ቀዳምነተይ ኣብ ምጉስጓስ ትኹረት ብምግባር ንጠለባት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ስደተይናታት ህዝቢ ዝያዳ ጸጋታት ንምቕራብ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ግን ብሓቂ ዕማምና ንምፍጻም ክኸውን እዩ። እዚ ኸኣ ንስደተይናታት ዕቝባ ነቶም ኣዝዮም ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ህጹጽ ህይወት ዘድሕን ረድኤት ምሃብ ከምኡውን ነባሪ መፍትሒ ንምርካብ ኣበርቲዕካ ምዕያይ ዝጠልብ እዩ። ክንድዚ ዝኣክል ስደተይናታት ንሓሙሽተ ዓመትን ልዕሊኡን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ንዓሰርተ ዓመት ወይ ንኽልተ ዓመት እውይ ይኹን ኣብ ዝተናውሐ ናይ ምምዝባል ኩነታት ክፍረዱ ምርኣይ ጽቡቕ ኣይኮነን። እዞም ሰባት ኣብ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝምርኮሱ መዓስከራት ተዓጽዮም ኣለዉ። እዚ ቅቡል ኣይኮነን። ብሓቂ ካብኡ ሓሊፍና፡ ናብ ዝያዳ ንኹሉ ዝሓቁፍን ነባርን ፍታሕ ክንስጉም ኣሎና።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጫድን ኬንያን ምብጻሕ ኣካይደ ነይረ፡ ኣብኡ ድማ ካብ 2003 ንነጀው ኣብ ገለ ካብዚ ማሕበረሰባት እዚ ን25 ዓመታት ዝጸንሑ ስደተይናታት ክራኸብ ክኢለ። እዚ ኸኣ ነቶም ንነዊሕ እዋን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንኽግዕዙ እተፈርዱ ሰባት ዝያዳ ኽንገብር ከም ዘሎና እዩ ዝሕብረኒ።

እዚ ድማ እቲ ትካል ስደተይናታትን ተመዛበልትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት - UNHCR በይኑ ክገብሮ ዘይክእል ነገር እዩ። ምስ ካልኦት ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዝያዳ ሓባራዊ ጻዕሪ ዝሓትት ዕማም እዩ፡ ኣአንገድቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ባንክታት ልምዓትን ክዋስኣ ዝሓትት እዩ። በዚ መንገዲ እዚ እዘን ኣአንገድቲ ሃገራት ኣብ ክንዲ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ጥራይ ጽግዕተይናታት ዝኾና ስደተይናታት ከአንግዳን ኣብ ሃገራዊ ህይወተን ከም ኣበርከትቲ ክጽምብርወን ዝኽእለን ኩነታት ክንፈጥር ንኽእል።

ከም በዓል ኬንያ፣ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳን ጫድን ዝኣመሰላ ሃገራት ንስደተይናታት ናብ ሃገራዊ ስርዓቶም፣ ናብ ኣገልግሎት ጥዕና፣ ስርዓተ ትምህርቲ፣ ናብ ዕዳጋታት ስራሕ፣ ተበጻሕነት ሕጋዊ ኣገልግሎትን ቍጠባዊ ኣገልግሎትን ክኣትዉ ዘኽእል መንበሪ ኣባይትን ዝምልከት ዝያዳ ሓቛፊ ስርዓተ ሕጊ ኣብ ምርግጋጽ ክዓያ ኣለወን፡ እዚ ዘካይድኦ ዘለዋ ጻዕሪ ድማ ብናይ ልምዓታዊ ሓገዝ ምትብባዕ የድሊ። ነተን ኣአንገድቲ ሃገራት ዝጠቅምን ከምኡ’ውን ስደተይናታት ኪንዮ ናብራ ኣብ መዓስከር ንኽሕወሱ ዘኽእልን፡ ምኽንያቱ ስደተይናታት ቁጽሪ ጥራይ ስለ ዘይኮኑ። ሰባት እዮም። ክብርን ሓለዋን ይግብኦም እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብቐንዱ ብሰንኪ ምንካይ ሓገዝ ካብ ኣመሪካ ዝተራእየ ብርቱዕ ምጉዳል ምወላ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ትካል ሓልዮ ስደተይናታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎ ህጹጽ ኩነታት ከመይ ይብድሆ ኣሎ? እዚ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ እንታይ ጽልዋ ክህልዎ እዩ?

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) 2 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ መዲባ ኣላ። እዚ ሓንጎፋይ ቢልና ኢና እንቕበሎ ዝኾነ ኮይኑ በዚ መንገዲ ዝመጽእ ተወሳኺ ሓገዝ ክህሉ ድማ ተስፋ ንገብር።

ይኹን እምበር ስፍሓት ናይቲ ጸገም ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ዘሎ ሃብቲ ኣዝዩ ውሱን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ዝያዳ ጸጋታት ንምርካብ ዝያዳ ንጡፍ ናይ ተጣባቒ ወፈራ ኽንገብር ኣሎና። ኣብ መወዳእታ ንጸገማት ስደተይናታት ምሕጋዝ ሓባራዊ ኣህጉራዊ ሓላፍነት እዩ። ነቲ ቝጽርታት እንተ ርኢኻዮ ብሓቂ ዘደንጹ ኢዩ። እቲ ዘድልዮ ነገራት ከኣ ናይ ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ብዘይ ጥርጥር ዝያዳ ሃብቲ የድልየና ኢዩ።

ብተመሳሳሊ ንሕና እውን ዝያዳ ምትዕርራይ ክንገብር ኣሎና። እቲ ዝቐረበ ሓገዝ ብሓቂ ናብቶም እተመደበ ሰባት ምእንቲ ኽበጽሕ ናይ ተሃድሶ መደባትና ኸነመሓይሾን ኣብቲ ስርዓት ዝያዳ ስሉጥነት ክንፈጥርን ኣሎና።

ምስ ካልኦት ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢርና ኣህጉራዊ ስርዓት ረድኤት ዝያዳ ምላሽ ዝህብን ዝያዳ ዋጋ ዘለዎን ምዃኑ ንምርግጋጽ ድሮ ኣብ ገለ ኻብዚ ተሓድሶን ስሉጥነትን ንሳተፍ ኣሎና።

ቁጽሪ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብቐጻሊ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ካብ ግጭት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ቅልውላው ምህዳርን ዝሃድሙ ሰባት ኣዚዩ ኣብ ዘሰንብድ ቁጽሪ በጺሑ ኣሎ። ነዚ ጉዳይ እዚ ደው ከብሎ ዝኽእል ነገር ዘየለ ድማ ይመስል . . . ኣብዚ እዋን’ዚ ንትካል ስደተይናታትን ተመዛበልትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣዝዮም ተኣፋፍቲ ጉዳያት እንታይ እዮም፣ እቶም ኣዝዮም ህጹጽ ድሌታትከ ኣበይ ኣለዉ?

ሓደ ሰብ ናብተን ኣብ ከባቢ ሱዳን ዘለዋ ሃገራት ከይዱ ካብታ ሃገር ዝመጽእ ዘሎ ዋሕዚ ስደተይናታት እንተርኢናዮ ብርግጽ ህጹጽ ኣድላይነት ኣሎ። ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እውን ከምኡ።

ኣብ ቬንዙዌላን እውን። ወይ ድማ ነቶም ብዙሓት ሰባት ኣብ መዓስከራት ተዓጽዮም ዝጸንሑን ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ከምዚ ኩነታትን ዘለዉ ሮሂንጋውያን። ኣብ መዓልታዊ ድሌታት ሰባት ከነተኩር እንከለና፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንነባሪ ፍታሕ ዝኸውን መንገድታት ዝሕብር ክኸውን ኣለዎ።

እዞም ስደተይናታት ማሕበረሰባት ኣብ ሃገራዊ ህይወት ክጽምበሩን ንርእሰ ምርኮሳ ዘሰንዮም ዘላቒ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኣሎና። እዞም መፍትሒታት እዚኣቶም ምስቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቶም ሓለዋን ክብረቶምን ዝሰማማዕ ክኸውን እውን ኣለዎ፣ እንተኾነ ግን ነተን ሎሚ ዝተኣንገዱለን ሃገራት እውን ሓገዝቲ ክኾኑ ኣለዎም።

ኣብዚ ሕጂ ዘለኻዮ ተራ ዝያዳ ዘጨንቐካ እንታይ እዩ?

ሕጽረት ሃብቲ መሰረታዊ እዩ ነፍሲ ወከፍ ዚመጽእ ቅልውላው ከኣ ዝያዳ ጸጋታትና ይሓትት፡ ኣብ መላእ ዓለም ከኣ ብዙሕ ቅልውላው ኣሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ዓለም ግጭታት ንኸይውስኽ ንምክልኻልን ንምቍጽጻርን ንምፍታሕ ዝያዳ ክትዓዪ ተጸዊዓ ኣላ ኽብል እደሊ እየ። ናይ ምምዝባልን ስደትን ቅልውላው ሓደ መሰረታዊ መፍትሒ ኣለዎ ንሱ ድማ ሰላምን ሰባት ብውሕስነትን ብኽብረትን ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ መሰሎም ክሕሎ ምግባር እዩ።

ንማሕበረሰብ ዓለም እንታይ ጻውዒት ከተቕርቡ ትደልዩ?

ከም ማሕበረሰብ ዓለም ንዝተጸገሙ ሰባት ምሕላውን ሓገዝ ምሃብን ሕጋዊ ሓላፍነትናን ግቡእናን እዩ። ነቶም ዝተመዛበሉ እውን ነባሪ ፍታሕ ንምሃብ ክንሕግዝ ኣሎና። እዚ ሕጋዊ ሓላፍነት እዩ፣ ግብረ ገባዊ ግዴታ እዩ ንሓባራዊ ሰብኣውነትና ድማ ሕቶ እዩ። እዚ እቲ ግብረ ገባዊ ጉዳይ ኮይኑ ቅኑዕ ስራሕ እውን እዩ።

ኣቐዲምካ ብዛዕባ ኣገዳስነትን ከምኡ እውን ምስ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ እምነት ዝተመርኮሳ ትካላትን ጥቡቕ ምሕዝነት ምህላው ተዛሪብካ ነይርካ። ሃይማኖታዊ ኣካላት ንትካል ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት - UNHCR ብኸመይ ክሕግዝዎ ይኽእሉ?

ኣብ እምነት ዝተመርኮሳ ትካላትን ትካላት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ደገ ኮይኖም ክሕግዙ ጸኒሖም እዮም። ነቲ ዝሰርሕዎ ኣገዳሲ ስራሕን ምስ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎም ኣገዳሲ ሽርክነትን ብውልቃዊ ተመኩሮይ ዝምስክሮ እውን እዩ። ተስፋ እገብር ምስ ካልኦት ናይ እምነት ውድባት ብዝያዳ ኽንዓዪ ንኽእል ኢና፣ እዚ ድማ ነቲ መሰረታዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እምነትና ብሰብኣዊ ኣመለኻኽታ ክንዝትየሉን ነቶም እተሸገሩ ብጾትና ንምሕጋዝን ብሓባር ክንዓዪ ንኽእል ኢና፡ እንክብል ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።

27 Jan 2026, 16:08