ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፦ ንሰላም ድምጽና ነስምዕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ንሰላም ከይተሓለልና ኣበርቲዕና ክንጽሊ ኣለና” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ከምቲ ልሙድ ሰሉስ ኣብ ዕረፍትን ዕዮን ዘሕልፍሉ ጥራ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ኣፈት ምስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ሓጺር መግለጺ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ድማ ምስቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ህልው ኩነታት ዓለም ብምትሕሓዝ ዘቕረብዎ ለበዋ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብዛዕባ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ናይ ውግእ ነፈርቲ እትጽዕን ኣብርሃም ሊንከን እተሰምየት ዓባይ መርከብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ከም ዝርከባን ብዛዕባ እዚ እንታይ ትብሉ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ ቅዱስነቶም ምንቲ ሰላም ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም ብምቕራብ ንሕና ንኣሽቱ እውን ድምጽና ዓው ኣቢልና ነዚ ጸገማት እዚ ንምፍታሕ ዓመጽ ዘይኰነስ ዘተ ከም ዘድሊ ክንሕብር ንኽእል ኢና" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ዕለት 27 ጥሪ መዓልቲ ዝኽሪ ሾዋ ምዃኑ ብምዝኽካር ነቲ ኣቐዲሞም በቲ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ናይ ግሊ @Pontifex ዝበል ኣድራሻኦም ኣቢሎም "ምስ ኵሉ ዓይነት ጸረ - ሴማዊነት ንቃለስ" እንክብሉ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ የመላኽት።
