ድለ

ር.ሊ.ጳ. ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙሓን፦ ንዕርቅን ምፍታሕ ኣጽዋር ልብን ድምጺ ዘጒልሕ ይኹን ር.ሊ.ጳ. ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙሓን፦ ንዕርቅን ምፍታሕ ኣጽዋር ልብን ድምጺ ዘጒልሕ ይኹን  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙሓን፦ ንዕርቅን ምፍታሕ ኣጽዋር ልብን ድምጺ ዘጒልሕ ይኹን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 21 - 23 ጥሪ ኣብ ሉርድስ ናብ ዝካየድ ዘሎ መበል 29 ሕታም መዓልታት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘሳለስ ናብ ፈደራላዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን ፈረንሳ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ ሃገረ ቫቲካን

ኣብዛ ብፍልልያትን ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን እትልለይ ዓለም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝሰርሑ ንዛንታ ናይቶም ዝሳቐዩን ንሰላም ዝሰርሑን ሰባት ቦታ ክህቡ ኣተሓሳሲቦም ቅዱስነቶም ኣብቲ ዕለት 21 ጥሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ፈደራላዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን - Fédération des Médias Catholiques ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ “ ዘራእቲ ሰናይ ቃላት፡ ንልቢ ጽልእን ጽንፈይናነትን ብትብዓት ዕርቂ ዝደልዩ ድምጽታት ክትኮኑ እላቦ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “ኣብዚ ዝተበታተነን ዝውልትውን ዓለም፡ እቶም ድኹማት፡ ዝተገለሉ፡ ኣብ ጽምዋ ዝርከቡ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ካብ ምፍቓሮም ሓጎስ ዝስምዖምን፡ ዘሕልፍዎ ሕይወት ዘቃልቡ ኣንቴናታት ኩኑ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

እዚ መልእኽቲ ብምኽንያት እቲ ካብ ዕለት 21 - 23 ጥሪ ኣብ ሉርድስ ዝካየድ መበል 29 ሕታም መዓልታት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘሳለስ ዝተላእከ ኮይኑ፡ ዓመት መጸ ፈደራላዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን ዘዳልዎ ዓውደ ርክብ ከም ዝኾነን፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ጋዜጠይናታት ዘሳትፍ ብዛዕባ ተልእኾ ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙሃን ዘስተንትን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መልእኽቶም፡ “ነዚ ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝተለለየ ዘመን - ኣብ ዓውዲ ርክብ ሓዊስካ - ንምግጣም፡ ናብ ምኽንያታት ልቢ፡ ናብ ማእከልነት ሰናይ ዝምድናታትን ናብ ካልኦት ቀረባ ናይ ምዃን ክእለትን ምምላስ ህጹጽ እዩ” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ እዚ ድሌት እዚ ኣብቲ "መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊክ ንዅሉ ሰብ እንኮላይ ነቶም ዘይኣምኑ እውን ከይተረፈ ሓቂ ኣብ ምግልጋል ክህብዎ ዝኽእሉ መልሲ" ክረክብ ከምዝኽእል እውን ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክንስዕቦ ዘለና ኣብነት፡ ኣባ ዣክ ሃመል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ኣብ 2016 በቶም ምስቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ምስ ዝሰመየ ምትእስሳር ብዝነበሮም ኣሸበርቲ ዝተቐትሉ ፈረንሳዊ ካህን ኣባ ዣክ ሃመል ንካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ከም ምንጪ መተባብዒ እንክብሉ ገሊጾም፡ ፈደራላዊ ማሕበር ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ብስም እቶም ዝተቀትሉ ኣባ ሃመል ዝቆመ በብዓመቱ ነቶም ብስራሖም ሰላምን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘተን ዘተባብዑ ጋዜጠይናታት ከም ዝወሃብ ቅዱስነቶም ዘኪሮም፡ ኣባ ሃመል እምነቶም ህይወትካ ኣሕሊፍካ ክሳብ ምሃብ ዝመስከሩን ወትሩ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ዝግበር ዘተ ዝኣምኑ ከምዝነበሩ ብምምልካት፡ "ኣባ ሃመል ብዘይ ገለ ፍልልይ ንኻልኦት ቀረባ ምዃን ምፍላጥ ህጹጽ ምዃኑ ይኣምኑ ነይሮም፡ ንሓድሕድና ክንፋለጥ በቲ ፍልልያትና ከይፈራህና ብመንነትናን በቲ እንኣምነሉ ነገራትን ብድሆታት ንኽንራከብ ድሉዋት ክንከውን ኣሎና - ቢሎም - "ኣብነቱ ኣብቲ ንዅሉ ነገር ዝገልጽ ፍቕሪ፡ ደለይቲ ሓቂ፡ ኣንጠረይናታት ናይቲ ንኹሉ ዝሓቁፍን ነቲ እተሰብረ ብሓባር ከጣምር ዚኽእል ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንቝስሊ ደቂ ሰብ ዚኸውን ፈውሲ ኽትኰኑ የተባብዓኩም” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 Jan 2026, 15:11