ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ እደ ጥበብ ንሰብኣዊ ክብሪ ከገልግል እምበር ክትክኦ የብሉን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ እደ ጥበብ ንሰብኣዊ ክብሪ ከገልግል እምበር ክትክኦ የብሉን 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ እደ ጥበብ ንሰብኣዊ ክብሪ ከገልግል እምበር ክትክኦ የብሉን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመበል 60 ዓለምለኸ መዓልቲ ማሕበራዊ አራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ምህዞታት እደ ጥበብ፡ ብፍላይ ድማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንኽብሪ ደቂ ሰባት ካብ ምትካእ ወይ ዘጉድል ንሰብኣዊ ክብሪ ከም ዘገልግል ምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ገጽን ድምጽን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍሉያት ባህርያት ኮይኖም መሰረት መንነትን ዝምድናታትን ደቂ ሰባት ይፈጥሩ። ነዚ ሓቂ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመበል 60 ንዓለማዊ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንከስተንትኑ፡ ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ምዕባለ ርክብን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ትኹረት ብምግባር፡ ዕለት 17 ግንቦት 2026 ዓ.ም. ዝኽበር መበል 60 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን፡ ኣብዚ ብእደ ጥበባዊ ምህዞታት እናተቐርጸ ዝኸይድ ዘሎ ዘመን ክብሪ ደቂ ሰባት ምሕላው ከምዘድሊ የጉልሑ።

ደቂ ሰባት ብኣምሳልን ኣርኣያን እግዚኣብሔር ተፈጢሮም፡ ብልሳን ኣቢሎም ናብ ርክብ ዝተጸውዑ ምዃኖም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መልእኽቶም ብምዝኽካር፡ ገጻትን ድምጽታትን ምሕላው ማለት ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ መለኮታዊ ኣሰር ምሕላውን ነቲ መተካእታ ዘይብሉ ጸዋዕታ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት ምድጋፍን ማለት ምዃኑ የስተብህሉ።

ስነ ሰብእ ብድሆ እደ ጥበብ

ስነ ኣሃዛዊ እደ ጥበብ ብፍላይ ድማ ድምጽታትን ገጽን ስምዒታትን ንምምሳል ዝኽእሉ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ስርዓታት ኣገደስቲ ሸነኻት ርክብ ደቂ ሰባት ናይ ምቕያር ሓደጋ ከምዘለዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣጠንቂቖም፡ እቲ ብድሆ ብቐንዱ እደ ጥበባዊ ዘይኮነስ፡ ስነ ሰብእ ምዃኑ ኣስሚሮም፤ መንነት ደቂ ሰባትን ሓቀይና ዝምድናታትን ምሕላው ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘሎ ምዕሪት ቅመራ (algorithm) ካብ ምስትንታን ንላዕሊ ቅልጡፍ ስምዒታዊ ምላሽ ቀዳምነት ዚህብ ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባ ዜዳኽምን ማሕበራዊ ምግምማዕን ዜስፋሕፍሕ ምዃኑ ብምስትንታን፡ ኣብ ሓበሬታን ምህዞን ውሳነ ንምግባርን ኣብ ሰብ ሰርሖ ኣስትውዕሎ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ትውክልቲ፡ ናይ ትንተና ክእለትን ናይ ምሕሳብ ክእለትን ውልቃዊ ሓላፍነትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ የስተብህሉ።

ክውንነት፡ ምምሳልን ማሕበራዊ ጽልዋን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ሃዋህው ኣብ መንጎ ክውንነትን ምምሳልን ዘሎ ፍልልይ ኣጒሊሖም፣ ኣብዚ ብባዕሎም ዝዓዩ ወኪላትን ቻትቦትን ኣብ ህዝባዊ ክትዕን ውልቃዊ ምርጫታትን ጽልዋ ከሕድሩ፣ ስምዒታዊ መልስታትን ውልቃዊ ዝምድናታትን ክቐርጹ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ዓይነት ንጥፈት ንውልቀሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ማሕበራውን ባህላውን ህይወት እውን ክጸልዎ ከምዝኽእል ይገልጹ።

ሓላፍነት፡ ምትሕብባርን ትምህርትን

ነዚ ብድሆታት ንምፍታሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓላፍነትን ምትሕብባርን ትምህርትን ከም ኣገደስቲ ኣዕኑድ ብምግላጽ፡ ኣማዕበልቲ እደ ጥበብ፣ ፖለቲካዊ ሰብመዚ፣ ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሃን መምህራንን ግሉጽነት ከስፋሕፍሑ፣ ክብሪ ደቂ ሰባት ክሕልዉን ቅንዕና ሓበሬታ ከረጋግጹን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ስነ ኣሃዛዊ ምህዞ ናብ ናይ ሓባር ረብሓ ንምምራሕ ኣብ መንጎ ትካላትን ዓውድታትን ምትሕብባር ከምዘድሊ የተሓሳስቡ።

ትምህርቲ መራኸቢ ብዙሃንን ስነ ኣሃዛዊ ንቕሓትን

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣገዳስነት ትምህርቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ሓበሬታን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ሕንጸትን ነቐፌታን ምስትውዓል ምትብባዕ፡ ውልቃዊ መንነት ምሕላውን ሓላፍነት ዝስምዖ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ባህሊ ምድጋፍ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ንገጽን ድምጽን ሓድሽ ክንክን ምግባር ንሰብኣዊ ስፍሓት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንምዕቃብን እደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ፍጥረት ንምምራሕን ኣገዳሲ ምዃኑ የመልክቱ።

26 Jan 2026, 14:35