ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንስፖርተይናታት ኦሎምፒክ ምክብባር፣ ናይ ጋንታ መንፈስ፣ መስዋእቲ ከዕብዩ ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣትሌታት ኦሎምፒክ፡ ወለንተይናታትን ማሕበራት ስፖርትን፡ ኣብ ሚላኖ - ኮርቲና 2026 ኣብ ዝዳለዉሉ እዋን፡ ዕለት 30 ጥሪ ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ከተማ ኮሞ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሓበሩን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ መበል 25 ክረምታዊ ውድድር ኦሎምፒክ ዝመጽእ ሰሙን ዝጅምር ኮይኑ፡ ካብ ዕለት 6 ክሳብ 22 ለካቲት ኣብ መላእ ዞባ ሎምባርዲያን ሰሜናዊ ምብራቕ ኢጣልያን ኣብ ዝርከቡ ናይ ስፖርት ሜዳታት ከም ዝካየድ የመላኽት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ናይ ኮሞ ጳጳስ ካርዲናል ኦስካር ካንቶኒ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፡ ኣብቲ ካርዲናል ካንቶኒ ዕለት 30 ጥሪ ኣትሌታት ኦሎምፒክ፡ ወለንተይናታትን ማሕበራት ስፖርትን፡ ሚላኖ - ኮርቲና 2026 ኣሳቲፉ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተነበን፡ ቅዱስ ኣቦና ንህዝቢ መንበረ ጳጳስ ቦርሚዮን ኣብ ምድላው ኦሎምፒክ ሚላኖ ኮርቲና ንዝነጥፉ ኩሎምን “ምዉቕን ናይ ሰናይ ትምኒትን መግለጺ ሰላምታኦም” ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ሰብ ሞያን ተልመዴንን ስፖርተይናታት ኣብ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስፖርታት ዝውድርሉ ኮይኑ ቅዱስነቶም ነዚ ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዎ ስፖርት እውን ኣድናቖቶም ገሊጾም፡ እቲ ስፖርታዊ ግጥም “ንሓቀይና ክብርታት ስፖርት፡ ማለት ፍትሓዊ ጸወታ፡ ምክብባር፡ ናይ ጋንታ መንፈስን መስዋእትን፡ ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ሓቛፍነትን ናይ ርክብ ሓጐስን ንምዕባይ ምቹእ ኣጋጣሚ ክኸውን ከም ዝኽእል” ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ንማሕበረሰባት ሰበኻታት ሰሜን ኢጣልያ “ንዅሉ ናብ ሕውነት ናይ ዝጽውዕ ክርስቶስ ህላወ ብርሃናዊ ምልክት ምእንቲ ክኾኑ” ለጋስ ክርስትያናዊ ምስክርነት ከቕርቡ ዓዲሞም፡ ኣብ መወዳእታ፡ ነቶም ኣብ 2026 ኣብ ዝካየድ ናይ ኦሎምፒክ ውድድር ስፖርት ሚላኖ ኮርቲና ንዝተሳተፉ ኩሎም፡ “ፍድፋድ ሰማያዊ በረኸት” ዝምነይ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
