2026.01.19 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ፊንላንድ  ኣብ ተስፋ ናይ ዝተመስረተ ኤቍመናዊ ምትሕብባር ኣብነት 2026.01.19 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ፊንላንድ ኣብ ተስፋ ናይ ዝተመስረተ ኤቍመናዊ ምትሕብባር ኣብነት  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ፊንላንድ ኣብ ተስፋ ናይ ዝተመስረተ ኤቍመናዊ ምትሕብባር ኣብነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 20 ጥሪ ኣብ ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስቲያን ካልኣይ መዓልቲ ምስ ፊንላንድ ኤቍመናዊ ልኡካን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ኣብ ፊንላንድ ኣብ መንጎ ሉተራን ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ማሕበረሰባት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምትሕብባር ይንእዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 20 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ፊንላንድ ኤቍመናዊ ልኡኽ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ‘ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስቲያን’ ተራኺቦም፡ ነቶም ናይ ሉተራን ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ወከልቲ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቢሎም ዕለት 20 ጥሪ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ሄንሪክ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ሊቀ ጳጳሳት ሉኦማ መበል 750 ዓመት ዝኽሪ ርእሰ ሰበኻታት ቱርኩ ብምዝካሮም  ድማ ኣመስጊኖም፡ ናይ ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስትያን "ከምቲ ንሓንቲ ተስፋ እተጸዋዕኩምዎ ሓደ ሰብነት ሓደ መንፈስ ኣሎ” (ኤፌ. 4, 4) ዝብል መርሕ ቃል እንከሰንትኑ፡ ተስፋና ኣብቲ "ንሕድገት ሓጢኣት ኣብ ዝኾነ ሓደ ጥምቀት" ሱር ዝሰደደ ናይ ሓባር ክርስትያናዊ እምነትና ዝቖመ ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ድማ "ሱር ኩሉ ክርስትያናዊ ሕውነት" እዩ እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ሎሚ ብዙሓት ሰባት "ብናይ ተስፋ ምቑራጽ ስምዒት ይፍተኑ" ከምዘለዉ ኣጒሊሖም፡ ከም ክርስትያን "ከም ክርስትያን ልኡኻት ተስፋ መጠን ብርሃን ጐይታ ናብቲ ዝጸልመተ ኩርናዓት ዓለምና ንምብጻሕ ኣገዳሲ ተልእኾ ኣሎና - ዋላ እኳ ኢዮቤል ተስፋ እንተተዛዘመ፡ "ክርስትያናዊ ተስፋና መወዳእታን ደረትን ከምዘይፈልጥ" ኣስሚሮም፡ ንኹሎም ክርስትያናት ነዚ ተስፋ እዚ ብቓላት ጥራይ ዘይኮነስ “ብግብረ ሰናይ" እውን ክምስክሩ ኣተባቢዖም፣ ብክርስቶስ ዝደልደለ "ስጋዌ ተስፋ ንኹሉ" እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብፍሉይ ሓሳቦም ናብ ፊንላንድ ኣቕኒዖም፡ ጭቡጥ ምልክታት ኤቍመናዊ ምትሕግጋዝ እንክብሉ ነቲ ኤቍመናዊ ጉጅለ ንኢዶም፡ ፊንላድ "ኤቍመናዊ ኣብነት" ምዃና ሓጎሶም ገሊጾም፡ ነቲ "ናይ ተስፋ፡ ክብርን ርህራሄን ባህሊ" ንምድንፋዕ ዝግበር ኦርቶዶክሳውን ሉተራን ካቶሊክን ሓባራዊ ጻዕሪ ኣጉሊሖም፡ ስለ’ቲ "ምዕባለ መሕወዪን ናይ መወዳእታ ዕድመ ሕይወትን ክንክን ክቕጽል ኣለዎ" ዝብል ናይ ሓባር መርግጋጺ ብምምስጋን፡ ነቲ ብናይ ሃገራት ስካንዲናቭያን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጉባኤ፡ ኤቍመናዊ ኣብ ዕብየት ዝብል ሰነድ ብምጥቃስ “ኣብ ኤቍመናዊ ጉዕዞ ክቡር ምዕራፍ” ምዃኑ ድማ ገሊጾም፡ ተበግሶታት ምስቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ልምዲ ብሓባር ንምጽንባል መዓልቲ ቅዱስ ሄንሪክ ተደሚሩ "ተግባራውን ፍረ ዘለዎን ናይ ኤቍመናዊ ምትእስሳር ዘተ ምልክታት" እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣህጉራዊ ዘተ ካቶሊክን ሉተራንን ናብ ዝቕጽል ምዕራፉ ንምእታው ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ ነቶም ልኡካን ኣተባቢዖም፡ ንኣማላድነት ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ቅዱስ ሄንሪክን ኣወኪፎም፡ ብሓባር ኣቡነ ዘበሰማያት ንጸልይ እንክብሉ ዓዲሞም ድሕሪ ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት፡ እዚ ጸሎት እዚ ምልክት ናይቲ ሓባራዊ እምነትን ሕብረትን ምዃኑ ገሊጾም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

20 Jan 2026, 16:23