ር. ሊ. ጳ.፦ ኣንጀሎ ጉገል ንሰለስተ ጳጳሳት ኣብ ምግልጋል እሙንን ትጉህን ሰብኣይ ነበረ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ንሰለስተ ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳት ማለት ንብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊን፡ ንቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊን፣ ንበዐል ጥዑውም ዝኽሪ በነዲክቶስ መበል 16ን፣ በብመዓልቱ "ብተኣማንነትን ትግሃትን" ዘካየሶ "ነዊሕን ክቡርን ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር" ዘኪሮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ዝኽሪ እዚ ኣብቲ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዝኸተምዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ኣጉልሖምዎ ይርከቡ፣ እዚ ድማ ኣብ ሥርዓተ ቀብሪ ኣንጀሎ ጉገል ተነቢቡ።
እቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድሚኡ ካብ ድኻም እዛ ዓለም ዝዓረፈ፣ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ጥቓ ሃገረ ቫቲካን ኣብ እትርከብ ናይ ሮማ ቤተ-ክርስትያን ደብረ ቅድስተ ማርያም ዘጸጋ ዘፎርናቺ እተኻየደ ሥርዓተ ቀብሪ ኢዩ ዝንበረ።
ኣብነታዊ ክርስትያናዊ ምስክርነት
ኣብ መልእኽቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ንበዓልቲ ቤቱን ውሉዱን፣ ነቲ ጉገል "ብቅኑዕ ህይወቱን ኣብነታዊ ክርስትያናዊ ምስክርነቱን" ከምኡውን ፈለማ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣገልግሎት ጀንዳርመርን ኣብ ምሕደራ ቤተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ዝገበሮ ኣገልግሎት ብምዝካር ሓዘኖም ገሊጾም።
ብተወሳኺውን ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ኣብ መንበሪ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣገልጊሉ እዩ፣ ኣብኡ ድማ "መዓልታዊ ንሰለስተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ገዛእ ርእሱ ብምውፋይ ተነቃፊን ኣኽቢርካ ዝርአን ዕዮ" ይፍጽም ነበረ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም፣ "ከምዚ ዝበለ ለጋስ ወደ መዝሙር ክርስቶስ" ኢዩ ዝንበረ ቢሎም ብምጽላይ፣ ንዅሎም እቶም ብሞቱ ዝሓዝኑ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈሉ።
ኣብ ጐድኒ ቀዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ
ኣብ ሥርዓተ ቀብሩ ድማ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮ ፓሮሊን ነቶም ሥርዓተ ቀብሩ ዝመርሑን፣ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ኣገልግሎታት ግብረ ሰናይ ዝሓሊ ላዕለውያ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፣ ብፁዕ ካርዲናል ጄምስ ማይክል ሃርቪ ሊቀ ካህናት ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ስግር መናድቕ ሮማን፣ ብፁዕ ካርዲናል በኒያሚኖ ስቴላ ኣመሓዳሪ ጉባኤ ካህናትን፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኤድጋር ፔና ፓራ ተተካኢ ሓፈሻዊ ጕዳያት ቅድስቲ መንበርን ከምኡውን ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሪቻርድ ጋላገር ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባትን ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ቅድስቲ መንበር ተረኺቦም ንበሩ።
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝለገስዎ ቃል፣ ንኣንጀሎ ጉገል "ሕያዋይ ሰብኣይ ኣዝዩ ፍቑር ሰብኣይ ኣብነታዊ ኣቦ ሕያዋይ ኣስተውዓሊ ፍትሓዊ" ክብሉ ብሞሳ ዘከርዎ።
ብፁዕነቶም ኣስዒቦም ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ዕርክነት ዜንጸባርቕ ዝነበረ ንጹህ ኣዒንቱን ብሩህ ፍሽኽታኡን ዘከሩ፣ ሳላ እታ ኣብ ድኽነት ዝመልኦ ግዜን ቦታን እተወልደት ግን ከኣ "ከም ከውሒ ድልድልቲ" ዝነበር እምነቱ ኢዩ ድማ በሉ።
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ወሲኾም "እቶም ኣብ ሰማይ ዝቕበልዎ ዘለዉ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ባዕሎም ኢዪም፣ ክብል እውን እደሊ" በሉ።
ብፁዕ ካርዲናል ብምቕጻል ነፍስ ኄር ጉገል ገዛእ ርእሱ ንኣምላኽ ናይ ምውፋይን ንኻልኦት ናይ ምግልጋል ክእለት ከም ዝንበሮ እውን ኣጕልሑ።
ኣብተን ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ ሕማሙ ብርታዐ መንፈስን ህድኣትን እውን ኣርእዩ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ጸገማትን መከራን ሕማምን ምስ ጐይታ ብምንባር ናይ ሓቂ ምስክርነት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣርኣየ በሉ።
ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም "እዚ ሥርዐተ ቀብሪ ሓደ ፍቑር ሰብ ናይ እምነት ምስክር ብምጽንባል፣ መወዳእታ ፈነውኡ ማለት ኣይኰነን፣ የግዳስ በይንና ኸም ዘይኰንና ርግጸኛታት ብምዃንና ንቕድሚት ምእንቲ ኽንጥምት እምነትና ንምሕዳስ ዘገልግል ኣጋጣሚ እዩ" በሉ።
ድዚዊሽ፦ ጉገል ጥበበኛ ኣገልጋሊ
ሊቀ ጳጳሳት ክራኮቭ ዝነበረ ካርዲናል ስታኒስላዊ ድዚቪሽ ንስድራ ቤት ኣንጀሎ ጉገል ሓጺር ሰላምታ እውን ኣቕረቡሎም።
ነቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝገበሮ ኣገልግሎት "ወንጌላዊ ኣስተውዕሎትን ተወፋይነትን ተግሳጽን ዘለዎ ጥበበኛን እሙንን ኣገልጋሊ" ከም ኣብነት ምዃኑ እውን ገለጹ።
ካርዲናል ድዚዊንዝ ኣስዒቦም ከምዚ በሉ፦ "ምስ ስድራ ቤትን ምስ ኵላቶም ኣብዚ ተኣኪቦም ዘለዉ ስለ ነፍሲ እቲ ፍቑር ኣንጀሎ ኣብ ጸሎት እሳተፍ ኣለኹ፣ መሓርቲ ኣእዳው ሰማያዊ ኣቦ ናብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ክቕበልዎ፣ ዓስቢ ጻድቃን ኪህብዎ ከምኡውን ኣብ ብምሉኡ ዘመነ ጳጳስና ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይ ስለቲ ብተኣማንነት ዘወፈዮ ኣገልግሎት ብምስጋና እየ። ንቤተ-ክርስትያንን ንጳጳሳታን ብተኣማንነትን ተወፋይነትን ድማ ኢዩ ዝፈጸሞክ" ክብሉ ውን መስከሩ።
መበቆል ዓዱ ምምላስ
ኣብ መወዳእታ ሥርዓተ ቀብሪ ሬሳ ጉገል ሎሚ ሰኑይ ዕለት 19 ጥሪ ንዝኽሪ ቅዳሴ ንምግባር ናብታ ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ኣውራጃ ትሬቪሶ እትርከብ ከተማ ሚያን ተወሲዱ፣ ሥርዓተ ግብኣተ መሬት ድማ ሎሚ ኣብታ መበቆል ዓዱ ተፈጸመ።
