ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ካብ ብዝሒ ሰባት ብዝያዳ ኣባልነት አገዳስነት ኣለዎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ወርሒ ጥሪ እትሕተም ናይ ኢጣልያ መጽሔት ፒያሳ ሳን ፒትሮ ንፍረ ነገር ሰላም እተወፈየት ኰይና፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሓንቲ ኑንዝያ እተሰምየት ጓል 50 ዓመት ስዊዛዊት መምህርት ትምህርተ ክርስቶስ፣ ንስድራቤታት ኣብ ኣቁምስና ንኽትሳተፍ ዝገበረቶ ቓልሲ ብዝርዝር እትገልጽ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ኣሕቲማ።
ስድራ ቤታትን ቈልዑን ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ
ኣብታ 620 ተቐማጦ ዘለውዋ ከተማ ላውፈንበርግ እትነብር ኑንዝያ ናብ ቅዱስነቶም ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳቤ "ኣብ ስዊዘርላንድ ወለዲ ሓድሓደ ግዜ እውን ከይተረፉ ቈልዑን መንእሰያትን ኣብ ኣምላኽ ከም ዝውከሉ ምግባር ኣጸጋሚ እዩ" በለት።
"ገለ ዘርኢ እዘርእ እኳ እንተ ዀንኩ፣ እቲ ተኽሊ ግና ንኺበቍል ከአ ይቃለስ እየ። ቈልዑን ስድራ ቤታትን ስፖርትን ጽምብላትን እዮም ዚመርጹ" ክትብል እውን ጸሓፈት፣ ኣስዕብ ኣቢላ ድማ ስድራ ቤታት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ልምድታት ተገዳስነት ከም ዘይብሎምን ኣብያተ-ክርስትያን ከኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ባዶ እናኾነ ይኸይድ ከም ዘሎ ወይ ብኣረጋውያን ጥራይ ዝኸድወን እና ኾና ይኸዳ ከም ዘለዋ እየን ዝመስላ።
ኑንዝያ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተስፋ ምእንቲ ኸይትቈርጽ ምእንቲ እቶም ብሕድሪ እተዋህብዋ መንእሰያትን ንገዛእ ርእሳን ክጽልዩላ ብምሕታት መልእኽታ ዛዘመት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ዝሃብዎ ምላሽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብታ ዝመለሱላ መልእኽቲ ንኑንዝያ ዜተሓሳስባ ነገራት ኣፍልጦ ብምሃብ "እቲ እትነብረሉ ዘለኺ ዅነታት ካብቲ ጥንታዊ ክርስትያናዊ ልምድታት ዘለወን ካልኦት ሃገራት እተፈልየ ኣይኰነን" ክብሉ ኣመልከቱላ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ቍጽሪ ተኣከብቲ ሓሊፍና ኽንርኢ ይዕድሙና "እቲ ንትምህርተ-ክርስቶስ እተወፈየ ሰዓታት ዋላ እውን ሒደት ተሳተፍቲ እኳ እንተ ሃለዉ ፈጺሙ ኣይባኽንን እዩ።"
ብተወሳኺውን ናይ ቤተ-ክርስትያን ብድሆ ከም ብሓድሽ ኢዩ ዝጅምር - "እቲ ጸገም ብዝሒ ቝጽርታት ኣይኰነን - እዚ ኸኣ ንሓደ ሰብ ከም ዘስተንትን ዝገብሮ ኢዩ - የግዳስ ክፍሊ ቤተ-ክርስትያን ኰይኑ ክስምዓካ ዘይምኽኣሉ፣ ማለት ህያዋን ኣባላት ኣካል ክርስቶስ ምዃኖምን ከምኡ ውን ኵሎም ፍሉይ ውህበትን ግደን ዘለዎም ደኣ እምበር ተጠቀምቲ ቅዱሳት ምስጢራት ጥራይ ዘይምዃኖም ከም ምዃኑ ኢዩ። እዚ ድማ ምናልባት ካብ ልምድታትና ዝተበገሰ ክኸውን ይኽእል እዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኑንዝያን ንዅሎም እቶም ተመሳሳሊ ጸገማት ዜጋጥሞም ሰባትን እውን የተባብዕዎም። "ክርስትያን ምእመናንን ከም ምዃንና መጠን ኵሉ ሳዕ ለውጢ የድልየና እዩ። ነዚ ድማ ብሓባር ክንደልዮ ኣሎና" ክብሉ ጸሓፉላ። እቲ ሓቀይና ኣፍ ደገ እምነት "ኵሉ ሳዕ ክፉት ልቢ ክርስቶስ እዩ" ብምባል እውን ይዝክሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዘቕረብዎ ናይ መደምደምታ ጻውዒት ኣብቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝጸሓፎ ውርሻ እተመስረተ እዩ "ክንገብሮ እንኽእል ብዛዕባ ሓጐስ ወንጌል ክርስቶስ ሓጐስ ዳግም ልደትን ትንሳኤን ምስክርነት ምሃብ እዩ" በሉ።
