ር. ሊ. ጳ. ንሮታ ሮማና፦ ኣብ ምሥጢር ኣማላኽ ፍትሕን ፍቕርን ምህደት ይረኽቡ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰኑይ ዕለት 08 ጥሪ ንኣባላት ናይቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቅድስቲ መንበር (ሮታ ሮማና) ንምኽፋት ሓድሽ ዓመት ስራሕ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ለገሱሎም።
"ንሓቂ ብጽኑዕ ግን ከኣ ብዘይ ድርቅና ክትሕልዉን፣ ብዘይ ሸለልትነት ፍቕሪ ከተዘውትሩን ተጸዊዕኩም ኢኹም።"
እዚ ቤት ፍርዲ ሮታ ሮማና ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን መሰላት ንምሕላው ከም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መጠን ይግባይ ናይ ጉዳያት ዚሰምዕ ዀይኑ ኢዩ ዘገልግል። ሓድነት ሕጊ የተባብዕ ብውሳነታቱ ድማ ንታሕተዎት ኣብያተ-ፍርዲ ይሕግዝ።
እዚ ቤት ፍርዲ እዚ ንጉዳያት ቃል ኪዳን ብዝምልከት ንብቕዓት እቲ ምስጢር ንዝምልከት ጉዳይት ክምርምርን ክፈርድን ስልጣን ዘለዎ ቤት ቤት ፍርዲ ውን ኢዩ ዘጠቓልል። ብመሰረት መምርሒታት ኣድማሳዊት ቤተክርስቲያን ግቡእነትን ብቕዓትን ሕጋዊዊ መስርሓት ናይ እተፈላለዩ ጕዳያትን መጋባእያታትን ናይ ምምርማር ስልጣን ኣለዎ። በዚ ኸምዚ ድማ ድርገታዊ መዋቕር ዘለዎን፣ ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተመርጹ ሰረተ-እምታዊ ደረጃኦምን ክእለቶምን ተመክሮኦምን እተረጋገጸ ብእተወሰነ ቝጽሪ ደያኑ ዝቘመ እዩ።
ክቡር ኣገልግሎት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ስለቲ ዘወፍይዎ ዘለዉ ኣገልግሎታት ብምምስጋን "ኣብቲ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝምልከት፣ ጐይታ ድማ ክትካፈልዎ ዝጸውዓኩም ኣድማሳዊ ተፍባረ ፍርዳዊ ምስታፍኩም ክቡር ኣገልግሎት እዩ" ዝብል መግለጺ "Veritatem facientes in caritate" (ሓቂ ኣብ ፍቕሪ) (ኤፌ 4 15) "ኣብ መዓልታዊ ተልእኾኹም ኣብ ምሕደራ ፍትሒ ክውዕል ይኽእል ኢዩ" ብምባል ኣመስፈንዎም።
ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ መንፈሳውያን ኣብያተ-ፍርዲ ቤተ-ክርስትያን ዝሰርሑ ሰባትን፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ኣባላት እዚ ቤት ፍርድን ኣመስገንዎም፣ "ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ከገልግል ኣጋጣሚ ዝረኸብኩሉ ኣገልግሎት፣ ንተመክሮኹም ብዕምቈት ንኽርድኦን ንኣገዳስነት እቲ ዕዮኹም ንኽርዳእ የኽእለኒ ኢዩ" ውን በሉ።
ብድሕር’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብቲ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ክሳዕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ቤት ፍርዲ ሮታ ሮማና ኣብ ዘቕረብዎ መደረታት ቀንዲ ኣርእስቲ ዝንበረ ጉዳያት ተመልሱ፣ ብዛዕባ እቲ ንጥፈታቶም ኣመልኪቶም ድማ "ምስቲ ኣብ ፍትሒ ዘሎ ውሽጣዊ ሓቂ" ዘለዎ ምትእስሳር ገለጹሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሓቅን መንፈሳዊ ሓይሎ ፍቕርን ዘሎ ጥቡቕ ምትእስሳር ገለ ሓሳባት ከቕርበልኩም እደሊ" ብምባል መልእኽቶም ኣነጸሩ፣ "እዚ ክልተ ተጻረርቲ ዝመስል ስርዓታት ወይ ስነ-ምግባራዊ ኪደታት ብመሰረት ግብራዊ መዐቀኒታት ሚዛናዊ ክኸውን ኣለዎ፣ የግዳስ ኣብ ምስጢር ኣምላኽ ዓሚቝ ውህደት ዝረኽቡን ውሽጣዊ ሓድነት ዘለዎምን ክልተ መደያት እዮም። ፍቕርን ሓቅን ግን እንታይ እዩ?” በሉ።
እዚ ምትእስሳር እዚ ቀጻልን ጥንቃቐ ዝሓትትን ናይ ነቐፌታ ምስትውዓል ዘለዎን ምዃኑ ውን ገለጹ፣ ከመይሲ "ፍርዳዊ ንጥፈታት ኣብ ምፍጻም፣ ኣብ መንጎ ጭቡጥ ሓቅን ናይ ፍቕራዊ ሓልዮትን ብዙሕ ግን ከአ ሳሕቲ ዘይርአ ሥነ ቋንቋዊ ውጥረት ይፍጠር ኢዩ።"
ሓደ ተነቃፊ ሚዛን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ "ሓድሓደ ግዜ ምስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ሽግር ዝመልኦ ዅነታት ምእመናን እምብዛ ቅጡውነት ናብ ሓደገኛ ተዛማድነት ሓቂ ኺመርሕ ይኽእል እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ "ብርግጽ ግጉይ ፍቕራዊ ሓልዮት ዋላ እውን ብቕንኣት ሓዋርያዊ ጉስነት ተደሪኹ ዝትግበር እንተ ኾነ፣ ነቲ ንቤት ፍርዲ ዝግባእ ሓቂ ንምርግጋጽ ዜድሊ ስፍሓቱ ኪሽፍኖ ይኽእል እዩ" ውን በሉ።
ኣስዕብ ኣቢሉውን፣ "እዚ ኣብ ጉዳይት ቃል ኪዳን ዋጋ ዘይብሉ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት መስርሕ እውን ክፍጸም ይኽእል ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንጽንዓትን ትሕን ከዳኽሞ ይርከብ"።
በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፣ "ሓድሓደ ግዜ ንዅሉ እቲ ንደቂ ሰባት ዘላትና ፍቕሪ ኣብ ግምት ዘየእቱ ዝደስከለን እተፈልየን መረጋገጺ ሓቂ ክህሉ ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ኵሉ ደረጃታት እቲ መስርሕ ክህሉ ዘለዎ ብኣኽብሮትን ብምሕረትን ንዝምራሕ ሓልዮት ዕሽሽ ክብል ይኽእል ኢዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መልእኽቶም ብምቕጻል፣ ነቲ ኣብ መንጎ ሓቅን ፍቕርን ዘሎ ርክብ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፎ፣ "ንሓቂ ብፍቕሪ ብምንባር ብዅሉ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ክንዓቢ ኣሎና" ብምባል "ንጹር መምርሒ" ከም ዝሃበ ኣትሪቶም መስከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ደጊሞም "Veritatem facientes in caritate” (ኣፍቕሪ ዘሎ ሓቂ) ክበሃል እንከሎ ምስ ግምታዊ ሓቂ ተሰማሚዕካ ምምልላስ ጥራይ ዘይኰነስ፣ "ሓቂ ምግባር" ማለት ንብምሉኡ ተግባራትካ ዜብርህ ሓቂ ምዃን ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ናብ ሓቀይና ፍትሒ ዝመርሕ ዓብዪ ሓይሊ ስለዝኾነ "ብፍቕሪ" ኪትግበር ኣለዎ።"
ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ረብሓታት ዘሎ ውጥረት ዘይኰነስ፣ ናይ ሜመያ መሳርሒ እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ "እዚ መስርሕ እዚ ንባዕሉ ከምቲ ሓድሓደ ግዜ ብጌጋ ዝሕለን፣ ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ረብሓታት ዘሎ ውጥረት ዘይኰነስ፣ ኣብ ሓደ ጕዳይ ሓቅን ፍትሕን ንምፍላይ ኣድላዪ ዝኾነ መሳርሒ እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ብዛዕባ ተጻረርቲ ፍርዳዊ ጕዳያት ተዛረቡ፣ ነዚ ተኣፋፊ ዅነታት ብግቡእ ንምግምጋምን ሓቂ ብግቡእ ንምርግጋጽን ዘድሊ ጽኑዕ ረቛሒታት እውን ገለጹ።
"ነዚ መሰረታዊ ስርዓታት ፍትሒ ዘይምሕላውን፣ ንተመሳሳሊ ዅነታት ኣብ ዝግበር ኣተሓሕዛ ዘይፍትሓዊ ፍልልያት ምምዕባልን፣ ንሕጋዊ መዳይ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ከቢድ ጕድኣት እዩ ዜምጽእ" ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ሰበኻዊ ጳጳስ ዝግበር ሓጺር መስርሕ ፍርዲ ጉዳያት ቃልኪዳን ኣመልኪቶም ብኣጽንዖት ገሊጾም።
በዚ ኸምዚ ድማ "እቲ ነዚ መስርሓት እዚ ከም ዝከኣል ዝገብሮ ንጹር ዝመስል ጉዳይት ቃል ኪዳን ብጥንቃቐ ክምርመር ኣለዎ፣ እቲ መስርሕ ብግቡእ ዝረኻየደ ምዃኑ ከየረጋግጽካ ወይ ከኣ ናብቲ ተራ መስርሕ ምምላሱ ኣድላዪ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን" እውን በሉ፡፤
ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው "ስለዚ ቀኖናዊ ሕጊ ቃል ኪዳን ጽንዓትን ኣስተውዕሎትን ከም ዝሓትትት፣ ብስነ-ፍልጠታዊ ርዝነትን ትምህርቲ ቤተክርስቲያ ብተኣማንነት ምቕጻል መሰረታዊ እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ሓቀይና ጥበብ ክርስትያናዊ ሕጊ ክግለጽ ብምጽላይ ድማ፣ ንኣገልግሎቶም ናብ ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም መጽሔተ ጽድቕ ብሕድሪ ኣወፈይዎ።
