ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ታንዛንያ ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 28 ጥሪ ሓፈሻዊ ናይ ዕልተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ሃገረ ታንዛኒያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማሕሙድ ታቢት ኮምቦ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ታንዛንያ ታቢት ኮምቦ ኣብ ኣህጉራዊ ዑደት ከምዘለዉን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተዓወተት ካብታ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን ናብ ቅዱስነቶም ዝተላእከ መልእኽቲ ከም ዘብጽሑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ ምርጫ ግጭታትን ዓመጽን ከምዝተራእየን፡ እዚ ድማ ብመሰረት ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና፡ ኣማኢት ሞት ከምዘስዓበ ዘቕረበኦ ጸብጻብ የዘኻኽር።
ርእሰ ብሔር ታንዛንያ ብዛዕባ እቲ ኣብ እዋን ምርጫን ድሕሪ ምርጫን ዝተፈጥረ ዓመጽን ግጭታትን ጉዳይ ዘጻሪ መርማሪ ሽማግለ ከም ዝመዘዘትን፡ ድሮ ነቲ ዘጋጠመ ውጥረት ንምውጋድን ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ናብ ንቡር ንምምላስን ትሰርሕ ምህላዋ እንክሕበር፡ ኣብታ ቅድሚ ሕጂ ሰላማዊት ዝነበረት ሃገር፡ ከምኡ’ውን ፍሉይ ማሕበራዊ ወጥሪ ኣብ ዘይነበረላ ኣብ እዋን ምርጫን ድሕሪ ምርጫን ዝተራእየ ወጥሪ ኣዚዩ ከም ዘሰከፋ እዩ ዝንገር።
እቲ ዓመጽ ካብ ጳጳሳት ክሳብ ናይ ሃይማኖት ምስልምና መራሕቲ እታ ሃገር ብኹሎም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ከም እተኾነነን፡ ነቲ ሓቂ ንምርግጋጽን መን ተሓታቲ ምዃኑ ንምፍላጥን ናጻ መርመራ ክካየድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ኩነታት እታ ሃገር ሰንበት ዕለት 2 ሕዳር ፍርቂ መዓልቲ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ታንዛኒያ ኣማእኪሎም፡ "ምእንቲ ታንዛኒያ ንጸሊ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ስዒቡ ዝተፈጥረ ዕግርግርን ዓመጽን ብዙሓት ግዳያት ከም ዝገበረን፡ ኩሉ ሰብ ካብ ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ክቑጠብን መንገዲ ዘተ ክስዕብን እላቦ" ከም ዝበሉ የዘኻኽር።
