ር. ሊ. ጳ.፦ ጉባኤ ካርዲናላት ብዛዕባ መገዲ ቤተ-ክርስትያን ዜስትንኑሉ እዋን እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቶም ንመጀመርታ ግዜ ፍሉይ ጉባኤኦም ንምክያድ እተኣከቡ ካርዲናላት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፣ ንቅዱስነቶም ንኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ምምራሕ ክሕግዝዎምን ኣብቲ ዘለዎም ጾር ጕስነታዊ ኣገልግሎቶም ክካፈሉን ዓደምዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መኽፈቲ ናይ ካልአይቲ መዓልቲ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቶም ምስ ቅዱስነቶም ንምምኽኻር ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ካርዲናላት ኮይኖም መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም።

ትማሊ ረቡዕ ዕለት 7 ጥሪ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ተጀሚሩ ይትከብ ኣሎ፣ ብዛዕባ "ሲኖዶስን ሲኖዶውነትን" ከምኡ'ውን "ወንጌላዊ ተልእኾ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ብብርሃን ሃሴት ወንጌል" ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ድማ ዘትዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ምስ ተጋባእቲ ካርዲናላት ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ “ሕውነታዊ ፍቕሪ” ኣብ ዝብል ፍረ ነገር ኣስተንትኖኦም ብምጅማር፣ እዚ ጉባኤ ካርዲናላት፣ ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ምግልጋል ሓድነቶም ዝገልጽ ናይ ጸጋ ህሞት ከም ዘመልክት ገለጹሎም።

እዛ “ኮንቺስቶሮ” (ጉባኤ ካርዲናላት) እትብል ቃል፣ ካብታ "ደው ምባል" ዝትርጕማ ናይ ላቲን ስርወ ቃል ከም ዝመጸት እውን ኣስተንተኑ፣ ብፁዓን ካርዲናላት ድማ ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ሮማ ንምርኻብ፣ ነቲ ልሙድ ስራሖም ኣቋሪጾም ከም ዘለዉ ገለጹ።

"ንንጥፈታትና ንእተወሰነ ግዜ ደው ኣቢልና፣ ጐይታ ንረብሓ ህዝቡ እንታይ ከም ዝደሊ ንምፍላጥ ብሓባር ተጋቢእና ንርከብ ኣሎና" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ነዚ ሃውሪ ዝመልኦ ዓለምና "ትንቢታዊ ምልክት" ቢሎም ብምጽዋዕ፣ ብሓባር ንምጽላይን፣ ብሓባር ንምስምማዕን፣ ሓንሳእ ደው ብምባል ኣብ ሸቶና ንኸነተኵር ይሕግዘና ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ብዓይነ ስዉርነት፣ ካብ ስጕምትታትና ከይንዕንቀፍ ይሕግዘና ኢዩ በሉ።

ካርዲናላት ዝዀነ ይኹን ውልቃዊ ወይ ሓባራዊ መደባት ኣብ ክንዲ ዘካይዱ፣ ክርስቶስ ንመደባቶም ብምጽራይ ብብርሃኑ ክልውጦም ምእንቲ፣ ምልስ ክብሉን ኣብ ብርሃን ቅዱስ ቍርባን ኬስተውዕሉን ተዓዲሞም እዮም።

"ጉባኤና ብብዙሕ ክእለትን ፍሉይ ዝኾነ ውህበታትን ሃብታም እኳ እንተ ዀነ፣ ቅድሚ ኩሉ ብክኢላታት ዝቘመ ጕጅለ ዘይኰነስ፣ ኣብቲ ነፍሲ ወከፎም ዘምጽእዎ ህያባትን፣ ናብ ጐይታ ዝቐርብዎን ናብኡ ዝመልስዎን፣ ማለት ኣብቲ ከም መደብ መለኮታዊ ሓልዮቱ ፍረ ዘፍሪ ሕብረት ኢዩ ዝጽዋዕ" በለ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ካርዲናላት፣ ነታ ኣብ ቅድስቲ ስላሴ ዘላ መለኮታዊት ፍቕሪ ክቕበሉን፣ ነዚ "ደው ናይ ምባል" ህሞት ናብቲ "ንኣምላኽን ንቤተ-ክርስትያንን ንዅሎም ሰብኡትን ኣንስትን ዓለም ዘለዎም ዓቢይ ፍቕሪ" ኪቕይርዎ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ኣብ ጸሎትን ስቕታን ንሓድሕዶም ኪጥምቱ ንሓድሕዶም ጽን ክበሃሃሉን፣ ንዅሎም እቶም ጐይታ ብሕድሪ ዝሃቦም ሰባት ድምጺ ኪዀኑን ውን ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ስለዚ እዚ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት "ኣብዚ ብጸጋ ከም ከም ዘለና መጠን ከምኡውን ካብቲ እንስከሞ ነገር ብምስትውዓልን ብትብዓትን ክንረብሓሉ ደአ ኣምበር፣ ክባኽን ከም ዘይብሉ ውህበትን ምክሊትን ከም እተቐበልዮ ብምግንዛብ ብትሕትናን ለጋስ ልብን ክነብሮ ዘሎና ተግባር ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ እቲ ቅዱስ ልዮን ዓብዪ ንክርስትያን ምእመናን ብሓደ መንፈስ ክተሓባበሩን፣ ንዝጠመዩ ክዕንግሉን ንዕሩቓት ክኸደኑን፣ ሓደ እኳ ካብ ጥቕሚ ኻልኦት ምእንቲ ኸይደሊ ንዘቕረበሎም ቃለ ምዕዳን ብምዝካር፣ ብተመሳሳሊ መንፈስ ኪተሓባበሩ ኣዘኻኸርዎም።

ቅዱስነቶም ወሲኮም፣ ነቲ "ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ጽባቐ" ቤተ-ክርስትያን ብምዝካር፣ እዚ ጉባኤ "ሓድነት ጸጋን እምነትን" ኢዩ ዝምስክር ክብሉ ገለጽዎ።

ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ካርዲናላት ድማ፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘቕረቦ ጻውዒት፣ ማለት ነቲ ኣብ መንጎ ጸበባን "ተስፋ ዝቘረጸ ህልው ባዶነትን" ንምድሓን ዝቃለሱ "ብዙሓት ጭፍራ" ደቅሰብ፣ ሰላም ክረኽቡ ዘቕረቦ ጻውዒት ከቕልቡሉ ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ እዞም ካርዲናላት ብሓባር ኪእከቡ ከለዉ፣ ብዘለዎም ዕላማ ንሓድሕዶም ኪተሓጋገዙን፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ከኣ "ኣብቲ ንውሉዶም ሓገዝ ኣብ ዚደልዩሉ ቦታታት፣ ሓልዮት ካብ ምሃብ ዘየቋርጽ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን" ኪቕበሉን ክካፈሉን እዩ ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።

"እቲ ኣብ ኣገልግሎትኩም፣ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ንቤተ-ክርስትያን እትህብዎ ነገር ዓብዪን ኣዝዩ ብሕታውን ዓሚቝን ኮይኑ፣ ንነፍሲ ወከፍኩም ፍሉይ ኮይኑ ንዅላትኩም ከኣ ክቡር እዩ" በሉ። "እቲ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እትካፈልዎ ሓላፍነት ከአ ከቢድ ጾር እዩ" በሉ።

ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ንካርዲናላት ስለቲ ዝልግዎ ዘለዉ ኣገልግሎቶም ኣመስገንዎም፣ ብሓባር ድማ ንዕዮኦም ናብ ጐይታ ብሕድሪ ኣወፈይዎ።

08 Jan 2026, 12:02