ድለ

2026.01.29 Partecipanti all'Assemblea Plenaria del Dicastero per la Dottrina della Fede 2026.01.29 Partecipanti all'Assemblea Plenaria del Dicastero per la Dottrina della Fede  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን፦ ንሓጐስ ምስክርነት እምነት ንዳህስስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ምልኣተ ጉባኤ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ምስክርነት እምነት ህጹጽ ጕዳይ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካውን፣ ኣብ ምትሕልላፍ ወለዶታት ክፍጠር ዝኽል "ሃጓፍ" ብምምልካት፣ ንቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ማእከል ህይወታን ተልእኾኣን ዘሎ "ጥዑምን ዘጸናንዕን ሓጐስ ወንጌላውነት" እንደገና ክትድህስስ ክመርሓ ከም ዘለዎ ኣስተንተኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ዕለት 29 ጥሪ፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ እተኻየደ ሓፈሻዊ ምልኣተ ጉባኤ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምዕዳን፣ "ምስክርነት እምነት፣ ኣብዚ ግዜና ኣዝዩ ህጹጽ ጉዳይ" ምዃኑ ኣትሪሮም ተዛራቡ።

ቅዱስ ኣቦና ንኣባላት እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ሰላምታ እንከቕርቡሎም፣ "ነቲ ዝፍጽምዎ ጠቓሚ ኣገልግሎት" ኣጸቢቖም ከም ዝፈልጥዎ ብምዝካር፣ ከምቲ ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም “ስብኩ ወንጌለ” (Praedicate Evangelium) ተገሊጹ ዘሎ ተልእኾኦም፣ "ንጳጳስ ናይ ሮማን ንዅሎም ጳጳሳትን ምልኣተ ትምህርቲ ዓንቀስ እምነትን ስነ-ምግባራዊ ኣስተምህቶትን ብምድንፋዕን ብምሕላውን፣ ወንጌል ኣብ መላእ ዓለም ንኽሰብኩ ምሕጋዝ ምዃኑ ገለጹ። ወሲኾም ድማ  "እዚ ብዛዕባ ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ነቲ ዘወፍዮ ኣገልግሎት "ካብ ማዕከን እምነት ብምቕዳሕን ብዛዕባኡ ዓሚቕ ምረዳእታ ብምፍጣርን ንዘጋጥሙ ሓደስቲ ሕቶታት ብምምላስ ኢዩ" ክብሉ ውን ገለጽዎ።

'ዕማምኩም'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ንሰበ-ስልጣን እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኣብ ዘቕረቡሎም ለበዋ "ዕዮኹም ብዛዕባ ዓንቀጽ-እምነት ቤተ-ክርስትያን መብርሂ ምሃብ ኢዩ፣ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዩ ተነቃፊ ሕቶታት ብምቕራብ ጉስነታውን ሥነ-መለኮታውን መምርሒ ምሃብ ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ዘውጽኦ ሰነዳት ብምጥቃስ ድማ ዘለዎም ምስጋና እንክገልጹ "ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ዕዮ ንመንፈሳዊ ዕቤት ናይቲ ቅዱስን ኣማኒን ዝኾነ ህዝቢ ኣምላኽ ብርግጽ ዓብዪ ረብሓ ከም ዝህልዎ ኣፍልጦ ሃቡሉ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም፣ "ኣብ ዙርያ እዚ እንነብረሉ ዘለና መዋእል ለውጢ፣ እዚ ጽሑፍ እዚ ንምእመናን ካብ ቤተ-ክርስትያን እዋናውን ንጹርን መምርሒ የቕርብ" ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ "ኣብ መድረኻት ታሪኽ ዝወጽእ ብዙሕ ሓደስቲ ተርእዮታት" ከምኡውን "ንጳጳሳት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣገግሎቶምን ወንጌላዊ መጽናዕቶም ዝሕግዝ ጉስነታውን ሥነ-መለኮትን ኣገዳሲ መምርሒታት ይህብ" ክብሉ ኣመልከቱሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ እዚ ሓፈሻዊ ምልኣተ ጉባኤ ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት፣ "ኣብዚ ግዜና ኣዝዩ ህጹጽ ዝዀነ ምስክርነት እምነት" ዝብል ፍረ ነገር ዝዝቲ ክንዲ ዝኾነ ፍሉይ ምስጋናኦም ገሊጾም።

ኣብ መንጎ እዚ ዕንታይ ገደሰኒ ዝብል ባህሊ፣ ሓጐስ ወንጌላውነት ምርካብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ "እወ ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንጎ ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ምትሕልላፍ እምነት ክርስትና ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ሓጓፍ ከም እተፈጥረን፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጥንታዊ ወንጌላውነት መሰረት ዘይገበረ ኮይኑ ኣሎ፣ ማለት ቍጽሪ እቶም ንወንጌል ከም መሰረታዊ ምንጪ ህላወኦም ገይሮም ዘይርእይዎ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ዕሽሽ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና" በሉ፣  ብፍላይ ከአ ኣብ መንጎ መንእሰያት ወለዶታት።"

ብተወሳኺውን ብዙሓት መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ብዘይ ዝኾነ ርክብ ምስ ኣምላኽ ወይ ምስ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝነብሩ ብምግላጽ "እዚ ንኣመንቲ ብዙሕ ጓሂ ዘምጽኣልና እኳ እንተ ዀነ፣ ነቲ ኣብ ማእከል ህይወትን ተልእኾን እታ መርዓት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን ዘሎ 'ጥዑምን ዜጸናንዕን ሓጐስ ወንጌላውነት' እንደገና ክንድህስሶ ክመርሓና ኣለዎ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ቀረባ እዋናት፣ ኣብ ካብ ዕለት 7-8 ጥሪ ዝተኻየደ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ንገዛእ ርእሳ ጥራይ ዘይኰነትስ ንኻልኦት እትጥምትን ሚስዮናዊትን ዝዀነት ቤተ-ክርስትያን ክንሃንጽ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ እውን ዝዝከር ኢዩ።

ብተወሳኺውን "ከምቲ ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16ን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ብተደጋጋሚ ዘጕልሖዎ፣ ልዕሊ ዅሉ ብሓይሊ ስሕበት ወንጌል እትእውጅ" ቤተ-ክርስትያን ኣድላዪት ምዃና ደጊሞም ገለጹ።

ኣባላት ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ኣባላት ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት   (@VATICAN MEDIA)

ትሑታት ዓየይቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጐይታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መሰረት ህይወት እዛ ኣካል ክርስቶስ፣ "በቲ ብውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣባና ዝህሉን ዚዓዪን ሰብ ብዝኾነ ወልድ እተገልጸልና ፍቕሪ ኣቦ እዩ" ቢሎም ብምዝኽኻር፣ "ክርስቶስ እምበር ቤተክርስትያን ኣይኰነትን እትስሕብ" ከምኡ'ውን፣ "ክርስትያን ማሕበረሰብ ወይ ቤተ ክርስትያን  ክስሕብ እንተ ደኣ ተረኺቡ፣ በዚ 'መትረብ' እዚ ኣቢሉ ካብ ልቢ መድሓኒ ዝምንጩ ኣገዳሲ ጽሟቕ ልግሲ ስለ ዝውሕዝ ኢዩ" በሉ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፣ "ቤተ-ክርስትያን ብዘይ ገጸ-ባህርያትን ፍልልያትን ንክርስቶስ እያ እትእውጅ፣ ኣብ ውሽጣ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንገዛእ ርእሱ፣ "ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ወይኒ ጐይታ ተራን ትሑትን ዓያዪ" ጥራይ ምዃኑ ኣፍልጦ ክህብ ኣለዎ፣ ኵሉ ሳዕ ከኣ ነዚ ኣፍልጦ ክህበሉ ኣለዎ ክብሉ ተላበው።

ፍትሕን ሓቅን ፍቕርን ንምርግጋጽ

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ ቃለ ምዕዳኖም ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት ገለ ገለ ነጥብታት ኼቕርቡ ደለዩ።

"ቅድሚ ምዝዛመይ፣ ነቲ ካልእ ኣገልግሎትኩም እውን ክጠቅስ እደሊ፣ ስለዚ ድማ የመስግነኩም፣ እዚ ድማ ኣብ ሓልዮትኩም ዘወፈኽዎ ንጳጳሳትን ንላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራትን ብዅሉ ለውሃትን ፍርድን ነቲ ኣብዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት እተሓጽረ ጉዳያት ገበናት ክፈትሑ ብዘቕረብኩልኩም ጻውዒት መሰረት ትቕበልዎምን ተሰንይዎምን ብምህላውኩም ኢዩ።"

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ቅዱስነቶም፣ "እዚ ኣዝዩ ተነቃፊ ቦታ ኣገልግሎት እዩ፣ ኣብኡ ድማ ፍትሕን ሓቅን ልግስን ወትሩ ኸም ዝኽበርን ከም ዝሰፍንን ምርግጋጽ ኣድላዪ እዩ" በሉ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ኣባላት እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት፣ ነቲ ንመላእ ቤተ-ክርስትያንን ዝገበርዎ ኽቡር ኣበርክቶ "ብፍላይ ከምዚ ዝኣመሰለ ተጸምዶ ብትሕትናን ብዘይውዲታውን መገድን ምስ ዝግበር" ኢዩ ድሕሪ ቢሎም፣ ደጊሞም ብምምስጋን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።

ኣባላት ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ኣባላት ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት   (@Vatican Media)
30 Jan 2026, 14:47