ድለ

2026.01.29 Partecipanti alle Assemblee Generali dei Consacrati del Regnum Christi 2026.01.29 Partecipanti alle Assemblee Generali dei Consacrati del Regnum Christi  (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ.፦ “ኣብ ዘይወሓጥ ወይ ዘይተሓዋወስ ተዋስኦ ተሳተፉ!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንማሕበራት ሓዋርያዊ ህይወት “መንግስቲ ክርስቶስ” (Regnum Christi's Societies of Apostolic Life) ኣብ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ጸዋዕታ ምሕደራን ሕብረትን ኣስተንተኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ነቶም ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንማሕበራት ሓዋርያዊ ህይወት መንግስቲ ክርስቶስ እተሳተፉ ኣባላት፣ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 29 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ብዛዕባ "ጸዋዕታ ምሕደታን ሕብረትን" ብምስትንታን ኣብ ተልእኾኦም ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ "ሎሚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ምስ ሕብረተሰብ ሓቀኛ ዝርርብ ክንገብር እንተ ደሊና፣ መን ምዃንና ምፍላጥ የድሊ" በሉ።

ማሕበር መንግስቲ ክርስቶስ ብሰለስተ ኽፋላት ዝቘመ ኣህጉራዊ ማሕበር ካቶሊካውያን እዩ - ማሕበር ሰራዊት ክርስቶስ ከምኡውን ክልተ ማሕበራት ሓዋርያዊ ህይወት ሓደ ንውፉያት ደቂ ኣንስትዮ እቲ ሓደ ድማ ንውፉያት ምእመናን ደቂ ተባዕትዮ ዘጠቓልል ማሕበር እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ርክቦም፣ ኣባላት እዘን ማሕበራት ብዛዕባ ባህርያት እተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ክርስቶስ ብኸመይ "ኬስተንትኑሉን ኪመያየጡን" ከም ዝኸኣሉ ኣጕልሑ። ውህበት መንፈስ ቅዱስ "ኣብ ተቕዋማዊ ህይወት ብርታዐ ኪፈጥር ከሎ፣ ፍሉይ መንነት እውን ይህቦ ኢዩ" እዚ ድማ፣ "ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ዓለምን ንህላወኦም ፍሉጥ ይገብሮ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ "ነቲ እትነብረሉ ዘሎኹም ዅነታት ማለት፣ ፍሉይ ዕላማ ጸዋዕታኹም ንምስባኽ መንነትኩም ብዝያዳ ብንጹር ክትገልጹ ኣገዳሲ እዩ" በሉ።

"ነፍሲ ወከፍ ጸዋዕታ ዝቕበል ሓው ወይ ሓፍቲ" ተልእኾኦም ምእንቲ ኼነቓቕሑን ንመጻኢ ወለዶታት ምእንቲ ከመሓላልፉን፣ "ንሳቶም እውን ብግዲኦም ኬፍቅሩን ምንጪ ኣገልግሎቶም ኪገብሩን እተጸውዑ ኩሎም" ኣገዳሲ ግብሪ ሓይሊ ኺገብሩ ኸም እተጸውዑ ኣጕልሑ።

ሓደስቲ ኣገባባት ምሕደራ ንምፍታን ኣይትፍርሑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ብዛዕባ ምምሕዳር እንክዛረቡ "ኣብ ውሽጢ ሓዋርያውያን ማሕበራት ኣድላዪ ኣገልግሎት" ከምኡውን ነቶም ኣባላቶም "ንክርስቶስ ብምስዓብ ብሕልናን ናጻነትን ሓላፍነት ዚስምዖ ተኣማንነትን" ዘሰንዮም ኣገልግሎት ምዃኑ ገለጹ።

"ነፍሲ ወከፍ ተቐዋማት ሕብረተሰብ ምስ ፍሉይ ባህርያቱን መንፈሳውነቱን ብምስምማዕ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣገባብ ምሕደራ ከለሊ ተጸዊዑ ኣሎ" ብምባል፣ ቀጺሎም ድማ "ናይ ሓቂ ወንጌላዊ መንግስቲ" ወትሩ ንኣባላቱ ናብ ክርስቶስ ክቐርቡ ንምሕጋዝ ኣብ ምግልጋል ዘተኰረ ምዃኑ ኣጕልሑ።

ከም ሓቁ እኳ ደኣስ ነቶም ተሳተፍቲ፣ "ሓድሽ ቅዲ ምሕደራ ንምፍታን ከይፈርሁ" ተማሕጸንዎም።

"ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ኣብ ኣጠቓቕማ ስልጣን ናይ ገዛእ ርእስኻ ባህርያትን ሓባራዊ ፍቓድ ንማሕበራትን ንውልቀ-ሰባትን ኣባላትን ዘበልጽግ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ሓባራዊ ተልእኾ ናይ ምምዕባልን ተሳትፎን ስምዒት ዘደልድል መገድታት ከም ዝኸፍት ምዝካር ጽቡቕ ኢዩ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ኣገዳስነት ናይ ኅብረት

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ውሽጢ ስድራ መንግስቲ ክርስቶስን ሕብረት ምትብባዕ ኣድላዪ ምዃኑን፣ ሓቢሮም ነቲ ኣምላኽ ዘቕረበሎም ጸዋዕታ ኣብ ኩነታቶም ክነብርዎ ተላበውዎም።

"ሓድነት ናይ ጥምቀት ክብርን በበይኑ ዝዓይነቱ ጸዋዕታታትን ንሓድሕዱ ዝጻረር ኣይኮነን፣ ኣብ ክንዳኡስ ንሓድሕዱ ዝደጋገፍ ኢዩ" በሉ። "ህያው ዝኾነ ሕብረት ኣብ በበይኑ ዝዓይነቱ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝምርኮስ፣ ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ጸዋዕታ ናብ ኣገልግሎት ንኻልኦት ዝቕይርን፣ ኣካል ክርስቶስ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ደቂ ሰባት ምእንቲ ኺዓብን ኣብ ዓለም ተልእኾኡ ምእንቲ ኺፍጽምን እዩ" በሉ።

"ኵላትና ኣብ ጕዕዞ ኢና ዘለና፣ ኣምላኽ ብነብያት ኣቢሉ ትማልን ሎምንን ሕልምታቱ ብቐጻሊ ብምግላጽ የነቓቕሕ ኣሎ፣ ንደቂ ሰብ ካብ ጥንታዊን ሓድሽን ዓይነት ባርነት ሓራ ንምውጻእ ንኣሽቱን ዓበይትን፣ ድኻታትን ሃብታማትን፣ ሰብኡትን ኣንስትን፣ ቅዱሳንን ሓጥኣንን ኣብ ግብሪ ምሕረቱን ኣብ ተኣምራት ፍትሑን ዘጠቓለለ እዩ፣ ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ "ጐይታ ገና የገርመና እዩ ዘሎ፣ ሕጂ እውን ኣብቲ ናትና ዘይኮኑ መገድታት ክንረኽቦ ይፈቅድ ኢዩ፣ ስለዚ ተኣማንነቱ የገርመና ኣሎ" በሉ።

30 Jan 2026, 15:01