ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ዓቢይ ንጉሳዊ ልኡል ሉሰምበርግ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 23 ጥሪ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ዓቢይ ልኡል ሉሰምበርግ ምስ በዓልቲ ቤቱ ዓባይ ልእልቲ ስቴፋኒ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 23 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንጉሳዊ ዓቢይ ልኡል ጊላም 5ይን በዓልቲ ቤቱ ዓባይ ልእልቲ ስቴፋኒ ሉሰምበርግን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ፡ ዓቢይ ልኡል ጊላም ሓምሻይ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸበን፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ርክብ እዚ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሉሰምበርግን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ከም እተሰመረሉን፡ ከም ማሕበራዊ ምትእስሳር፡ ትምህርቲ መንእሰያትን ምሕላው ክብሪ ህይወትን ሰብኣዊ ክብርን ዝኣመሰሉ ናይ ሓባር ረብሓ ዝብሉ ጉዳያት” ዘጒልሐ ምንባር ኣመላኺቱ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ እዋናዊ ኣህጉራዊ ጉዳያት ብፍላይ ንኹነታት ኤውሮጳ ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡ ኣፍሊጡ።
24 Jan 2026, 16:04
