ር.ሊ.ጳ.፥ መናድቕን ዘይምትእምማንን ሸለልትነትን ኣብ ዝቖመሉ ደለይቲ መንገዲ ዕርቂ ኵኑ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ 1701 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀለመንጦስ መበል 11 ነቲ ሎሚ "ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትካል ከም ዘበገስዎን፡ እቲ ተቕዋም ነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን - ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ልኡካን ኮይኖን ንኸገልግሉ ዝሕረዩ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዝሓንጽ ኮይኑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀሌምንጦስ መበል 13 ልዮን መበል 12፡ ልዮን መበል 13 በነዲክት መበል 15 ከምኡውን ጳውሎስ ሻድሻይ ካህናት እንከለዉ ዝተማህሩሉ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፡ ጳጳሳዊ ዓቅለሲያዊ ተቕዋም መበል 325 ዓመት ዝኽሪ ቅዋሜኡ ኣብ ዘብዕለሉ ዕለት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንማሕበረሰብ እቲ ተቕዋም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ንኣምላኽ ስለቲ ኣብ ኣገልግሎት ር.ሊ.ጳ. ነዊሕን ፍረ ዘለዎን ታሪኽ ኣመስጊኖም፡ ብዙሓት ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ንተልእኾን ዕቤትን እቲ ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ከም ዝሓለዉን በዚ ኸምዚ ድማ ቅድስቲ መንበር ወትሩ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወኪሎም ዘገልግሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ክህልዋ ከም ዘኽኣለን ይቕጽል እውን ምህላዉ ብምዝኽኻር። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ቀቅድሚ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም Il Ministero Petrino - ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎት ብዝብል ኣርእስቲ ብኢዶም ዝጸሓፍዎ ሰነድ ዘኪሮም፡ እዚ ሰነድ እዚ ድማ እቲ ተቕዋም ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ስነ - ፍልጠት ዝለዓለ ስነ ፍልጠታዊ ስልጠናን ምርምርን ክህልዎ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ብምዝካር፡ ቅዱስነቶም ነዚ እውን ናቶም ገይሮም ዳግማይ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
"እዚ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተገብረ ተሓድሶታት ኣብ ድልዱል ስነ-ፍልጠታዊ መሰረት እተመስረተ ሕጋዊ፣ ታሪኻዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ቍጠባውን ቋንቋውን ክእለት ዘጣመረ ከምኡውን ምስ ሰብኣውን ክህነታውን ባህርያት መንእሰያት ካህናት ዘሕብር ናይ ትምህርቲ መደባት ናይ ምቕራብ ዕላማ ዘንጸባርቕ ኢዩ" ቢሎም፡ ብተወሳኺውን ንሓለፍትን ተመሃሮን እቲ ተቅዋም" መበቈልኩም ከይረሳዕኩም ለውጥታት ብምቕባል ብእምነትን ግልጽነትን ናይ ሕብረትን ምሕዳስን መገዲ" ዝስዕቡ ምዃኖም ድማ ከም ዘመስገኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣገልግሎት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሞያ ዘይኰነስ ካልኦት ፍላላይ መናድቕ ኣብ ዝሓንጽሉን ዘርኢ ዘይምትእምማንን ሸለልትነትን ኣብ ዝዘርእሉን መገድታት ዕርቂ ዝደሊ ጓሳዊ ጸዋዕታ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ቶም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ተቕዋም ዝመሃሩ ዘለዉ ኣብዚ ጸኒዖም ክሀንጹ ተላብዮም፡ "ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ካብ ወንጌል እዩ ተወሊዱ። ስልቲ ዘይኰነስ ርትዓዊ ግብረ ሰናይ እዩ። ተዓወትቲ ወይ ተሳዓርቲ ዝደልይ ኣይኮነን ዕንቅፋት ኣይሃንጽን፡ የግዳስ ናይ ሓቂ ማእሰር ዝመልስ እዩ - "ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ ልኡካን - ፍጻመታት ንምቍጽጻር ኣጸጋሚ ኣብ ዚመስለሉ እዋን ደገፍ ዚህብ ሓባራዊ ሰናይ ብምንቕቓሕ ድልድል ተስፋ ኪዀኑ ዝተጸውዑ እያቶም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንተመሃሮን ምሩቓትን ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ነቲ "ዝተዓበሰ ምድረ በዳ ናብ ፍረ ዘለዎ ዘተ ምስ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚቕይሮ" ዚፈልጥ ናስቲ ናይቲ ተቕዋምን ተመሃሮን መምሃራንን ሓላዊ ቅዱስ ኣንጦኒዮስ ኣበ ምኔት - (ምስራዊ ቅዱስ ኣንጦኒዮስ ዓቢይ) ኪመስልዎ ዓደሞም። "ካብ ጸሎት ምስ ካልኦት ንምርኻብ ዜድሊ ብርታዐ ምእንቲ ኽትረኽቡ ዓሚቝ መንፈሳውነት ዘለዎም ካህናት ኩኑ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
