ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ቃል ኣምላኽ ንህላወና ዝመርሕ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሳዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፣ ብዛዕባ መለኮታዊ ግልጸት ክፍሊ ዶግማዊ ቅዋም “ቃል እግዚኣብሔር” (Dei Verbum) ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣስተንትኖ፣ ኣብ መንጎ ቅዱሳት መጻሕፍትን ቅዱስ ትውፊትን ዘሎ ጥብቕ ርክብ ኣስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዘካየድዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ "'ማዕከን' ቃል ኣምላኽ ገና ኣብ ኢድ ቤተ-ክርስትያን እዩ ዘሎ፣ ኵላትና ድማ ኣብ እተፈላለየ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣገልግሎታትና ከም መሪሕ ኰዀብ ገርና፣ ብምልኣት ምዕቃቡ ክንቅጽል ኣሎና" ክብሉ ተላበው።

 

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና፣ ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ነቕርበልኩም።

ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ 28-01-2026

 ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ መዓልቲ!

ብዛዕባ መለኮታዊ ግልጸት ዝገልጽ ንባብ ናይ ጉባኤያዊ ቅዋም ዝኾነ “ቃል እግዚአብሔር” (Dei Verbum) ብምቕጻል፣ ሎሚ ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ቅዱሳት መጻሕፍትን ቅዱስ ትውፊትን ዘሎ ርክብ ከነስተንትን ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ ክልተ ናይ ወንጌል ክፍልታት ከም ድሕረ-ባይታ ናይዚ ኣስተንትኖና ጌርና ኽንወስድ ንኽእል ኢና። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዝገለጾ ኪዳን "ገና ምሳኻትኩም ከሎኹ እዚ ነገራት እዚ ነገርኩኹም። እቲ ኣቦይ ብስመይ ዝሰዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ፥ ንሱ ንዅሉ ኪምህረኩም፣ ነቲ ኣነ ዝነገርኩኹም ዘበለ ኩሉውን ኬዘክረኩም እዩ። . . . መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ናብ ኵሉ ሓቂ ኺመርሓኩም እዩ" (ዮሓ 14፡25-26፣ 16፡13)።

እቲ ካልኣይ ክፋል ድማ ናብ ኵድዅዶታት ገሊላ እዩ ዝወስደና። እቲ ካብ ሞት ዝተንስአ ኢየሱስ ነቶም ብኣኡ እተገረሙን ዝጠራጠሩን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ኣርኣዮም፣ ከምዚ ክብል ድማ ተላበዎም፦ "ስለዚ ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም. . . ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ክሕልዉ ድማ ምሀርዎም" (ማቴ 28፡19-20)። ኣብ ክልቲኡ እዚ ክፍልታት ወንጌል እዚ፣ ኣብ መንጎ እቲ ክርስቶስ ዝበሎ ቓላትን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት እዞም ሓዋርያዋርያት ዝዘርእዎ ቃልን ዘሎ ጥብቕ ምትእስሳር ንጹር እዩ።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሓደ ዜነቓቕሕ ምሳሌ ብምጥቃም "ኣብ መንጎ ቅዱስ ትውፊትን ቅዱሳት መጻሕፍትን ጥብቕ ምትእስሳርን ርክብን ከም ዘሎ ይገልጸልና። ክልቲኦም ካብ ሓደ መለኮታዊ ምንጪ ዝውሕዙን፣ ብሓደ መገዲ ናብ ሓድነት ዝጽምበሩን፣ ናብ ሓደ ዕላማ ድማ ዝጕዓዙን ኢዮም" (DV 9) ክብል ይገልጸልና። ትውፊት ቤተ ክርስትያን ኣብ መላእ ታሪኽ፣ ብቤተ ክርስትያን ኣቢሉ እዩ ዝዝርጋሕ፣ ንሳ ድማ ንቃል ኣምላኽ እትዕቅብን እትትርጕምን እትገልጽን እያ። መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተተክርስቲያን (ቁ. 113) ኣብዚ መዳይ እዚ ሓደ ብሂል ኣበው ብምጥቃስ፣ "ቅዱሳት መጽሕፍቲ ኣብ ሰነዳትን መዛግብትን ዘይኰነስ፣ ብቐንዱ ኣብ ልቢ ቤተ-ክርስትያን ኢዮም ተጻሒፎም"፣ ቅዱስ መጽሓፍ ማለት ድማ እዚ ኢዩ።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ቃላት ክርስቶስ ኣብ ግምት ብምእታው፣ "እቲ ካብ ሓዋርያት እተቐበልናዮ ትውፊት ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይምዕብል"(DV 8) ይብለና። እዚ ድማ "ብኣስተንትኖን መጽናዕትን ምእመናን" ኢዩ ዝፍጸም፣ "ነቲ ዝረኽብዎ መንፈሳዊ ሓቅታት ድማ ዓሚቝ ምርዳእ ከም ዝህልዎም ይገብሮም፣" ልዕሊ ዅሉ ድማ ብስብከት ናይቶም "ንኣማናዊ ውህበት ሓቂ" እተቐበሉ ተካእቲ ሓዋርያት ምሉእ ብምሉእ ይፍጸም። ብሓጺሩ "ቤተ-ክርስትያን ኣብ ትምህርትታታን ህይወታን ሥርዓተ ኣምልኾኣን፣ ነቲ ዘለዋ ዘበለ ዅሉን፡ ነቲ እትኣምኖን ዘበለትን ንውሉድ ወለዶ ተመሓላልፎን ተወፍዮን ኣላ" (ibid)።

ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እቲ ህቡብ ብሂል ቅዱስ ጎርጎሬዎስ ዓብይ፣ "ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብቶም ዜንብብዎም ሰባት ይዓቢ እዩ" ዚብል መግለጺ ክጥቀስ ይከኣል። ቅዱስ  ኣጐስጢኖስ ድማ "ብቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝግለጽ ሓደ ቃል ኣምላኽ ጥራይ እዩ፣ እቲ ኣብ ከናፍር ብዙሓት ቅዱሳን ዝስማዕ እውን ንሱ እዚ ሓደ ቃል ጥራይ ኢዩ" በለ። ስለዚ ቃል ኣምላኽ ኣሰር-ታሪኽ ዘይኰነስ ኣብ ትውፊት ዝምዕብልን ዝዓብን ህያውን ነባርን ክውንነት እዩ። ሳላ መንፈስ ቅዱስ፣ ትውፊት እቲ ሃብታም ሓቅነቱ ርዱእን፣ ኣብቲ ዝቀያየር ኣተሓሕዛ ታሪኽ ዘንጸባርቕን ይኸውን።

ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ሊቅ-ቤተክርስትያን ዝኾነ ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን፣ ኣብቲ “ምዕባለ ክርስቲያናዊ ሰረተ-እምነታዊ ትምህርቲ” (The Development of Christian Doctrine) ዘርእስቱ መጽሓፉ ዘቕረቦ ሓሳብ ዘደንቕ እዩ። ክርስትና ከም ሓባራዊ ተመክሮን ከም ሰረተ-እምነትን መጠን፣ ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ኣብ ምሳሌ ናይቲ ዘራኢ ዝገለጾ፣ ተለዋዋጢ ክውንነት ምዃኑ ኣረጋገጸ (ማር 4፡26-29)፤ ስለዚ ትውፊት ሳላ ውሽጣዊ ህያው ዝኾነ ሓይሉ ዝምዕብል ህያው ክውንነት እዩ።

ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ወደ መዝሙሩን ተሓባባሪኡን ዝነበረ ጢሞቴዎስ "ኦ ጢሞቴዎስ ነቲ ብሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ" ክብል ብተደጋጋሚ ተማሕጸኖ (1ጢሞ 6፡20፣  2ጢሞ 1፡12-14)። እዚ ዶግማዊ ቅዋም (Dei Verbum)፣ ነዚ ጽሑፍ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ እንከቃልሕ ከምዚ ይብል፦ "ቅዱስ ትውፊትን ቅዱሳት መጻሕፍትን፣ ሓደ ቅዱስ ማዕከን ቃል  ኣምላኽ ኮይኑ ንቤተ-ክርስትያን እተዋህበ እዩ"፣ እዚ ድማ በቲ "ህያው ዝኾነ ስልጣነ ኣስተምህሮት ቤተክርስቲያን፣ ናይቲ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዓዪ" (ቁ. 10) ይትርጐምን ይግለጸን። እዚ "መኽዘን" ዝብል ቃል፣ መበቆላዊ ትርጕምን ሕጋዊ ባህርይን ዘለዎ ኢዩ፣ ኣብ መኽዘኑ ነቲ ትሕዝቶ ናይ ምዕቃብን ከይተበላሸወ ናይ ምትሕልላፍን ግዴታ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ቃል እዩ።

"ማዕከን" ቃል ኣምላኽ ሕጂውን ኣብ ኢድ ቤተ-ክርስትያን እዩ ዘሎ፣ ኵላትና ድማ ኣብ እተፈላለየ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣገልግሎታትና፣ ከም መሪሕ ኰዀብ ናይቲ ኣብ ሕልኽላኻት ታሪኽን ህላወን እንገብሮ ጕዕዞ፣ ምልኣቱ ንምዕቃብ ክንቅጽል ኣሎና ።

ኣብ መደምደምታ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱሳት መጻሕፍትን ቅዱስ ትውፊትን ዘሎ ሓድነት ክብ ዘብሎ ቃል እዚ ሰነድ ጉባኤ ቫቲካን፣ “ቃል እግዚአብሔር” (Dei Verbum) ደጊምና ንስማዕ "ኣዝዩ እተኣሳሰረን እተጻመረን ካብ ምዃኑ እተላዕለ፣ ከም እቲ ሓደ ብዘይ እቲ ካልእ ደው ክብል ዘይክእል ... ክልቲኦም ብሕብረትን፤ ነፍሲ ወከፎም በብመገዶምን፣ ኣብ ትሕቲ ተግባር እቲ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ንድሕነት ነፍሳት ብውጽኢታዊ መገዲ ኣበርክቶ ዝገብሩ እዮም" (ቁ. 10)።

28 Jan 2026, 15:25