2026.01.15 Familiari dei Ragazzi deceduti a Crans-Montana

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ምስ ስድራቤታት ግዳያት ባርዕ ክራንስ-ሞንታና ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣባላት ስድራቤት ናይቶም እቶም ኣብ ክራንስ-ሞንታና ስዊዘርላንድ ብዘጋጠመ ዘሕዝን ባርዕ ሓዊ ንዝሞቱ ሰባት ተራኺቦም፣ ናይ እምነትን ምጽንናዕን ቃላት ውን ለገሱሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ዘለዎ ቅርበቱን ለውሃቱን ተኣማመኑ፣ ካብቲ እትርእይዎ ዘለኹም ዝረሓቐ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ንሱ ምሳኻትኩም ኮይኑ ይካፈሎን ንስቓይኩም ይስከሞን ኣሎ፣" ክብሉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ኣባላት ስድራቤት ናይቶም እቶም ብዕለት 1 ጥሪ ኣብ ክራንስ-ሞንታና ስዊዘርላንድ ብዘጋጠመ ዘሕዝን ባርዕ ሓዊ ዝሞቱ ወይ ዝቘሰሉ ሰባት ኣጸናንዕዎም።

ኣኽባር ጸጥታ ሃገረ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ብውሕዱ 40 ሰባት ሞይቶም 119 ድማ ቈሲሎም ብዙሓት ከኣ ከቢድ ጕድኣት ወሪድዎም ይርከብ ኣሎ።

ደረት ቃላት ደቂ ሰብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ሓደ ካብቶም ኣዝዮም እትፈትውዎ ሰባት ብኸቢድ ዓመጻ ህይወቱ ዝሞተ ወይ ከኣ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ በቲ ንኣእምሮ መላእ ዓለም ዘሰቀቀ ዜስካሕክሕ ባርዕ ሓዊ እተጐድኡ ሰባት" ብሓቂ ንእምነትካ ኸም ዚፍትኖ ስለ እተገንዘቡ ምስ ስድራ ቤታቶም ክራኸቡን ብምኽኣሎም "ኣዝዩ ኸም ዝተንከፎም" ገለጹ።

ምስ ቅዱስነቶም ክራኸቡ ዘለዎ ተገዳስነት ምስ ፈለጡ፣ ቅዱስ ኣቦና ውን ምስኦም ምርኻብ ቀዳምነት ዝህብዎ ጉዳይ ምዃኑ ኣፍለጠኦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብታ ኵሉ ሰብ ተሓጒሱ ደስታዉ ዝለዋወጡላ ዕለት ብምፍጻሙ ሓዘኖም ገሊጾም።

"ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንታይ ክንብል ይከአል?" ክብሉ ውን ሓተቱ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት እንታይ ትርጕም ክህልዎ ይኽእል? በዚ ንዓኹም ዘጋጠመኩም ኩነታት ሓደሰም ካበይ ምጽንናዕ ክረክብ ይኻል፣ እዚ ኸኣ ብባዶነትን ላዕሊ ላዕሊ ብዝኾነ ቃላትን ዝቘመ ዘይኰነስ ዓሚቝ ምትንካፍን ተስፋ ዜለዓዕልን ምጽንናዕ ካበይ እዩ ኺርከብ ዝኽእል?" ክብሉ ቅዱስነቶም ክበድ ናይቲ ዘጋጠሞም ኩነታት መስከሩ።

መስቀልን ትንሳኤን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ሓደ ነጸብራቕ ጥራይ እዩ "እቲ ሎሚ ኣጸቢቑ ቀረባኹም ዝኾነ ወዲ ኣምላኽ ካብ መዓሙቝ እቲ ዘጋጠሞ ተነጽሎን ስቓዩን፣ 'ኣምላኸይ ኣምላኸይ ስለምንታይ ሓዲግካኒ?' ኢሉ ናብ ኣቦ ጨርሐ። (ማቴ 27፡46)።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እቲ ኣቦ ንልመና ወዲ ዝሃቦ መልሲ ሰለስተ መዓልቲ ከም ዝወሰደ ውን ኣፍልጦ ሃቡሉ። "ግናኸ ከመይ ዝበለ መልሲ ዀን እዩ!" ክብሉ ተደነቑ። "ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓጐስ ትንሳኤ ንዘለኣለም ይነብር፣ ብኽብሪ ውን ተንሲኡ እዩ” ክብሉ መስከሩሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "ንዓኻትኩም ውን ምስ እተፍቅሮዎም ሰባትን ስለምንታይ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተና ኸም እተጋጠመ" ክገልጹሎም ከም ዘይከኣሉ ኣመልከቱሎም።

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን "እቲ ሎሚ ኽትረኽብዎ ዝመጻእኩም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ክርስቶስ ብሓቂ ተንሲኡ እዩ እሞ ተስፋኹም ከንቱ ኣይኰነን ኢሉ ብሓይልን ብምትእምማንን የረጋግጸልኩም ኣሎ" ክብሉ ውን ኣጸናንዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንዓታቶም ኰነ ነቶም ዜፍቅርዎም ሰባት ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ክፈልዮም ዝኽእል ከቶ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘየለ ውን ኣረጋገጹሎም።

እምነት ነቲ ኣዝዩ ዜሳቒ እዋናት እውን ከይተረፈ ተብርሆ እያ

"እታ ኣብ ውሽጥና እትነብር እምነት ነቲ ኣዝዩ ጸልማትን ዜሳቕን እዋናት ህይወትና ብዘይትካእ ብርሃን እያ እተብርሆ፣ እዚ ኸኣ ናብቲ ሸቶ ንምብጻሕ እንገብሮ ጕዕዞ ብትብዓት ንኽንቅጽል ይሕግዘና ኢዩ።"

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ "በታ ትዕግስትን ጽንዓትን እትሓትት መገዲ ሞትን ትንሳኤን ቀቅድሜና ይኸይድ ኣሎ" ክብሉ ውን ኣረጋገጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክርስቶስ ከም ዝቐርቦምን ከም ዘሰንዮምን፣ ኣብዚ እዋን እዚ ንስምዒቶም ከም ዝካፈልን ብምልእታ ቤተክርስትያን እውን ምሳታቶም ከም ዘላ ውን ኣዘኻኸርዎም።

"ብዛዕባ ጸሎት ቤተ-ክርስትያንን ብሕታዊ ጸሎተይን ነቶም ዝሞቱ እተፍቅሮም ሰባት ዕረፍቲ ምእንቲ ኺህቦም፣ ነቶም ዚሳቐዩ ዘለዉ እተፍቅሮም ከምኡውን ንዓኻትኩም ብለውሃትን ብፍቕርን ከም እነሰንየኩም ኣረጋግጸልኩም ኣሎኹ" በሉ።

ንኣደነታዊ ምጽንናዕ ንምርካብ ናብ ሓዘን ድንግል ማርያም ንመለስ

ከምቲ ኣብ እግሪ መስቀል ዘሎ ልቢ ማርያም ሎሚ ልቦም ከም እተወግአ ኣፍልጦ ብምሃብ "ማርያም ኣብ መስቀል ኮይና ስቓይ ወዳ ዝረኣየት፣ ሕዝንቲ እመቤትና ኣብዘን መዓልትታት እዚኣተን ውን ኣብ ቀረባኹም ኢያ ዘላ፣ ኣነ ድማ ናብኣ ብሕድሪ የወፍየኩም ኣለኹ" በሉ።

ቅዱስ ኣቦ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ብዘይ ምቍራጽ ብንብዓት ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ክምለሱን ናይ ኣደነታ ምጽንናዕ ክደልዩን ውን ኣዘኻኸርዎም። ቅዱስነቶም ወሲኾም ምስቶም ኣባኡ እተረኽቡ ሓቢሮም ጸሎት ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብርን፡ ሰላም ንዓኺ ኦ ማርያምን ክጽልዪ ዓደምዎም።

ቀጻሊ ቅርበት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን

እዚ ኣጋጣሚ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስቶም ኣባኡ እተረኽቡን ምስቶም እተጐድኡ ሰባትን ዘለዎም ጥቡቕ ርክብ ኣብ ዘርኣዩሉ ናይ መወዳእታ ምልክት እዩ ዝንበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ደድሕሪ እቲ ዘጋጠም ባርዕ ሓዊ ንጽብሒቱ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ፣ ብምኽንያት እቶም ግዳያት እቲ ባርዕ ሓዊ ዝኾኑ ሰባት ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ ናብ ጐይታ "ነቶም ዝዓረፉ ኣብ ዘልዓለዋሚ ዕረፍቲ ብሰላምን ብርሃንን ኪቕበሎም፣ ነቶም ብልቦም ወይ ብኣካላቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ድማ ትብዓት ክህቦም" ጸልዮም።

ኣብ መደምደምታ ናይቲ ኣብ ሰንበት ዕለት 4 ጥሪ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚብሔር ድማ ቅዱስ ኣቦና "ምስቶም ዝሳቐዩ ዘለዎም ቅርበት" ደጊሞም ገለጹ፣ "ምእንቲ እቶም ዝሞቱ መንእሰያትን ስለ ዝቘሰሉን ምእንቲ ስድራ ቤቶምን ድማ ጸልዮም"።

16 Jan 2026, 10:26