ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንግዳያት ሓደጋ ባቡር ስጳይና ጸሎቶምን ቅርበቶምን የረጋግጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንግዳያት ሓደጋ ባቡር ስጳይና ጸሎቶምን ቅርበቶምን የረጋግጹ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንግዳያት ሓደጋ ባቡር ስጳይና ጸሎቶምን ቅርበቶምን የረጋግጹ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 18 ጥሪ ኣብ ደቡባዊ ስጳይና ብዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ብውሕዱ 39 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት ብዙሓት ድማ ከም ዝቖሰሉን ምስ ተሓበሮም ንግዳያትን ኣባይቲ ስድራኦምን ቅርበቶምን ጸሎትም ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ሰንበት ዕለት 18 ጥሪ 2026 ኣብ ደቡባዊ ስጳይና ብዘጋጠመ ናይ ባቡር ሓደጋ ብውሕዱ ሞት 39 ሰባት ብዓሰርተታት ንዝቑጸሩ ድማ ማህሰይቲ ዘስዓበን ጸሎቶ ኣረጋጊጾም “ልባዊ ጽንዓት ይሃብኩም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ቴለግራም - "ምጽንናዕን ዓሚቝ ሻቕሎቶምን ነቶም ዝቘሰሉ ብቕልጡፍ ኪሓውዩ ትምኒቶምን ኣቕሪቦም" ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ምስ ተሓበሩ "ብርቱዕ ሓዘን" ከም ዘሕደረሎምን ብተወሳኺ’ውን "ጕጅለታት ኣድሕን ህይወት ረድኤትን ሓገዝን ንምቅራብ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕርታት ክጸንዑ ኣተባብዖም። ብኣማልድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዓንዲ ምጽንናዕ ሃዋርያዊ ቡራኬ ምልክት ተስፋ ኣብ ዝተንስአ ጐይታ" ከም ዘቅረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕለት 18 ጥሪ  ምሸት ኣብ ደቡባዊ ስጳይና ኣብ ኣዳሙዝ፡ ናብ ርእሰ ከተማ ማድሪድ እትጓዓዝ ዝነበረት ባቡር ከብ መስመራ ብምውጻእ ናብ ተጻራሪ መስመር ብምእታው ምስታ ቅድሚት እትመጽእ ምስ ዝነበረት ባቡር ከም እተጋጨወትን ብመሰረት ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ኣብ ክልቲአን ባቡራት 400 ተጓዓዝትን ሰራሕተይናታትን ከምዝነበሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ ሰብመዚ ስጳይና ብውሕዱ 39 ሰባት ከምዝሞቱ እኳ እንተገለጹ፡ እቲ ቁጽሪ ግን ክውስኽ ከም ዝኽእል የመላኽቱ። ጠንቂ እቲ ሓደጋ ክሳብ ሕጂ ንጹር ከም ዘይኮነ ድማ ይሕብሩ።

20 Jan 2026, 16:31