ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተቖጻጻሪ ህዝባዊ ድሕንነት ከተማ ቫቲካን ምስጋናኦም ይገልጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“እዚ ኣጋጣሚ ተጠቒመ፡ ናይ ገዛእ ርእሰይ ድሕንነትን፡ ተሓባበርተይን፡ ከምኡ’ውን ንባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ናብ ቫቲካንን ዝበጽሑ ኣዝዮም ብዙሓት ነጋድያንን በጻሕትን ንምርግጋጽ ምእንቲ እትፍጽምዎ ክቡር ዕዮ ልባዊ ምስጋናይ እገልጸልከም” እንክብሉ ቅዱስነቶም ሞሳኦም ገሊጾም፡ ካብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓይሊ ጸጥታን ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ዝዊዘርላንድን ዝተፈለየ፡ ኣብ ድሕንነት ህዝቢ ንከተማ ቫቲካን ዝዓዪ ናይ ኢጣሊያ ሓይሊ ጸጥታ፡ ጸጥታን ምሕላው ህዝባዊ ስርዓትን ናይ ምርግጋጽ ዕማም ዝተዋህቦም መኮንናት ደሕንነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ተሓባበርቶምን ከምኡ’ውን ነጋድያንን በጻሕትን ኣብ ከባቢ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስን ኣብ መላእ ኢጣልያ ኣብ ዝገብርዎ ጉስነት ዝሳተፉ ከም ዝኾኑን፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ሓድሽ ዓመት 2026 ነቶም ኣብቲ ርክብ ዝነበሩን ኣባይቲ ስድራኦምን ኵሉ ሰናይ ካብ ጎይታ ተመንዮም፡ ኣብዚ ኣብ ጽዑቕ ዓመተ ኢዮቤልን ተስፋ 2025፡ ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ቀብሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስን ኣብ እዋን መራጺ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላትን ኣብ ዝተኻየደሉ ዓመት፡ ድሕንነት ምእመናንን ነጋድያንን ኣብ ከባቢ ከተማ ቫቲካን ንምርግጋጽ ስለ ዘካየድዎ ዕዮ ደጊሞም ብምምስጋን፡ “ኣብቲ ብርግጽ ሓይልኹም እውን ኣብ ፈተና ዘእትው ጽዑቓት መዓልታት፡ ምስቲ ብሓንሳብ ዝተወጠነ፡ ሓንሳብ ድማ ዘይተጸበኻዮ ኩነት ገካግጥም እንከሎ፡ ብዓቢ ቅልጣፈ ፍጻመታት ክውሰድ ዝገበርኩም” እንክብሉ ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጽዑቕ ዓመት 2025
ኩሉ ነገር "ብስርዓት" ክፍጸምን ኣብ ምርግጋጽ፡ "ከም ወትሩ ናይ መስዋእቲ፡ ሞያዊ ብቕዓት፡ ተዓጻጻፍነትን ምምዝዛንን መንፈስ ከምዘርኣዩን" ገሊጾም፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ልዕሊ 33 ሚልዮን ነጋድያን ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ናብ ሮማ፡ ኣብ ባዚሊካታት ብፍልያ ብናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣፍደገ ንምሕላፍ ኣብ ዝመጽሉ ዓመት እንክብሉ ብምዝኽካር፡ "መወዳእታ ዘይብሉ መስመራት ነጋድያን ብዙሓት ህዝብን ከተመሓድር፡ ምንቅስቓሳቶም ከተሰንይ፡ ከምኡ'ውን መደበራት ጸጥታ ትሕልው፡ ብርቱዕ ኩነታት ኣየር. ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ከይተረፈ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይምቹእ ጠለብ ዝሓትትን ብትዕግስቲ ዘቕረብክምዎ ኣገልግሎት ክቡር እዩ - ቢሎም - ምስዚ ብዝምልከት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንስድራ ቤት መኮንናትን ዝፈትውዎምን "ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ተጸሚዶም ዝረኸብዎም፣ ምስ ጠለባት ተወፋይነትኩምን ዘይተለምደ ናይ ስራሕ ምቅይያርኩምን እናተላመዱን፣ ዝነብሩ” ምዃኖም ብምግላጽ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣብ ደሕንነትን ጸጥታን ህዝቢ ናይ ዘገልግሉ ሓላዊ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ስርዓትን ድሕንነትን ነቶም ውሕስነት ዝህቡ ሰባት መስዋእቲ ዝሓትት ግን ከኣ ንረብሓ ዅሎም ብዙሕ ኣበርክቶ ዝገብር "ውህበት" ምዃኑ ኣጕሊሖም፡ "ድሕንነት ዘለዎ ሃዋህው ንጸሎት ዓብዪ ሓገዝ ኣለዎ፡ ኣብዚ ቐረባ ኣዋርሕ ከኣ ማእለያ ዘይብሎም በጻሕቲ - ገለ ካብኣታቶም ድሕሪ ነዊሕ ጕዕዞታትን ብኣካላውን ቍጠባውን መስዋእትታት ናብ ሮማ ዝመጹ - ሳላኹም እውን ነዚ ኺርእይዎ ኽኢሎም እዮም - ቢሎም - ናብቲ ጠበቓ ሓይሊ ጸጥታን ደሕንነት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ዝቐረበ ጸሎት ኣቓልቦኦም ገይሮም፡ ኣብ ኣገልግሎቶም ሓገዝ ንኽረኽቡ ናብኡ ክቐርቡ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቃላት ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 14 ኣብ 2013 ንሓለዋ ጸጥታን ደሕንነትን መንግስቲ ኢጣሊያ ንከተማ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥
"ፍቑራት ኣሕዋተየ ህላወኹም ነቲ ሰላማውን ስርዓታውን ማሕበራዊ ናብራ ንምህናጽ መሰረታዊ ዝዀነ ኣብ ርእሲ እቲ ብመልእኽቲ ወንጌል ዚምህር ምልክት ናይ ሓቀይና ስልጣነ ዝዀነ ጽቡቕ ስርዓትን ህድኣትን ዝያዳ ብቑዕ ውሕስነት ይኹን" እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ንኣባላት ሓለዋ ጸጥታን ዕዮኦምን ንቅድስት ድንግል ማርያምን ንቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽትን ከም ዘወኸፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
