ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ ካቶሊካዊ ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ናብ ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ዝወስድ መንገዲ የርኢ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳሳዊ ትካል ምእተ ኣመት - Centesimus Annus Pro Pontifice Foundation ዋዕላ ዞባ ኤውሮጳ 2026 ዓርቢ ዕለት 23 ጥሪ ኣብ ሉሰምበርግ ከም ዘካየደ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተብሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ "ኣብ ኤውሮጳ ሰላም ምህናጽ ንማሕበራዊ ኣተሓሳስባ ካቶሊክን ኣድማሳዊ ክቡራት ዋጋታትን እንታይ ግደ ኣለዎን?" ዝብል ናይቲ ዋዕላ መርሕ ቃል ንኢዶም፡ እዚ መርሕ ቃል እዚ ብፍላይ ኣብዛ ሕብረተ - ሰብ ብዛዕባ እቲ ብሃይማኖት ዝቐረበ ኣድማሳዊ ክቡራት ዋጋታት ንረብሓ ሓባራዊ ጥቕሚ ዘለዎ ኣበርክቶን ንዘተ ተቓውሞ ኣብ ዝረኣየላ ዓለም ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ተቓውሞ እዚ ብእተፈላለየ ምኽንያታት ዝለዓል እኳ እንተዀነ፡ እቲ መሰረታዊ ቅልውላው ግን ተዛማድነት ምዝርጋሕን ሓቂ ናብ ርእይቶ ምውራድን ኢዩ" እንክብሉ ኣስሚሮም፡ "ንስርዓታቱን ክቡራት ዋጋታትን ዝገልጽ ሓባራዊ ሓቅታት ከይሃለወ ብሰላም ክነብርን ምምዕባልን ኣይክእልን ኢዩ።" ሰብ ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ከም እተፈጥረ ኣዘኻኺሮም፡ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይ ኣብቲ ምእተ ኣመት - Centesimus Annus ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝበልዎ፡ "ነቲ ሓቂ ናይ ምፍላጥን በቲ ሓቂ ተሰማሚዕካ ናይ ምንባርን ባህርያውን መሰረታውን መሰል ብዘይ ምኽባር ናይ ሓቂ ዕቤት ክግበር ኣይከኣልን" እዩ እንክብሉ የስተብህሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ዝገለጽዎ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ገዛእ ርእሱ መንገድን ሓቅን ህይወትን ገይሩ ኣብ ዝለገጸ ኢየሱስ ክርስቶስ ቃላትን ተግባራትን እተመስረተ እዩ” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ እቲ ናይ ቤተ - ክርስትያን ስልጣናዊ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ፡ “ካብ ዶባት ወጻኢ ብምኻድ፡ ንሓባራዊ ረብሓታትን ኣገባብ ኣነባብራን መድረኽ ዝፈጥር ኮይኑ፡ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ተኻኣሊ ምዃኑ ዘረጋግጽ ዝልግሶ ነገር ኣለዎ - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እቲ ኣብ ሉሰምበርግ ዝካየድ ዋዕላ ንኣውሮጳ ዓሚቝ ክርስትያናዊ መበቈል ንምዝኽኻርን "ዝያዳ ሰላማውን ፍትሓውን ኣህጉር ኤውሮጳ ኣብ ምህናጽ" ናይ ካቶሊክ ክቡራት ዋጋታት ዘለዎ ግደ ንምድንፋዕ ኣበርክቶ ከም ዝገብር” ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
