ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ዓመት ኢዮቤል 'ሓያል ምልክት ሓዳስ ዓለም' እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ረቡዕ 31 ታሕሳስ ናይ መወዳእታ መዓልቲ 2025 ዓ.ም. ብምኽንያት ኣብ ሓድሽ ዓመት ዕለት 1 ጥሪ ዝበዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳማይ ጸሎት ዘሰርክ ከም ዝመርሑ እውን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ለይቲ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣስታት 5,500 ምእመናን ዝተሳተፍዎ መስዋእተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ናይቲ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘብዕሎ ምስጢርን ሓድሽ ዓመትን ዘሎ ዕሚቝ ርክብ የስተብህሉ።
መደብ ኣምላኽ ንዓለም
“ግዚኡ ምስ ኣኸለ - ምልኣት ዘመን ምስ መጸ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝነበሩ ክብጀው፡ ንሕና እውን ምንቲ ውሉድነት ክንረክብሲ እግዚኣብሄር ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝተወልደ ወዱ ለኣኸ።” እዚ ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ዝተወስደ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ክፍሊ፡ ኣብ እዋን በዓላት ዝተነበበ፡ ቅዱስነቶም ናይ ዝለገስዎ ስብከት ሕመረት ኮይኑ፡ እዚ ምስጢር ክርስቶስ እዚ "ንታሪኽ ወድሰብ ዚኸውን ዓብዪ ውጥን እዩ ዜዘኻኽረና፣ እዚ ምስጢራዊ ውጥን እዚ ግን ከምቲ ኣብ ማእከል ጽዑቕ ዱር ብጸሓይ እተብርሀ ነዊሕ ከረን ማለት 'ምልኣት ግዜ' እዩ ዘዘኻኽረና።"
ሎሚ ኣብዚ ጾር ሓጢኣት ዝኸበዶ ሕብረተሰብ “ጥበባዊ፡ ገባሪ ሰናይ፡ ምሕረት ዝመልኦ ውጥን ከምዘድሊ” ኣጸቢቑ ይስምዓና። ይኹን እምበር: ኣብ ዓለም "ዕዳጋታትን ዞባታትን ጽልዋን ንምስዓር ዝዓለመ ዝተዓጥቀ ኣብ ትሕቲ ምስሉይ ቃላትን ስነ - ሓሳባዊ ኣዋጃትን ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ድራኸታትን ዝተሓብአ ዕጡቕ ስልትታት” ከም ዘሎ የጠንቅቑ።
ኢዮቤል፡ ናይ ጸጋ ግዜ
ቅዱስነቶም ቅድሚ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ዓመት ዝዝየም Te Deum - ንዓኻ ኦ ጎይታ ዘርእስቱ ጸሎት፡ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ንኣምላኽ ስለቲ "ንደቂ ሰብን ንዓለምን ሓያል ናይ ተስፋ ምልክት ዝኾነ" ዓመተ ኢዮቤል ስለ ዝጸገወና ኣመስጊኖም፡ ንኹሎም እቶም ኣብ ምሉእ ኣዋርሕን መዓልታትን 2025 ንሮማ ዝያዳ ተቐባሊት ክትከውን ኣብ ኣገልግሎት ነጋድያን ዝተዋፈሩ ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ ኣቀባብላ ቅድሚ ሓደ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገለጽዎ ትምኒት ምንባሩ ኣዘኻኺሮም፡ “እዚ ኣቀባብላ እዚ ድሕሪ ምዝዛም ዓመተ ኢዮቤል እውን ክቕጽል እምነ” ከም ዝበሉ የመላኽት።
ከተማ ሮማን ደም ሰማእታትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ “ኢዮቤል ከም መደብ እግዚኣብሔር ዝተሓደሰን ዝተዓረቐን ሓዳስ ዓለም ዓቢ ምልክት ምዃኑ” ኣስተብሂሎም። ከምኡ’ውን “ኣብ ውሽጢ እዚ ውጥን’ዚ፡ ሓልዮት እግዚኣብሔር ነዛ ከተማ ሮማ ፍሉይ ቦታ ዘለዋ እያ - እዚ ድማ ብይግባኣንን ብሰንኪ ሓይላን ዘይኮነስ፡ ጴጥሮስን ጳውሎስን ካልኦት ብዙሓት ሰማእታትን ኣብዚ ንክርስቶስ ደሞም ስለ ዘፍሰሱ እዩ። ስለዚ እያ ሮማ ከተማ ኢዮቤል ዝኾነት።”
እታ ከተማ ንድኻታትን ድኹማትን ከም እትከናኸን ድማ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም:- “እዛ ብክርስትያናዊ ተስፋ ህያው ዝኾነት ከተማ ኣብ ኣገልግሎት እቲ ኣምላኽ ንሰብኣዊ ስድራ ቤት ዝሓንጸጾ ናይ ፍቕሪ መደብ ትኹን” እንክብሉ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ኣብ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስነቶም ናብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተነብረ ትርኢት ምውላድ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዕ ማል ፊት ተረኺቦም ነቶም ኣብኡ ንጸሎት ዝተረኽቡ ነቲ ስነ ስርዓት ቅዳሴ በቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝተነብረ ጽፍሕታት ምርኢት ንዝተኸታተሉ ካብ ዘተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዝመጹ ነጋድያን ምመናን ሰላምታኦም ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።
