2026.01.01 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ኣብ ዓለምናን ኣብ ስድራናን ሰላም ክህሉ ንጸሊ 2026.01.01 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ኣብ ዓለምናን ኣብ ስድራናን ሰላም ክህሉ ንጸሊ  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ኣብ ዓለምናን ኣብ ስድራናን ሰላም ክህሉ ንጸሊ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሓድሽ ዓመት ዕለት 1 ጥሪ 2026 ዓ.ም. ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ኣማልኽ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ መሪሖም ብሓባር ጸሎተ መልኣክ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና! እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣበጊሶም፡ ህርመት ዝሓልፍ ኣዋርሕ ክደጋገም እንከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ መንጎ ኩሎም ህዝብታት ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ዝዓሰሎ ዘመን ብምብጋስ ግዜና ከነሐድስ እግዚኣብሄር ይዕድመና። እዚ ባህጊ እዚ እንተ ዘይህሉ ነይሩ ገጻት ዓውደ - ኣዋርሕ ምቕያር ከምኡውን መዝገብ ዝክረ ዕለት ምምላእ ትርጕም ኣይምሃለዎን ነይሩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውርሻ ኢዮቤል

እቲ ክዛዘም ዝቐረበ ኢዮቤል፡ ከመይ ጌርና ንዝተሓደስት ዓለም ተስፋ ነማዕብል ምሂሩና እዩ። እዚ እንገብሮ ድማ ንበደል ናብ ይቕረታ ስቓይ ናብ ምጽንናዕ ንውሳነታት ሰናይ ሓሳብ ድማ ናብ ሰናይ ግብሪ ንምቕያር ልብና ናብ ኣምላኽ ብምቕያር እዩ። በዚ ኸምዚ ኣምላኽ ባዕሉ ኣብ ታሪኽ ይነብር ካብ ምርሳዕ ድማ የድሕና ንዓለም ከኣ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ይህባ። ንሱ ሓደ ወልደ እግዚኣብሔር እዩ ሕልና እቶም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ዜብርህ ንመጻኢ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ዓለም ዚመጽእ ሰብኣይን ሰበይትን ተቐባልነት ዘለዎ ገዛ ጌርና ኽንሃንጾ ዘኽእለና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማርያም፥ እመ ኣምላኽ

በዚ መዳይ ሎሚ በዓል ልደት ኣጠማምታና ናብታ ንመጀመርታ ግዜ ህርመት ልቢ ክርስቶስ ተመክሮኣ ዝገበረት ማርያም እዩ ዘቕንዕ። ኣብ ስቕታ ናይ ድንግል ማህጸና ቃል ህይወት ንርእሱ ከም ህርመት ልቢ ጸጋ ኮይኑ ይቐርብ። እቲ ሕያዋይ ፈጣሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ንልቢ ማርያምን ልብናን ወትሩ ይፈልጦ እዩ። ሰብ ብምዃን ድማ ልቡ የፍልጠና። ልቢ ኢየሱስ እምበኣር ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ይሃርም፤ ነቶም ክቕበልዎ ድሉዋት ዝኾኑ ከም ጓሶት፡ ነቶም ዘይደልይዎ ድማ ከም ሄሮድስ። ልቡ ነቶም ንብጻዮም ልቢ ዘይብሎም ዘይግደስ ኣይኮነን: ንጻድቃን ይሃርም: ኣብ ውፉይነቶም ምእንቲ ክጸንዑ: ከምኡ ውን ነቶም ዘይጻድቃን: ህይወቶም ምእንቲ ኺልውጡን ሰላም ኪረኽቡን።

ካብ ሰበይቲ ተወልደ

መድሓኒ ናብ ዓለም ዝመጽእ ካብ ሰበይቲ ብምውላዱ እዩ። ነዚ ኣብ ማርያም ቅድስቲ ዘንጸባርቕን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘይተወልደ ሕጻን ዝንጸባረቕን ኣብ ሰብነትና እተሓትመ መለኮታዊ ምስሊ ዝገልጽ ፍጻመ ንምምላኽ ሓንሳእ ደው ንበል።

ኣብዛ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም እዚኣ ኵላትና ብሓባር ንሰላም ንጸልይ፣ ፈለማ ኣብ መንጎ እቶም ብግጭትን ስቓይን ዝደምዩ ኣህዛብ ኣብ ውሽጢ ኣባይትና ኣብተን ብዓመጻን ስቓይን ዝቘሰላ ኣባይቲ ስድራ። ክርስቶስ ተስፋና ዘይዓርብ ጸሓይ ፍትሒ ምዃኑ ርግጸይናታት ኮይንና ንኣማላድነት ማርያም ኣደ ኣምላኽን ኣደ ቤተ ክርስቲያንን ብምሉእ ልቢ ንለምን እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 Jan 2026, 15:44