ር. ሊ. ጳ.:- ኣዋጅ ናይ ክልተ ሓደስቲ ብፁዓንን 4 ኣገልገልቲ እግዚኣብሔርን ኣጽዲቖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ሓሙስ ዕለት 22 ጥሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ብፁዕ ካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣዋጅ ቅድስትና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ተራኺቦም፣ ናይ ክልተ ሰባት ኣዋጅ ብፅዕናን፡ ናይ ኣርባዕተ ሓደስቲ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔርን ዝሓዘ ሰነድ ኣዋጅ ብፅዕና ክሕተም ፈቒዶም።
እቲ ኣዋጃት ንሰማእትነት ክቡር ኣባ ኣጉስቶ ራፋኤል ራሚሬዝ ሞናስቴሪዮ ካህን ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ፍራንቸስኮን ከምኡውን ናይ መስራቲት ማሕበር ደናግል ኦርሰሊነ ዘቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዝኾና ክብርቲ እናቴ ማሪያ ኢኛዚአ ኢሳኪ ብምላድነተን ዝገበራኦ ተኣምራት ኣፍልጦ ብምሃብ፤ ናይ ክልቲኦም ብፅዕና ክዕወጅ ፈቒዶም።
ብተወሳኺውን ናይቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ክብሃሉ ዘለዎም ኔሪኖ ኮቢያንቺ ዝስሙ ምእመንን ከምኡውን እናቴ ክሮሲፊሳ ሚሊተርኒን፡ እናቴ ማሪያ ጂሰልዳ ቪሌላን፡ እናቴ ማሪያ ተክላ ኣንቶንያ ረሉቸንቲን ዝቐረበሎም ሰነዳት ይኹንታ ሂቦምሉ።
ጓቲማላዊ ካህን ሰማእት
ኣባ ኣጉስቶ ራፋኤል ራሚረዝ ሞናስተሪዮ ብዕለት 5 ሕዳር 1937 ኣብ ከተማ ጓቲማላ ካብ ሓደ ዓብዪን መንፈሳውን ካቶሊካዊ ስድራ ቤት ተወልደ።
ምንኩስናዊ ጸዋዕታኡ ድሕሪ ምምማይ ኣብቲ ኣብ ጁሚላ ስጳኛ ዝርከብ ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ፍራንቸስካውያን ኣተወ፣ ኣብኡ ድማ ፍልስፍናን ስነ-መለኮተን ተማህሪ ምስ ወድአ ብዕለት 18 ሰነ 1967 መዓርገ ክህነት ተቐበለ።
ብ1978 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ኣንቲጉዋ ጓቲማላ ኣብ ዝርከብ ቍምሳን ደብረ ቀዱስ ፍራንቸስኮ ዘግራንዴ ቆሞስ ኮይኑ ኣገልገለ፣ እታ ሃገር ብውግእ ሓድሕድ ኣብ እተበታተነትሉ እዋን ድማ ንሕዋርያዊ ጉስነት እቲ ሰበኻን ንድኻታትን መጽለሊ ዘይብሎም ሰባት ብተዋፋይነት ኣገልገለ።
ብዕለት 2 ሰነ 1983 ዓ.ም. ኣብ ማእሰርቲ ኣትዩ ድሕሪ ምስቓይ ተፈትሐ፣ እንተዀነ ግን ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ቍጽጽር ኢዩ ዝንበር ዝነበረ፣ ብዙሕ ናይ ሞት ምጕብዕባዕ ድማ ኣጋጠሞ።
ብዕለት 7 ሕዳር 1983 ዓ.ም. እንደገና ብወተሃደራት ተታሒዙ ናብ ወሰናስን እታ ኸተማ ተወሲዱ ተቐትለ። እዚ ኣዋጅ ሰማእትነቱ ብሰንኪ እምነቱ ከም እተቐትለ ኣፍልጦ ዝህብ ድማ እዩ።
ኢጣልያዊት ጠቕላሊት ሓለቓ ማሕበር ኣሓት ኦርሰሊን ዘሶማስካ
እናቴ ኣንጄላ ካተሪና ስመ ጥምቀታ ማሪያ ኢግናዝያ ኢሳቺ ብዕልት 8 ግንቦት 1857 ዓ.ም. ኣብ ስቴዛኖ ንኡስ ዞባ በርጋሞ ኢጣልያ ተወልደት፣ ጓል ዕስራ ዓመት ምስ ኮነት ድማ ናብ ማሕበር ኣሓት ደናግል ኦርሰሊን ዘሶማስካ ኣተወት።
ጥቕላሊት ሓለቓ ማሕበር ምስ ተመርጸት፣ ገዳም ጠቕላሊት ሓለቓ ማሕበር ናብ ኣሶላ ኣግዓዘቶ ክሳዕ 1924 ዓ.ም. ድማ ብምኽንያት ኩነታት ጥዕና ካብ ስልጣና ኽትሰናበት ተገደደት። ይኹን እምበር "ናይ ምሉእ ህይወት፡ ናይ ክብሪ ጠቕላሊት ሓለቃ (ad honorem)" ዚብል መዓርግ ተዋህባ።
ብዕለት 19 ነሓሰ 1934 ዓ.ም. ኣብ ሴሪያት ብሰላም ዓረፈት፣ ብ2022 ዓ.ም. ድማ ኣገልጋሊት እግዚብሔር ተባሂላ ተኣወጀት።
ብ1950 ዓ.ም. እናቴ ማሪያ ኣሱንታ ዛፐላ ብምኽንያት "ዓባይ ሰዓል ክለዓል ዝኽእል ብሕማም መዓናጡ" ብከቢድ ቃንዛ ትሳቐ ዝነበረት፣ ብኣማላድነታ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዝሓወየት ተምስከረላ።
ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ጸሎት ታስዕቲ ናይዛ ድንግል ብሃንደበት ጽቡቕ ተሰምዓ። ንጽብሒቱ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ኤክስ-ሬይ መርመራ፣ ካብቲ ሓማማ ከም ዝሓወየት ትራእየ፣ እቶም ዝከናኸንዋ ዝንበሩ ሓካይም ከኣ ዘይተጸበይዎ ሃንደበታዊ ምምሕያሽ ከም ዝተበረት ኣስተብሃሉ፣ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ከኣ ቅልጡፍ ዕቤት ከም ዝገበረትን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሓወየትን ገለጹ።
ሓደስቲ ኢጣልያውያንን ብራዚላውያንን ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር
ትማሊ ሓሙስ ኣገልጋሊ እግዚብሔር ተባሂሉ እተኣወጀ ኔሪኖ ኮቢያንኪ፣ ብዕለት 25 ሰነ 1945 ኣብ ኣውራጃ ፓቪያ ኢጣልያ ካብ ዓሚቝ መንፈሳውነት ዝንበሮም ሓረስቶት ስድራ ቤት ተወልደ።
ብ1974 ዓ.ም. ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ሲላቬግና ምስ ገዓዘ ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝርከብ ቍምስና ተጸምበረ፣ ንኣገልግሎት መንእሰያት ድማ ርእሱ ወፈየ፣ ሓደ ኻብቶም መስረትቲ ጕጅለ ስካውት ድማ ኰነ።
ደድሕሪ እቲ ብ1980 ዓ.ም. ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፣ ኢርፒንያ ጕጅለታት ጸሎት ወዲቡ ከም ወለንተይና ብምዃን ኣገልገለ፣ ናብ ካልኦት ሃገራት ዞባ ሳሄል ብምውፋር ድማ ብዙሕ ናይ ግብረ ሰናይ ተበግሶታት ኣካየደ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1996 ዓ.ም. ሕማም መንሽሮ ጣፍያ ከም ዘለዎ ምስ ተፈልጠ፣ ክሳዕ እቲ ብዕለት 3 ጥሪ 1998 ካብ ድኻም እዛ ዓለም ዝዓርፈሉ ዕለት ኣገልግሎታቱ ቐጸለ።
ህይወቱ ኣብ ጽኑዕ እምነት እተመስረተ ጽዑቕ ናይ ግብረ ሰናይ ንጥፈታት እዩ ዝንበረ፣ ብጸሎትን ብመዓልቲ ተሳትፎ መሥዋዕተ ቅዳሴን፣ ብንባብ ቅዱስ መጽሓፍን፡ ጸሎተ መቝጸርያ ብምድጋም ዚምገብ እዩ ዝንበረ።
ክሮቺፊሳ ሚሊተርኒ (ስመ ጥምቀታ ተሬሳ) ብዕለት 24 ታሕሳስ 1874 ዓ.ም. ኣብ ኢጣልያ ኣብ ካላብሪያ ኣብ እትርከብ ከተማ ሴትራሮ ተወልደት፣ ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ድማ ንመንእሰያት ብጸሎትን ብሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ናይ ምስዓብ ሓያል ዝንባለ ኣርኣየት።
ኣብ ምምስራት "ልዕልቲ ማፋልዳ" ዝተሰምየ መዋእለ ሕጻናት ዓቢይ ኣበርክቶ ገበረት፣ ንሕሙማት ንድኻታትን ንኣረጋውያንን ኣብ ምክንኻን፣ ንዝሞቱ ሰባትን ኣብ ምሕጋዝ ድማ ገዛእ ርእሳ ኣወፈየት።
ትሕትን ካብ ስጋዊ ነገራት ዝረሓቐትን ብምንባራ፣ ነቲ ብሰንኪ ኸቢድ ጸገማት ጥዕና ዘጋጠማ ስቓይ ብህድኣት ተቐበሎቶ፣ ብዕለት 25 መጋቢት 1925 ድማ ብሰላም ካብ ድኻም እዛ ዓለም ዓረፈት።
ብዕለት 12 ጥሪ 1909 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል እተወልደት፣ ማሪያ ጊሰልዳ ቪላ ብሕማም ዝኸበደ ናብራ ትነብር ነበረት፣ ናይ ኣብ ፑሶ ኣሌግረ አነበረ ማሕበር ቀርሜሎሳዋን ደናግል ድማ መምህረ ገዳም ኮነት።
ብምኽንያት ምቕሉል ኣቀባብላኣን ሕያውነታን ድማ Mãezinha ("ንእሽቶ ኣደ") ተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት፣ ንብዙሓት ከአ ከም መንፈሳዊት መወከሲ ነበረት።
ኣብ ዕጽው ገዳም ትነብር እኳ እንተ ነበረት፣ ነቶም ምጽንናዕ ወይ ምኽሪ ደልዮም ናብቲ ገዳም ንዚዅሕኵሑ ዝንበሩ ሰባት ብምቕባል፣ ንዓለም ብኸመይ ከም ክፍቲ ክትከውን ከም እትኽእል ትፈልጥ ነበረት።
ብዕለት 20 ጥሪ 1988 ኣብ መለኮታዊ ሓልዮትን ዓብዪ እምነትን ምስክርነትን ብምርዐይ ብሰላም ናብ ሰማያዊ ቤት ኣቦ ተሳገረት።
ማሪያ ተክላ ኣንቶንያ ረሉቸንቲ ብዕለት 23 መስከረም 1704 ኣብ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣስኮሊ ፒሴኖ ተወልደት፣ ንማሕበር ኣሓት ደናግል ሰብ ዕዮ ዘንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ናይ ምምስራት ውጥን ውን ሕራይ ቢላ ተቐበለት፣ ብዕለት 8 ታሕሳስ 1744 ድማ ንምሉእ ህይወታ ጠቕላሊት ሓለቓ ማሕበር ኮይና ተሾመት።
ንሥነ ትምህርትን ሥነ መዕበያን ድማ ገዛእ ርእሳ ወፈየት፣ ቅዋም ማሕበር ኣብ ምድላው ተሓባበረት፣ ብዕለት 11 ሓምለ 1769 ብሰላም ናብ ሰማያዊ ቤተ ተሳገረት፣ ብጽኑዕ እምነታን ዝለገሰቶም መንፈስ ልግስን ድማ ክትዝከር ትርከብ።
