2026.01.16 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንጳጳሳት ስሎቨንያ፥ ጻውዒት “ሲኖዳውነትን ሕውነትን” 2026.01.16 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንጳጳሳት ስሎቨንያ፥ ጻውዒት “ሲኖዳውነትን ሕውነትን”  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንጳጳሳት ስሎቨንያ፥ ጻውዒት “ሲኖዳውነትን ሕውነትን”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 16 ጥሪ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንሓዋርያዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ጳጳሳት ስሎቨንያ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ድሕሪ እቲ ርክብ ናይ ስሎቨኒያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ጳጳስ ሳጀ፡ ቅዱስ ኣቦና ዝሓበርናዮም ብድሆታትን ህይወትን ቤተ ክርስቲያንና ኣቓልቦ ብዝህብ መንፈስ ተቐቢሎም ሰሚዖምና” እንክብሉ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሃገረ ስሎቨኒያ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ጸሎትን ዘተን ዕለት 16 ጥሪ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን  መበል 14 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዘካየድዎ ርክብ ይዛዝሙ። ብዛዕባ እዚ visita ad limina - ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ብዝገብርዎ መደብ ምብጻሕ መሰረት ናይ ሃገረ ስሎቨኒያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ንመራኸቢ ብዙሃን ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ካብ ቅዱሰንቶም ሲኖዳውነትን ሕውነትን ዝብል ጻውዒት ከም ዝቐረበሎም ይሕብሩ።

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ስሎቨኒያ ጳጳስ ኣንድሬጅ ሳጀ እቲ ዝተካየደ ርክብ"ጽቡቕ ተመክሮ" እንክብሉ ገሊጾም፡ ሰላምታን ጸሎትን ምእመናን ስሎቨንያ ናብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ከም ዘብጽቕረቡን ብዛዕባ ህይወት ናይታ ከባብያዊት ቤተክርስትያንን ዘጋጥማ ብድሆታትን ኣማእኪሎም ምስ ቅዱስነቶም ከም ዝመኸሩን እዚ ኣብ ስሎቨኒያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ብድሆታት "ምስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ዝመሳሰል እውን እንተኾነ፡ ግን ከኣ ገለ ፍሉይነታት ዘለዎምን፡ ስርዓት ዴስነት ሓዲግዎ ዝሓለፈ ጽልዋታትን ዘለዋ ሃገር ምዃኑ ብምሕባር ኣብቲ ርክብ ብዛዕባ እዚ ጉዳያት እዚ ከም እተመያየጡ ይሕብሩ።

ሓድነትን ሲኖዳውነትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ምዕባለ ክግበር ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ምእመናን ንቕድሚት ክስጉሙ ኣተባቢዖም "ሓድነት" ብፍጹም ክይዝንጋዕ ከም እተላበዉን ጳጳስ ሳጀ ንመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣስሚሮም፡ "ኣብ መንጎና ጳጳሳት፡ ካህናት፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን፡ ኣባይቲ ስድራን ዓለማውያንን" ሓድነት ኣገዳሲ ምዃኑን፡ እዚ ጐይታ ዝሓቶ ሓድነት እዚ ብዝበለጸ ንምርዳእን ኣብዚ ግዜ’ዚ ዘሻቕል ነገራት ከይተረፈ ንዕኡ ምቕራብን ንመንፈስ ቅዱስ ምስማዕ ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣሕዋት ኣዕሩኽ ኩኑ ምኽንያቱ ተካእቲ ሓዋርያት ስለ ዝኾንኩም። "ወንጌል ካብ ግዜ ናብ ግዜ ወትሩ ንምስፋሕ ወንጌላውያን ኩኑ" ዝብል ሓሳብ እውን ከም ዘስመሩሉ ሓቢሮም፡ ጳጳሳት ስሎቨኒያ ቅድሚ ምስ ቅዱስ ኣቦና ምርኻቦም ኣብ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ከም ዝነገዱን ኣብ ዝተፈላለያ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኩርያ ሮማና - ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ብምርኻብ ኣኼባታት ከም ዘካየዱ ሓቢሮም ጳጳስ ሳጀ ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

19 Jan 2026, 09:02