2026.01.19 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ቸክ ርእሰ ብሔር ፓቨል 2026.01.19 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ቸክ ርእሰ ብሔር ፓቨል  (@Vatican Media)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ቸክ ርእሰ ብሔር ፓቨል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት ዕለት 19 ጥሪ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ረፓብሊካዊት ቸክ ርእሰ ብሔር ፔትር ፓቨል ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ቸክ ፔትር ፓቨል ዕለት 19 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቀቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ርእሰ ብሔር ፓቨል ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ኣብዚ ዳሕረዋይ ርክብ እዚ፡ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ቼክ ሪፓብሊክን ዘሎ ሰናይ ክሌኣዊ ዝምድናታት ብምምልካት፡ ተሓዲሱ፡ ዝያዳ ንምሕያል ዝዓለመ ክሌኣዊ ድሌት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ” ሓቢሩ፡ ወሲኹ ድማ፡ እቲ ዘተ ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ኣብ ሓያሎ ዞባውን ኣህጉራውን ባህሪ ዘለዎም ማሕበረ - ፖለቲካዊ ጉዳያት ዘተኮረ ከም ዝነበረን፡ ብፍላይ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት ኣቓልቦ ብምሃብ፡ "ኣገዳስነት ህጹጽ ተወፋይነት ንሰላምን ንምሕዋይ ኣህጉራዊ ሓባራዊ ህይወት ዝድግፉ መትከላትን ክብርታትን ከም ዘስመረሉ" ኣፍሊጡ።

20 Jan 2026, 16:33