ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንማሕበረሰብ ንኡሳን ክርስቲያን፥ ሃነጽትን መሰኻኽርን ሓድነት ኩኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንማሕበረሰብ ንኡሳን ክርስቲያን፥ ሃነጽትን መሰኻኽርን ሓድነት ኩኑ  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንማሕበረሰብ ንኡሳን ክርስቲያን፥ ሃነጽትን መሰኻኽርን ሓድነት ኩኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣባላትን መራሕትን መንገዲ ማሕበረሰብ ንኡሳን ክርስቲያን - Neocatechumenal ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም፡ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓድነት መሰኻኽር ኵኑ” እንክብሉ ተላብዮም፡ ኣብ ተልእኾኦም ድማ ከም ዘተባብዕዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጉጅለ መራሕቲ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ንኡሳን ክርስቲያንን ኣባላትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 19 ጥሪ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ምስክርነትን ኣብ መላእ ዓለም ወንጌል ኣብ ምስፋሕ ንዝገበርዎ ተወፋይነት ኣመስጊኖም፡ ሓድነት ከስፍሑን ካብ መንፈሳውን ግብረ ገባውነትን ነቕጺ ክቑጠቡ ኣተባቢዖም፡ “ሃነጽትን መሰኻኽር ሕብረትን ኰንኩም፡ ንርእስኹም ከይዓጸኹም ብሓጐስን ብትሕትናን ንቕድሚት ተጓዓዙ። ቤተ ክርስቲያን ተሰንየኩም፡ ትድግፈኩም፡ ብኣገልግሎትኩም ድማ ተመስግነኩም።”

መንገዲ ንኡሳን ማሕበረሰብ ክርስቲያን - Neocatechumenal Way  ኣብ 1960ታት ኣብ ስጳይና ብኪኮ ኣርጉወይሎን ካርመን ሄርናንደዝን ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ንዝተቐብልናዮ ጸጋ ጥምቀት ዳግማይ ምርካብን ቀጻሊ ሕንጸት ኣብ እምነትን ዝኽተሉ ብንኡሳን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝቖመ እዩ። ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ 139 ሃገራት ዝርከብ ኮይኑ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ኣባላት ዝሓቍፍ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣድራሽ ቡራኬ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ጳጳሳትን ካህናትን ምመናን ኣባላት ናይቲ ማሕበርን መስርቲ ኣርጉየሎን ናይቲ ማሕበር ዓለም ለኻዊ ሓላፍቲ ማሪያ ኣሸንሲዮን ሮመሮን ኣባ ማሪዮ ፐዚን ከም እተረኽቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ እምነት ሓጎስ ዳግማይ ምንቕቓሕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ነቲ ናይቲ መገዲ ንኡሳን ማሕበረሰብ ክርስቲያን መለለዪ ዝኾነ መንፈሳዊ ህያብ “ንሕይወት ቤተ ክርስቲያን ክቡር ኣበርክቶ እዩ” ቢሎም፡ ብፍላይ ነቶም “ንውሽጣዊ ድርኺት መንፈስ መልሲ ብምሃብ፡ ውሕስነት ተራ ህይወት ገዲፎም ናብ ርሑቕን ኣጸጋምን ዞባታት ከይተረፈ፡ ወንጌል ንምእዋጅን ምስክር ፍቕሪ ኣምላኽ ንምዃንን ጥራይ ድሌት ሒዞም ናብ ተልእኾ ዝብገሱ ኣባይቲ ስድራ ኣመስጊኖም ኣተባቢዖምን፡ “እተን ብናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራን ኣባይቲ ስድራን ካህናትን ዝቖማ ተጓዓዝቲ ጉጅለ ኣብ ወንጌላዊ ተልእኾ መላእ ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ከም ዝሳተፋ” ኣስሚሮም፡ “ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰሚዖም ዘይፈልጡ ክርስትና ዘይተቐበሉ’ እምነት ‘ንምንቃሕ’፣ ግን ከኣ ናይ ብዙሓት ክርስትያን ክንሶም፣ ኢየሱስ ክርስቶስ መን ምዃኑ ‘ዝረሰዑ’ ዝተጠመቑን ኣብ ምንቕቓሕ ኣበርክቶ ትገብሩ” ቢሎም ኣብ 2015 ንጉጅለ ማሕበረሰብ ንኡሳን ክርስቲያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዘስምዕዎ መደረ ብምጥቓስ "ነቲ ዝጠፍአ ዝመስል ሃልሃልታ ወንጌል ከም ብሓድሽ ኣጎሃህርዎ፣ ንብዙሓት ውልቀ-ሰባትን ክርስትያናን ማሕበረሰባትን ተሰንዩ፣ ዳግማይ ናብ ሓጐስ እምነት ኣበራቢርኩም፡ ንኢየሱስ ምፍላጥ ዘለዎ ጽባቐ ዳግማይ ንኽረኽቡ ሓጊዝኩም፡ መንፈሳዊ ዕብየቶምን ምስክርነት ዘለዎም ተወፋይነትን ኣማዕቢልኩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ሓድነት መሰኻኽር ኩኑ

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ኣባላት “ኣብ መንፈሳውን ቤተ-ክርስትያናውን ህይወት ወትሩ ተሓቢኡ ዘሎ ገለ ሓደጋታት ንምልላይ ውሽጣዊ ንቑሕን ጥበባዊ ናይ ነቐፌታ ክእለትን" ክገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ምሥጢረ ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ከም ዝጥርንፈናን “ህያዋን ኣባላት ስጋኡ፡ ሓደ ህዝቡ፡ ሓንቲ ስድራቤቱ ከም ዝገብረና” ከምኡ’ውን “መንፈስ ንነፍሲ ወከፍ ፍሉይ መግለጺ እንተ ሂቡ” ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ከይርሳዕ ኣተሓሳሲቦም፡ “ህያብ መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽን ናይታ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስን ክቐርብ ኣለዎ፣ ኣብኣ ዝኾነ ህያብ ኣምላኽ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ኣገዳሲ ዘይኮነሉ - ብጀካዚ ንዅሎም ፍጹም ዝገብርን ዘሰማምዕን ፍቕሪ - ዝኾነ ኣገልግሎት ድማ ካብ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ልዕልና ንኽስምዓካን ነቶም ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ንኽግለሉን ምኽንያት ክኸውን የብሉን” እንክብሉ ዝገለጹ ቅዱስነቶም፡ በዚ ከምዚ ድማ ንኣባላት መንገዲ ንኡሳን ክርስቲያን “መሰኻኽር ናይዚ ሓድነት” ኪዀኑ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ መንፈሳውን ግብረገባውን ነቕጺ ምርሓቕ

“ተልእኾኹም ፍሉይ እዩ፣ ግናኸ ሕዙእ ኣይኮነን፤ ዝተቐበልኩምዎ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ፍሉይ እዩ፣ ግናኸ ምስቶም ካልኦት ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ዝርከቡ ህያባት ብምትሕብባር ፍረ የፈሪ፤ ብዙሕ ሰናይ ትገብሩ፣ ዕላምኡ ግን ሰባት ንክርስቶስ ክፈልጥዎ ምግባር እዩ፣ ኩሉ ግዜ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ሕይወት ጉዕዞን ሕልናን ኣኽቢርኩም - ቢሎም - ካብ ዝተረፈ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ከይተፈለዩ መንፈሳውነቶም ክነብሩን ኣካል “ናይቲ ተራ ጉስነት ሰበኻታትን ዝተፈላለየ ክውንነታቶምን፣ ምስ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን፣ ብፍላይ ድማ ምስ ካህናትን ጳጳሳትን ብምሉእ ሕብረት” ክኾኑ ኣተሓሳሲቦም። መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ ጠቒሶም - ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ሰብ “‘መንፈስ ጐይታ ኣብ ዘለዎ ናጽነት ኣሎ’” ከም እተዘኻኽር ኣጒሊሖም፡ “ስለዚ ኣዋጅ ወንጌልን ትምህርተ ክርስቶስን ዝተፈላለየ መልክዕ ጉስነታዊ ተግባራትን ኩሉ ግዜ ካብ መስንፈሳውን ግብረ ገባውነትን ንቕጽና ነጻ ክኸውን ኣለዎ፣ ምእንቲ ኣብ ክንዲ ውሽጣዊ ሓርነት ናይ በደልን ፍርሕን ስምዒት ከይፈጥር” ምስ በሉ ብራኬ ሂቦም፡ ነታ ጉጅለ ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን ብዝገበርዎ ተወፋይነትን “ሕጉስ ምስክርነትን” ብምምስጋን “ነዚ ብውዕዉዕ ስምዒት ክቕጽሉ” ብምትብባዕ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 Jan 2026, 16:28