ድለ

Mozambique hit by severe floods after weeks of heavy rainfall Mozambique hit by severe floods after weeks of heavy rainfall 

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ኩነታት ፍቑር ህዝቢ ሞዛምቢክ የተሃሳስበኒ'

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቶም ብምዕልቕላቕ ማይ እተጠቕዑ "ፍቑር ህዝቢ ሞዛምቢክ" ይዝክሩ፣ ምእንቲ እቶም ግዳያት እውን ጸልዮም፣ ምስቶ እተመዛበሉን ከምኡውን ምስ ሰራሕተኛታት ድሕነት ዘለዎ ትቡቕ ቅርበት ድማ ኣረጋገጸሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሎሚ ረቡዕ ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ "ብፍላይ ኩነታት ናይ እቶም ብምዕልቕላቕ ማይ እተጐድኡ ፍቑራት ህዝቢ ሞዛምቢክ የተሓሳስበኒ ኣሎ" በሉ። ነቶም ቋንቋ ፖርቱጋ ዝዛረቡ ነጋድያን ኣብ ዘቕረቡሎም ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ነቶም በቲ ባህርያዊ ሓደጋ እተጐድኡ ሰባት እውን ዘኪሮም።

ዜና ቫቲካን - ቃል ምሕጽንታ ድሕሪ ትምህርተ ክርስቶስ 28-01-206

"ምእንቲ እቶም ግዳያት ክጽሊ ኸለኹ ነቶም እተመዛበሉ ሰባትን ንዅሎም እቶም ደገፍ ዝህብዎም ዘለዉ ሰባትን፣ ዘሎኒ ቅርበት እገልጸሎም ኣለኹ" ድሕሪ ቢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ኣስዒቦም ድማ "ጐይታ ይሓግዘኩምን ይባርኽኩምን" ክብሉ ኣባታዊ ቡራኬኦምን ጸሎቶምን ኣካፈልዎም።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ንነጀው ኣብ ሞዛምቢክ ብሰንኪ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም፣ ብዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይ እንተ ወሓደ 137 ሰባት ሞይቶም፣ 812,000 ድማ ከቢድ ጉድኣት ወሪድዎም ከም ዘሎ፣ ሃገራዊ ትካል ምምሕዳር ሓደጋታት (INGD) ትማሊ ሰሉስ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር፣ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ዝጀመረን፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2026 ክውዳእን ትጽቢት ዝግበረሉ ወቕቲ ዝናም ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሓ ኣላ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ንፖላንዳውያን ነጋድያን ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ እቲ ኣብ ሃገረ ፖላንድ ዝነበረ ሓዋርያዊ ጉስነት ወተሃደራዊ ሥርዓታት ዳግም ካብ ዝቐውም ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመታት ከም ዝሓለፈ ዘኪሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ "ንቓል ኣምላኽን ትውፊት ቤተ-ክርስትያንን ዘሎና ተኣማንነት ናይ ሓዋርያዊ ጉስነትን ኣገልግሎታትን ብሶላ ይኹን፣ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋን ፈተነታትን ኣልቦ ውሕስነትን፣ እዚ ተኣማንነት እዚ ኣብ ምዕዳል ምሥጢራት መሪሕ ይኹን" በሉ።

ብተመሳሳሊ ንተዛረብቲ ቋንቋ ዓረብኛ ዝኾኑ ነጋድያን እንክዛረቡ፣ "ንእምነት ክሕልዉን፡ ብተኣማንነት ኬመሓላልፍዎን ወትሩ በቲ ንቤተ-ክርስትያን ናብ ምልኣት ሓቂ ዝመርሓ መንፈስ ቅዱስ ዝበርሁ ኩኑ" ክብሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ቋንቋ ፈረንሳይ ዝዛረቡ ነጋድያን ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳባት፣ ቤተ-ክርስትያኖም ሎሚ ዝኽሪ ናይቲ ሊቅ-ቤተ-ክርስትያን ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኲኖስ ከም እተብዕል ዘላ ኣዘኻኺሮም። እዚ ፍቑር ቅዱስ "ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቅረናን፣ ንድሕነትና ኸም ዝግደስን  ምእንቲ ኽንግንዘብ፣ ነቲ ብዓብዪ ጥበብ ዝመስከሮ ንቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ምርዳእ ኪመርሓና" ጸልዮም።

28 Jan 2026, 15:39