ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ናይ ሞናኮ ልኡል ኣልበርት ዳግማዊ ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ናይ ሞናኮ ልኡል ኣልበርት ዳግማዊ  (ANSA)

ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ናይ ሞናኮ ልኡል ኣልበርት ዳግማዊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 17 ንግሆ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣዉ ናይ ሃገረ ሞናኮ ልዑል ኣልበርት ዳግማዊ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 17 ጥሪ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቫቲካን - ሓዋርያዊ መንበሮም ንልኡል ኣልበርት ዳግማዊ ሃገረ ሞናኮ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ልዑል ኣልበርቶ ዳግማዊ ካብ ቅዱሰንቶም ምስ ተሰናበቱ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ከም እተራኸቡን፡ "ኣብቲ ዳሕረዋይ ርክብ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮን ዘሎ ሰናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና" ከምኡ'ውን "ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ማሕበራዊ ህይወት እታ ርእሰ መንግስታዊት ታሪኻውን ትርጉም ዘለዎን ኣበርክቶኣ" ከም እተሰመረሉን ከምኡ እውን "ከም ሓልዮት ከባቢ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ከምኡ'ውን ምክልኻልን ምድንፋዕን ክቡር ክብሪ ሰብኣዊ ፍጥረትን ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ኣቓልቦ ገይሮም፡ ኣብ ሓያሎ ሓባራዊ ጉዳያት” ከም እተመያየጡን፡ ኣብ መወዳእታ፡ እቲ መግለጺ፡ "ብፍላይ ኣብ ሰላምን ጸጥታን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝተወሰኑ ዞባታት ኣፍሪቃን ትኹረት ብምግባር" ኣብ እዋናዊ ኣህጉራዊ ጉዳያት ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡ የመላኽት።

19 Jan 2026, 09:10