ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ወርሒ ጥሪ ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ “ብቓል ኣምላኽ ምጽላይ”
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሓድሽ ዓመት በቲ “ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸልይ” ብዝብል መጸውዕ ዝቐረበ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክትጽበሮ ዝዕድም “ምስ ር.ሊ.ጳ. ጸልይ” ሓድሽ ተበግሶ ተደጊፎም ናይ ወርሒ ጥሪ 2026 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ ብዓለም ሓቆፍ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት መርበብ ኣቢሎም ከም ዘቕረቡን “እዚ ‘ምስ ር.ሊ.ጳ. ጸልይ’ ዝብል ሓድሽ ተበግሶ’ዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ብዝበለጸ ኣብቲ ናይ ቅዱሰneቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘቕርብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክጽምበሩ ንምንቕቓሕ፡ ብፍላይ ኣብዚ ናይ ሎሚ ብስነ ኣሃዝ ኣዚዩ ዝምዕብል ዘሎ ዓለም፡ ንጸሎት ዝምችእ ቋንቋ ብምጥቃም፡ ርኡይነት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸሎት ንምዕባይ ዝዓለመ’” ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የረጋግጽ።
ቃል ኣምላኽ 'ኣብ ጸልማት ተስፋ' እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 በቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተደገፈ ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ብምስማዐ ርእየት ኣቢሉ ዘመሓላልፎ ብዝበለጸን ብኹሉን ካቶሊክ ምእመን ተበጻሒ ክኸውን በቲ “ምስ ር.ሊ.ጳ. ጸልይ” ዝብል ሓድሽ ተበግሶ ተደጊፉ ኣብ ዝዘርገሖ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ጥሪ “ምእመናን ብዘይ ምቁራጽ “ብቓል ኣምላኽ ክጽልዩ” ይዕድሙ።
ነቲ ዕረፍቲ ዘይብሉን ትርጉም ዝጠመየን ልቢ ወዲ ሰብ ሰላምን ምልኣትን ክህቦ ዝኽእል ወንጌል ጥራይ እዩ እንክብሉ ናይ ዓለም ሓቆፍ መርበብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ዋና ሓላፊ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ክሪስቶባል ፎነስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብሪሆም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ "መንፍሳውነት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምስ ክርስቶስ ንምርኻብ ሓለፋ ዘለዎ ስፍራ እዩ" “ብቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣቢልና መዓልታዊ ድምጽኻ ክንሰምዕ፡ ብድምጽኻ ክንብዳህ፡ ውሳኔታትና ድማ ካብ ቅርበት ልብኻ ከነስተውዕል ምሃረና” ዝብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ወርሒ ጥሪ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣስዒቦም፡ ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ “ኣብ ድኻም መግቢ፡ ኣብ ጸልማት ተስፋ፡ ኣብ ማሕበረሰባትና ድማ ሓይሊ” ይህብ እንክብሉ የረጋግጹ። ኩሎም ክርስቲያን ካብ ቃል ኣምላኽ ሓይልን መምርሕን ክረኽቡን ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ግዜ ብሓጎስ ወንጌል ክትእውጅን ድማ ይጽልዩ። “ብቃልካ ምሳኻ ብምርኻብ እምነትና ይዓቢ” ብምባል፡ቃልካ “ንኻልኦት ክንበጽሕ፣ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ከነገልግል፣ ይቕረ ክንብል፣ ድልድል ክንሃንጽን ሕይወት ክንእውጅን ካብ ልቢ ዘንቀሳቕሰና” እዩ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ይዛዝሙ።
