ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ካብቶም ዝተጠመቑ ካብ ተልእኾ ነጻ ዝኾነ የለን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ካብቶም ዝተጠመቑ ካብ ተልእኾ ነጻ ዝኾነ የለን  (AFP or licensors)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ካብቶም ዝተጠመቑ ካብ ተልእኾ ነጻ ዝኾነ የለን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መበል 100 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ መንነት ቤተ - ክርስትያን "ኣብ መንጎ ዅሎም ደቅሰብ ሕውነትን ምስ ኵሉ ፍጥረት ስኒትን" ኣብ ኣገልግሎት ልኡኽ ማሕበረሰብ ምዃን እዩ እንክብሉ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ዓለም፡ ኣዋጅ ወንጌል፡ ሓድነት ክሕብሕብ ዝኽእል፡ ሰላማዊ ልብን ዝተዓረቐ መንፈስን ክህሉ ይጽውዕ እንክብሉ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ቅድሚ ሓደ ዘመን ብር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ዝቖመ  ለምዘበል መበል 100 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ተልእኾ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘስተብሃሉን፡ ለመዝበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ዕለት 18 ጥቅምቲ፡ "ሓድነት ኣብ ክርስቶስ፡ ሕብረት ኣብ ተልእኾ" ብዝብል መርሕ ቃል ዝበዓል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

 

ክርስትና: እኩብ ልምድታት ዘይኮነስ ናይ ሕብረት ህይወት እዩ

ኣብ ሕመረት ተልእኾ፡ ይብሉ ቅዱስነቶም "ምስጢር ሓድነት ምስ ክርስቶስ" እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን መንነት ባዕሉ “ካብ ስላሴ ዝውሕዝ፣ ብስላሴ ዝቕጽል ሕብረት። ኣብ ኣገልግሎት ሕውነት ኣብ መንጎ ኩሎም ደቂ ሰባትን ምስ ኩሉ ፍጥረት ስኒትን ዝነብር ሕብረት” ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ኣብ ተልእኾ ቀንዲ ሓላፍነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ ኣባላታ መንፈሳውን ሕውነታውን ሓድነት ምሕዳስ ምዃኑ ብምምልካት - ስለዚ ድማ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስቲያን ኵላዊ ምትእስሳር ክብ ክብል ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝተጠመቐ ኩሉ ልኡኽ እዩ

እዚ ሓድነት እዚ ንባዕሉ ዕላማ ዘይኮነስ ናብ ተልእኾ ዝቐንዐ እዩ። ኣዋጅ ወንጌል “ምሉእ ናይ ምርኻብ ሓይሉ” ኣብ ሓድነት ከም ዝረክብ ኣረጋጊጾም፡ “ዝኾነ ዝተጠመቐ ሰብ ካብ ተልእኾ ነጻ ወይ ዘይግደስ ክኸውን ኣይክእል እዩ።: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ጸዋዕታኡን ኩነታቱ ሕይወትን ኣብቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያኑ ብሓላፍነት ዝሃቦ ዓቢ ዕዮ ይሳተፍ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዘዘኻኸሩና ወንጌል ምእዋጅ ኩሉ ግዜ ስኒት ዘለዎን ሓባራውን ሲኖዳውን ተግባር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፍቕሪ ከም መሰረት ስብከተ ወንጌል

"ሓድነት ኩነት ተልእኾ ካብ ኮነ ሕመረቱ ድማ ፍቕሪ እዩ - ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፡ እቲ ክእወጅ ዘለዎ ብስራት፡ ረቂቕ ርእዮተ ዓለም ዘይኮነስ "ወንጌል እሙን ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ኣብ ገጽን ሕይወትን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋ ዝለበሰ" እዩ። ኣብ ምሉእ ዘመናት ማእለያ ዘይብሎም ክርስትያን - ሰማእታት፡ ኣናዘዝትን፡ ልኡካን ወንጌልን - ነዚ መለኮታዊ ፍቕሪ ንዓለም ንኽፍለጡ ህይወቶም ኣሕሊፎም እዮም። “ዓለም ሕጂ’ውን እዞም ተባዓት መሰኻኽር ክርስቶስ የድልያ ኣሎ፡ ዓቕለሲያዊ ማሕበረሰብ ድማ ገና ሓድሽ ጸዋዕታ ልኡካነ ወንጌል የድልዮም ኣሎ፡ ምእንቲ እዚ ድማ ኩሉ ግዜ ናብ ኣቦ ክንጽሊ ይግባእ፡ ንኹሉ ገዲፎም ንክርስቶስ ኣብ መንገዲ ስብከት ወንጌል ክሳብ ጫፍ ምድሪ ክስዕብዎ ፍቓደይናታት ዝኾኑ መንእሰያትን በጽሕን ይጸግወና!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

"ኦ ቅዱስ ኣቦ ኣብቲ ሓድነት ዘህሉን ዘሐድስን ፍቕሪ ሱር ዝሰደደ ኣብ ክርስቶስ ሓደ ግበርና። ኵሎም ኣባላት ቤተክርስትያን ኣብ ተልእኾ ሕቡራት ይኹኑ፣ ንመንፈስ ቅዱስ ምእዙዛት ንወንጌል ኣብ ምምስካር ተባዓት ይኹኑ፣ ንዅሎም ፍጥረታት ዘሎና እሙን ፍቕሪ በብመዓልቱ ጭቡጥ ይኹን። ንዅሎም ልኡካነ ወንጌል ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባርኮም፡ ኣብ ጻዕርታቶም ደግፎም ብተስፋ ድማ ሓልዎም! ማርያም ንግስቲ ተልእኾ ወንጌል ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ምድሪ ኣብ ወንጌላውነት ዕዮና ተሰንየና፦ መጋበርያ ሰላም ግበረና ብዘላ ዓለም ከኣ ነቲ ዜድሕን ብርሃን ብክርስቶስ ከተለልዮ ግበር። ኣሜን!"

ብዝብል ጸሎት መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Jan 2026, 14:37